ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ወጽዓ ስለ ዘለና ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ሓሳብ ዝድገፍ ‘ምበር ዝኾነን የብሉን።  እቲ ሓሳብ ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ’ዩ ዝብል ግን ክንጸር ይግባእ። ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጡ እንታ’ዩ ሓቚፉ ዘሎ። ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ? ብሓቂ ደሞክራስያዊ ድዩ? ብሓቂ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝኣምን ድዩ? ብሓቂ ግሉጽነት ዘለዎ ድዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ክለዓሉን መልሲ ክረኽቡን ኣለዎም። ተላፊንካ ንምስራሕ ህላወ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝጠልብ ኣየተሓትትን። ነዚ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኸውን ዝውስኖ ከኣ፡ ኣብ መንጎቶም ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ  ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ  ስነ-ሓሳብ፡ ስትራተጂን ፖሊስን ፍልልያት ዘሎ ሕድሕድ ኣፍልጦ፡ ማዕርነታዊ ኣጠማምታን ከመይነት ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዩ።

  ምስ ካልኦት ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት ተላፊኑ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክቃለስ ምሉእ ዕግበት ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ፡ መጀመርያ ነቲ ክላፈኖ ዝደሊ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ  ሒዝዎ ንዘሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን መልክዕ ውደባን ኣፍልጦን ክብርን ክህብ ኣለዎ። ምኽንያቱ ህላወን መንነትን ፖለቲካዊ ውድብ ብቐንዱ በቲ ቆይሙሉ ዘሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መትከላት ዩ ዝረጋገጽ። ነዚ መለለዪ  ህላዌኡ ዝኾነ  መሰረታዊ ዕላማታት ብሰንጠቕ እናተጻረርካን ብትሕቲ ሃገርነትን መሳርሒ ባዕድን እናጸለምካን፣ ብዝተሓተ ነጥብታት ተሰማሚዕና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ንቃለስ ማለት ክብጻሕ ዝተደልየ ሸቶ እንታይ ድዩ ብምባል ክትሓትት ዝድርኽ’ዩ፡፡ ኣብ ዝተሓተ ነጥብታት ተላፊና ንስራሕ፡ ግን ብዛዕባ’ቲ መግለጺ ፖለቲካዊ መንነትካን ህላዌኻን ዝኾነ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዕላማኻ፡ ንህዝቢ ከይትምህር ክሳብ ውድቀት ዘቤታዊ ጸላኢ በዚ ሕጂ ንምስርቶ ዘለና ልፍንታዊ (ምሕዝነታዊ) መቖሚያታት ጥራሕ ትሰርሕ ማለት መሰል ምድፋእ ዩ።

 ብሓቂ ምጥርናፍ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝደሊ፡ ብሕሰም ህዝብታት ኤርትራ ዝቑንዞ፡ ዘቤታዊ ጸላኢ ምስ ኩሉ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ትካላዊ መሓውሩ ክውገድ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን ፖለቲካዊ ውድብ፡ ክላፈኖ ንዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ብከፊል ዘይኮነ ንምሉእ ፖለቲካዊ መንነቱ’ዩ ኣፍልጦን ክብርን ክህብ ዘለዎ። ኣፍልጦን ክብርን ክህቦ ኣለዎ ማለት፡ ነቲ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ መርገጻት ኩሉ ክቕበል ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ዋላ ኣብ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡን መልክዕ ውዳቤኡን ፍልልይ ይሃልዎ፡ ብፋሽሽታዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ተገፊዑ፡ ንመሰሉ ዝቃለስ ዘሎ ውድብ ክሳብ ዝኾነ፡ ከም ውድብ ኣፍልጦ ክህቦ፡ ንእምነቱ ድማ ከኽብረሉ ይግባእ። ንመሰረታዊ እምነቱ ኣፍልጦን ክብ ከይተዋህቦ፡ ኩሉ ብምግዳፍ በዚ ዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት ብምቕያድ ትሰርሕ ዝብል ጎስጓስ ግን ኣይፋል ክበሃል ዘለዎ ግልቡጥ ስነ-መጎት ዩ።  

  ንጹር ኣረኣእያ ዘለዎ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ሸቶታት ከም ዘለዎ’ዩ ዝእመን። ስለ’ዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰላም ደሞክራሲ ማሕበራዊ ፍትሒ ከንግስዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ዕላማ ከይተሰከፈን ከይተሸማቐቐን ህዝቢ እናምሃረን እናወደበን ብዝተሓተ ነጥብታት ተላፊኑ ክሰርሕ፡ ክሰማምዕን ንዝተሰማማዓሉ ኣኽቢሩ ክኸይድን ይግባእ። በቲ ዝለዓለ (ርሑቕ ዝጠመተ ፕሮግራሙ) ተመሓዝዩ ክቃለስ፡ ክሳብ ሓድነት ክገብር’ውን ይኽእል’ዩ። እዚ ብዝኾነ ሓይሊ ክምንዛዕ ዘይብሉ መሰል’ዩ። ዘቤታዊ ጸላኢና ክሳብ ዝውገድ ዝለዓለ ፖለቲካዊ መርገጽካ፡ ብዝተሓተ እምነትካ ይመራሕ ዝብል ፖለቲካ ግን ኮሓሎ መሲለን መንቆሮ ከም ዝበሃል መንገዲ ዓወትን ለውጥን ዘይኮነስ፡ ካልእ ናይ ምፍልላይ ውጥን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ብሓሳብን ብተባርን ክኸውን ዘለዎ ብሰንኪ ዘቤታዊ ገዛኢ ከም ህዝቢ ካብ ምህላው ናብ ዘይምህላው ነንቆልቁል ስለ ዘለና፡ ብሓባር ክስርሑና ኣብ ዝኽእሉ ንኡሳን መትከላት ተሰማሚዕና፡ ነብስናን ህዝብናን ነድሕን። ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ዘፍርስ ወፍሪ ኣይነካይድ። ምስ እከለ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ግንባር ስለምንታይ ሓደ ዘይትኾኑ ዝብል ካብ ህዝቢ ንዝቐርብ ሕቶ ኣብትን ኣብዝን ፍልልያት ስለ ዘለና ሓደ ክንከውን ኣይከኣልናን። ኣብዝ ኣብዝን ነጥብታት ስለ ዝተሰማማዕና ድማ ተመሓዚና ንቃለስ ኣለና። ኣብ ቀጻሊ ነቲ ዘየሰማምና ንምጽባብ ብምባል’ውን ኣብ ሓደ ንምምጻእ ብዝከኣለና ክንጽዕት ኢና ብዝብል ሓላፍነታዊ ኣገባብ ነረድእ ክበሃል እንከሎ’ዩ ንቡርን ብሱልን ኣካይዳ። ካብ’ዚ ወጻኢ፡ ዘቤታዊ ጸላኢ ክሳብ ዝውገድ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ራእይ፡ ፖሊሲታት ኣይዘረ ማለት እምነትኩም ደርቢኹም ምሳይ ተላፈኑ ዝብል ቁም-ነገር ናይ’ቲ መልእኽቲ።

እዚ ኣገባብ’ዚ ንዝተበታተነ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ምቅርራብ ኣወንታዊ ተራ ኣይጻወትን። ኣብ ልዕሊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዘስምብር ፖለቲካውን ግብራውን ውቅዒት ከዕርፍ ኣይክእልን። ንህዝቢ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ሰለሎ ኣይድሕንን። ዝተበታተነ ዓቕሚ ደምበ ተቓውሞ ተኣማሚኑ ክቀራረብ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዘይምሕር በትሪ ከዕርፍ፡ ህዝብና ካብ ዘለዎ ናይ ደልሃመት መነባብሮ ክድሕን እንተደኣ ኮይኑ፡ ተበዲለና ዝብሉ ወገናት ንዘልዕልዎ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ብዘይ ዝኾነ ኢንታ ብግልጺ ኣፍልጦን ክብርን ምሃብ። ኣብ ሓድሕድ ዘለው ፍልልያት ንምጽባብን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ንምምሕዳርን ኣብ’ቲ ዝፈላሊ ነጥብታት መሰረት ዝገበረ ቀጻልነት ዘለዎ ህዝባዊ መድረኻት ከፊትካ ምዝታይ፡ ምምህሃር’ዩ ምትእምማን ዝፈጥር፡ ዘቀራርብን ስቓይ ዘሕጽርን።

 ኣብ 40 -50 ዓመታት ናይ ገዛእ ርእ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ከይገምገ፡ ኣብ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ ግሉጽ መድረኻት ነጥቢ ብነጥቢ መን እንታይ ይብል ኣሎ ክፍለጥ’ሞ ህዝቢ ክነቅሕ ኣወንታዊ ተጽዕኖኡ ከዕርፍ ዘኽእል ባይታ ከይጥረ፡ ኣቐዲሙ ብብዙሕ ድኻም ዝተመሰረተ ስልታዊ ግንባር ብምግዳፍ ካልእ ስልታዊ ግንባር ንመስርት ማለት ገዛእ ርእስኻ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ’ዩ። ብዘይምስካፍ ክሳብ ውድቀት ደመኛ ጸላኢ ብፍሉይ ፕሮግራም፡ ስነ-ሓሳብ ከይትዛረብ ዝብል እገዳ ክግበር ምፍታን ከኣ ካብ ተመክሮ ዘይምምሃር የመልክት። ብምንጽጻር እቲ ንደምበ ተቓውሞ ከይቀራረብ ዓጊቱ ዘሎ መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ሓሳብ ብሓሳብ ንምግራሕ ዝቐለለ ዕርዲ ከይብረ፡ ምስ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝግበር ናይ ህይወት ዋጋ ዝሓተት ዝኸበደ ዕርዲ ሰቢረ ፖለቲካዊ ነጥበ መቐይሮ ከምጽእ’የ ማለት ፖለቲካዊ ልቦና ዝጎደሎ ዩ። 

  ብመሰረቱ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣድማዒ ስራሕ ከይስራሕ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ፡ ብዝሒ ውድባትን ስነ-ሓሳባዊ ድልልያትን ዘይኮነ ተቓሊሱ ዘቃልስ መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ክውለድ ዘይምኽኣሉ ዝፈጠሮ ሃጓፍ’ዩ። እዚ ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ድኽነት ዝምጩ ዩ። ኣብ ክንዲ ብቐዳምነት ንባዕላዊ ፖለቲካዊ ድኽመትካ ምልላይ፡ ምእማንን ምእራምን፡ መታን ብሓባር ክንሰርሕ ብዛዕባ ውድባትና፡ ስነ-ሓሳብና ኣይንዛረብ ማለት፡

ቀዳማይ   ናትካምበር እቲ ካልእ እንታይ ይብል ኣሎ ክትቅበል ዘይምድላይ እዩ።

 

ካልኣይ    ባዕላዊ  ፖለቲካ ውድቀት  ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣፈታትሓኡን ብዕቱብ ከም ዘይተገምገመ የርኢ።

 

ሳልሳይ፡   እቲ ዝበሃል ዘሎ ምጥርናፍ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ይስረት ከም ዘየለ የመልክት። 

 

ራብዓይ፡  ከም ዓይነት ናይ ንግበር ንግበር ምጥርናፍ  ኣብ ተመክሮ ናይ ካልኦት ሃገራት  ከይከድና፡ ካብ ውልደት ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ብብዙሓት ውድባት ተፈቲኑ፡ ኣብ ምቅላል ባዕላዊ ፖለቲካዊ ሽግራትና ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክገብር ኣይተራእየን።

 

ስለዚ ነዚ ተደጋጊሙ ተፈቲኑ ዘይሰርሐ፡ ካብ መድረኽ መሪሕነታዊ ኣካላት ከይወረደ፡ ሓታትን ተሓታትን ዘይብሉ በኒኑ ዝቕህም ኣካይዳ ዝደሓነ ስለ ዘየሎን።በቲ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ተፈቲኑ ውጽኢታዊ ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ወዳድባ፡ ፕሮግራም፡ ስነ-ሓሳብ መሰረት ብምሉእ ነጻነት ኣብ ህዝቢ እናርሐ፡ ኣብ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ብምጥርናፍ ኣንጻር ናይ ሓባር ዘቤታዊ ጸላኢ ምቅላስ፡ እንተ ዝኸውን ብርግጽ መስመዐን መድመዐን። ንፖለቲካዊ ፍልልያት ዝጻወር ዓቕምን ዓቕልን ከይወነ፡ ንፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ንብሄራውን ሃይማኖታውን መልክዕ ዳድባ እናተጸየ፡ ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ኣይትዛረ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ተገዝኡ ማለት ግን ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።

                                                       

                                       ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

                                                          25 ሓምለ 2024