ኣብ ክውንነት ዝኣምኑ ኣርሒቖም ድማ ዝእምቱ ለባማት ሰባት፡ ሓቀኛ ምንጩ ዘይፍለጥ፡ ጭብጢ ንዘይብሉ፡ ተባሂሉ፣ይበሃል ኣሎ፣ ከም’ዚ ክግበር’ዩ፣ ክኸውን’ዩ …ወዘተ ብዝብል ንዝንዛሕ ወረ “ቤላ ቤሎ” ክብሉ ይገልጽዎ። ብካልእ ኣገላልጻ ቤላ ቤሎ መሰረትን ተሓታትን ዘይብሉ ወረ ማለት’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘይተሰምዐ ዓይነት ቤላ ቤሎ የለን፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝጸንሖ ፖለቲካዊ ለውጢ ክገብር’ዩ። ቅዋም ክትግብር’ዩ። መደባት ልምዓታዊ መጽናዕቱ ኣጻፊፉ ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ክኣቱ’ዩ።ኣብ ሓጺር ግዜ ማዕረ ኣናብር ልምዓት ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ ዝኾና ሃገራት ክንከውን ኢና። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፣ ኣብ መዓልቲ ነጻነት 24 ግንቦት፣ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት፣ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኩሎም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ’ዮም። ኤርትራ መወዳድርቲ ናይ’ተን ኣብ ዓለምና ኣለዋ ዝበሃላ ሓያላትን ምዕቡላትን ሃገራት’ያ። ዕንቅፋት ኮይኖሙና ዘለዎ ጎረቤትና’ዮም …ወዘተ ዝብል ዕሙት ጽልእን ፖለቲካዊ ድኽነትን ዝሰረቱ ዝተነዝሐ ቤላ ቤሎ እልቢ የብሉን።

ካብ’ቲ ዝሰማዕናዮ ቤላ ቤሎ ግን ዋላ ሓደ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ የለን። ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 34 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ክረአ ዝግበእ ዝነበረ ኣወንታዊ ምዕባሌታት ኣይተራእየን። ዓመት መጽአ ክኸውን’ዩ ክትግበር’ዩ ንተዓጋስ ጥራሕ፡ ንጸመም ጥራሕ እናተባህለ ብዘይ ፍረ 34 ዓመት ተቖጺሩ። ዝተኣትወ ቃል፡ ዝተነዝሐ ቤላ ቤሎ ተስፋ በሃማት ኮይኑ ሃፊፉ ተሪፉ፡ ፡ ብተለምዶ ምንጭን በዓል ቤትን ናይ’ዚ ቤላ ቤሎ ወረ ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝምራሕ ፕሮጀክት ሓሶት ባዶ ሰለሰተ (03) ምዃኑ ናይ ብዙሓት እምነት’ዩ። ይኹን ‘ምበር ነቲ ቤላ ቤሎ ኮኒኖም ሚዛኖም ሓልዮም ካብ ዝኸዱ፡ ንዝሰምዕዎ ቤላ ቤሎ ዕለታዊ መምርሒኦም ገይሮም ዝኸዱ ሰባት ይበዝሑ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ባዶ ሰለስተ (03) ናይ ጸላኢ ፕሮጀክት ሓሶት’ዩ ዝብል ብሰፊሑ እናተዘርበሉ እንከሎ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣታሊልካ ንኻልኦት ዘጋጊ ወረ ምቅላሕ ዛጊት ደው ኣይበለን። 34 ዓመት ፍርቂ ዕድመ ወዲ-ሰብ’ዩ። ብእዝኖም ካብ ዝሰምዕዎን ብዓይኖም ካብ ዝረኣይዎን ዘይመሃሩ፡ ከም ደጋሚት ዑፍ ንፋስ ኣምጸኦ ወረ ዝደግሙ፡ ናቶም መርገጽ ዘይወስዱን ሰባት ብርግጽ ሚዛን ሓቂ የብሎምን። ሰብ ኮይኖም ተፈጢሮም ‘ምበር ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ኣለዎም ክትብል የሸግር።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ክበሃሉ ዝጸንሑን ዛጊት’ውን ይበሃሉ ካብ ዘለው ቤላ ቤሎ ገለ ኣብነት ክጠቅስ፡

ሀ. ካብ ትግራይ ክመጽእ ይኽእል ንዝነበረ ሓደጋ ምድፋር ልኡላውነት ሃገር፡ ኣብ መሬት ትግራይ ኣቲና ስለ ዝሰዓርናዮን ዘበርዓናዮን መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ክገብር’ዩ። ኣብ ዓለም ኣለዋ ዝበሃላ ማሽነሪታት የእቱ ኣሎ። ጽርጊያ፡ ዲጋታት፡ ምስፋሕ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ቀዳምነት ተዋሂብዎም ካብ ዘሎ ውጥናት መንግስቲ’ዮም ናይ ሓደ እዋን ፕሮፖጋንዳዊ ደሮና ነይሩ። ሕጂ እቲ ዝተባህለ ኣበይ ኣተወ? ኣበይ ኣለዋ እተን ኣብ ማሕበራዊ ሜዲያ ረኣዩልና ስምዑልና ዝበሃለለን ዝነበረ ማሽነሪታት? ካብ’ቲ ክትግበር’ዩ ዝተባህለ፡ ይትረፍ ንፍረ ዝበጽሐ ዝተጀመረ ውጥን ኣበይ ኣሎ?

ለ. መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ናይ ዝሞቱ ወተሃደራቱ ንስድራ ቤት መወቲ ብወግዒ ክሕብር ቅድመ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ኣሎ ዝብል ብዝምልከት፡- ኣብ’ዚ ክስመረሉ ዘለዎ፡ ቀዳማይ፡ ህይወት ሰብ ብዘይ ጭቡጥ ኣገዳዲ ምኽንያት፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድ ህዝብን ከይጠፍእ ኣቐዲምካ ምክልኻል ምቅዋም፡ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ እንተኾይን ከኣ ናይ ዝጠፍአ ህይወት ዜጋታት ተሓታቲ ኣነጺርካ ናብ ሕጊ ዝቕርበሉ ባይታ ምፍጣር ድዩ ቀዳምነት ተዋሂብዎ፡ ክስረሓሉ፡ መዛረቢ ክኸውን ዘለዎ ወይስ ወግዓዊ መርድእ ምሃብን ዘይምሃብን?

ካልኣይ፡ ዘቤታዊ ጸላኢ ደቆም፡ ወለዶም፡ መቕርቦም፡ ዓርኪ መሓዛኦም ኣደናጊሩ ድዩ ኣገዲዱ ኣብ ኲናት ኣእትዩ ንዘጥፈኦም፡ ቀታሊ ክንሱ ተገልቢጡ ብወግዓዊ መርድእ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ እንተዝነግሮም ንስድራ ቤት ግዳያት እንታይ ይስመዖም? እንታይ ለውጢ ኸ የምጸኣሎም? ተወሳኺ ውሽጣዊ ቃንዛ ወይስ ከም’ቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ፍትሓውን ቅቡልን መስዋእቲ ሓበን?

ሳልሳይ፡ መዓስን ብመንን ከ’ዩ ወግዓዊ መርድእ ከም ዝንገር ተሓቢሩ? ወፋሮ ቤላ ቤሎ ፕሮፖጋንዳ ክምልስዎ ዘለዎም ሕቶ’ዩ።

ሐ. ህግደፍ 4ይ ውድባዊ ጉባኤ ክገብር’ዩ። ካብ ተቓወምቲ ውድባት ብዓል እከለ ክእትው’ዮም። ካብ ውሽጡ በዓል እንከለ ካብ ስልጣን ክግለፉ፡ ብዓል እንከለ ድማ ናብ ስልጣን ክድይቡ’ዮም ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ቤላ ቤሎ ክንዛሕ ሰሚዕና፡

ቀዳማይ፡ ህግደፍ ጉባኤ እንተገይሩ ካብ መሳርሒ ሓደ ሰብ ምዃን ሓራ ወጺኡ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን ሚዛን ዘለዎ ናይ ህዝቢ ውድብ ክኸውን ይኽእል? ካብ ዝተለምደ ፋሽሽታዊ ተግባሩ ይእረም?

ካልኣይ፡ ን34 ዓመት ከም ህዝቢ በታቲኑ ዘድቀቐና፡ ከም ሃገር ፖለቲካዊ ምስልና ዝደወነ፡ ሕጋዊ ኮነ ፖለቲካዊ ቅቡልነቱ ዝሞተ ናይ ሓደ ሰብ መሳርሒ ገበን ስማዊ ውድብ ህግደፍ፡ ጉባኤ ገበረ ኣይገበረ ካብ ተወሳኺ ጥፍኣት ወጻኢ ኣብ ህላዌኡ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኣወንታዊ ለውጢ ከምጸኣሉ ትጽቢት ይግበር?

እቶም ኣባላት ህግደፍ ዝበሃሉ’ኮ፡ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ሕጋውነት፡ ሓባራውነት ህዝባውነት ዝብል ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ኣምራት የብሎምን። 34 ዓመት ብዘይ ጉባኤ፡ ብዘይ ናይ ፕሮግራምን መሪሕነትን ምምሕያሽ ክነብሩ ዝፈቐዱ ኣባላት ብደዎም ዝሞቱ ‘ምበር ናቶም ፖለቲካዊ ሚዛን ዘለዎም ኣይኮኑን። እቲ ውድብና ግንባርና ኢሎም ዝጽውዖ ህግደፍ ከኣ ገበነኛታት ዝተኣኻኸብሉ ጉጅለ ‘ምበር ህዝባዊ ባህሪ ዘለዎ ውድብ ኣይኮነን። ስለዚ ህግደፍ ጉባኤ ክገብር’ዩ እናበልካ ምውዕዋዕ ወናኒ ገዛእ ርእስኻ ዘይምዃን፡ ናይ ዘይቐብጹ ቅቡጻት ከንቱ ሕልሚ’ዩ። እቲ እንኮ ኣማራጺ ህግደፍ ጉባኤ ገይሩ ዘይተፈጥሮኡ ኣወንታዊ ለውጢ ከምጽእ ሃረር ምባል ዘይኮነ፡ ዕላማኻ ኣነጺርካ፡ ቀላጽምካ ኣተሓባቢርካ ምቕባጹ ጥራሕ’ዩ።

መ. ኢሳያስ ስልጣኑ ናብ ኣብራሃም ወዱ ከመሓላልፎ’ዩ ዝብል ቤላ ቤሎ ብዝምልከት፡-

ሓደ፡ ንኢሳያስ ኣብ ዓዲ ሚሊዮናት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተኺሉ ደስ ዝበሎ ስጉምቲ ክወስድ ዕድል ዝሃቦ፡ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ረቛሒታት ፈላልዩ ዘይርኢ ኣዝዩ ዝወደቐ ፖለቲካዊ ድኽነትና ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ክልተ፡ በዚ ዘለናዮ ጭቡጥ ኩነታት፡ ብዘይ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፣ ብዘይ ሃገራዊ ባይቶ፣ ብዘይ ህዝባዊ ምርጫ ብኢደ-ወነኑ ከም ህዝቢ ዝነበረና ኩለንተናዊ ክብርታት ዓነውነው ኣቢሉ፡ ካብ ንቡር ናብ ዘይ ንቡር ዘእተወና፡ ከም ቃሕታኡ ዝዘምት፡ ዘድኪ፡ ዝኣስር፡ ዝቐትል፡ ጽልእን ኲናትን ምፍራኽ ዝዋኒኑ ጸረ-ህዝቢ ባእታ ስልጣኑ፡ ንወዱ፡ ንጓሉ፡ ንሰበይቱ፡ እንተሰጋገረ መን ይኽልክሎ? ኣየናይ ሕጊ ይእግዶ? መን ኣይፋልካን ይብሎ?

ሰለስተ፡ ንምዃኑ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ብመደብ ምድካይ ምድንቋር፡ ክበታተን፡ ኣብ ኲናትን ወረ ኲናት ክነብር ምግባሩ ድዩ ከዛርብ ከሐርን ከቃልስ ዘለዎ ወይስ ስልጣን ናብ ወዱ ምስግጋሩ? ኣብራሃም ናይ ኣቦኡ ስልጣን እንተተረኪቡ ዘይሕጋዊ፡ ኢሳያስ ኣብ ስልጣኑ እንተቐጺሉ ከኣ ሕጋዊ ‘ዩ ማለት ድዩ እቲ ሻቕሎትን ወፍርን ናይ ሰራዊት ቤላ ቤሎ? ካብ ኣብራሃም ኢሳያስ ይሕሸና ድዩ እቲ መጎት ወይስ ስልጣን ናብ ወዱ እንተተመሓላሊፉ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ፖለቲካዊ ድኽነትና ክቃላዕ’ዩ ዝብል ስኽፍታ’ዩ?

ብመሰረቱ ኢሳያስ ስልጣኑ ናብ ወዱ ምስግጋሩ ዘይኮነ ከሕመና ከዛርበና ዘለዎ፡ ስለምንታይ ኣብ ትሕቲ ምሕረት ሓደ ሰብ ወዲቕና? ከመይ ከ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። እናመረረና ክንውሕጦ ዘለና ሓደ ሓቂ ኣሎ። ኢሳያስ ከም ህዝቢ ንዒቑና’ዩ። ብስማውያን ጀነራላት፡ ስማዊ ውድብ ህግደፍ፡ ስማውያን ማሕበረ ኮማትን ኣቢሉ ከም ቃሕታኡ’ዩ ዝገዝአና ዘሎ። ካብ’ዚ ዘለናዮ ብቃልስና ሓራ ክንወጽእ ኣለና። ሓራ ክንወጽእ ከኣ ፖለቲካሊ ክነቅሕ ክንውደብ ናይ ተግባር ሰባት ክንከውን ይግባእ። ስለምንታይ? ዝተረግጸ መሰል ብቑዘማ፡ ብቤላ ቤሎ፡ ካብ ማይ ቤት ጸላኢ መን ካብ መን ይሓይሽ ውልቀ ሰባት ብምሕራይ ኣይረጋገጽን። ኢሳያስ ብኣብራሃም ወዱ እንተተከአ ክገርመና የብሉን። ክገርመና ከሕፍረና ዘለዎስ ከም ህዝቢ ስለምንታይ ግዳይ ቤላ ቤሎ ኮይና’ዩ።

ካብ ክብሮም ከሰተ

ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

21 ለካቲት 2025