ህዝብና ወሬ ኹናትን ድምጺ ቦምብታትን ፣ ሞትን ስንክልናን ስደትን ካብ ዘተኣናግድ 64 ዓ. ም. ሓሊፉ ኣሎ ። ኣብ መዋእል ሰውራ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ህዝብና ከይኣክል ፡ ህግደፍ ዓመት ወጸት ዓመት መጸት ፡ መንእሰያትና ኣብ ሓዊ ኹናት ክጠብስ ሓጎስ እምበር ሓዘን ይኹን ጓሂ ኣይስምዖን እዩ ። ምኽንያቱ ፍልስፍና ወይ ራኢ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኹናትን ድኽነትን ኣማዕቢሉ ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮኡ ክሓስብ ገይሩ ፡ነታ ለይትን መዓልትን ዝናፍቓ ኢትዮጵያ ክመርሕ ኢሉ እዚ ከሉ ወርደትን መኸራን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከወርድ ንዕዘብ ኣሎና ። ኣብ ግዜ ሰውራ እንተኾነ እውን ብናይ እስቲፎኖስ ኣብራሃም (ዘማች) ደርፊ ገይሮም መሓዙቶም ነዳያትን ዓዃያትን ዝነብሩላ ኤርትራ ክሃንጹ ምዃኖም ኣተምቢሆምልና ነይሮም ። ስለዚ ክገርመና የብሉን ። እቲ ነዳይ ብቅድሙ ድኻ እዩ ፡ እቲ ቁሩብ ትሕዝቶ ዝነበሮ ከኣ ብእተፈላልለየ ሸርሕታት ኣድኪዮምሞ ሃገር ዓዲ ነዳያት ገይሮማ ኣሎው።
ኹናት ባድመ 1998-2000 ዓም ፡ብኣሸሓት መንእሰያት ዝተሰውኡሉ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ዝኣዘዞን ዝሕተተሉን እዩ ። ምኽንያቱ ንባድመ ንወያኔ ዓዲሙ ንተሓኤ ኣልዮም ነቲ ከባቢ ምስ ተቖጻጸሩ፡ ንወያኔ ከም ጉንዖ ናይ ተሓባብርነቶም ከማሕድርዎ ሂቡዎም እዩ ። እዚ ከባቢ እዚ ተሓኤ ተማሓድሮ ዝነበረት እዩ ። ኣብ ግዜ ረፈረንዱም ከኣ ኣብ ባድመ ፡ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝነብር ኤርትራዊ ተባሂሉ ኣድሚጹ እዩ ። ኢሳያስ ኣፈውርቂ ካብ ኢትዮጵያ ዝጽበዮ ዝነበረ ስልጣን ይኹን ጥቅሚ ምስ ጎዶሎ ፡ ብታንክታት እተሰነየ ወራር ኣብ ኢትዮጵያ ፈጺሙ ። እዚ ከኣ በታ መን ጀመረ ኹናት ክተጽንዕ ዝቆመት መርማሪት ኾሚሽን እተረጋገጸ እዩ ። ሓበሬታ ህግደፍ ክትኣምኖ ዘጸግም ኾይኑ እምበር ፡ ኣብዚ ኹናት እዚ ህግደፍ ከም ዝበሎ ክሳብ 19,000 መንእሰያት ተሰዊኦም እዮም ይብሃል ።
ህግደፋውያን ኣብ ብዙሕ ግዜያት ፍቅርን ናፍቆትን ኢትዮጵያ ከም ዘሎዎም ኣይሓብእዎን ። ኣልኣሚን መሓመድ ሲዒድ እቲ ዕሉል ዋና ጽሓፊ ህግድፍ ዝነበረ “ ኤርትራ ናብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ምንዮቱን ድልየቱን ጥራሕ ዘይኾነ መንግቱ እውን ከምኡ ከም ዝደሊ “ እናኣወጀ ድልየቱ ከይተፈጸመሉ ዓለም ኣርኪባቶ ። የማነ ገብረኣብ (ህበይ ) ድሕሪ ውዑል ጀዳ ብጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ “ ቀንዲ ዘገድሶም ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ምርግጋእን እምበር ፡ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ከምዘይኾነ ገሊጹልና እዩ ። ብዓቢኡ ከኣ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቅ ካብ ሜዳ ግዜ ቓልሲ ጀሚሩ ኾነ ድሕሪ ነጻነት ፡ ትማሊ እውን 2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣባባ ድልየቱ ዝተፈጸመሉ መሲሉዎ ብታሕጓስ ልቡ እና ሃረመ ሓጎሱ ክገልጽ ዝተራእየ ። ስለዚ እዮም ከኣ ህግደፋውያን ሰራዊቶም ጠርኒፎም ናብ ኹናት ትግራይ ኢትዮጵያ ከይትፈርሶም ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘይምልከቶም ኹናት ዓዲ ሃገር ክስውኡ ገይሮም ። እዚ ጉዳይ በዚ ከይተወደኤ ፡ ሕጂ ከኣ መንኣሰያትና ናብ ኻልእ ኹናት ኣእትዮም ከጽንትዎም ዓጢቆም ኣሎው።
ሕጂ እውን እንተኾነ ናይዚ ራብዓይ ኹናት ተሓታቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ኣቦው ክምስሉ እንከሎዉ “ለባም መባእስቲ ይፍጠረልካ “ይብሃል ። ሕጂ ግን ክልተ ሰባት ብዕሽነትን ጉርሕን ስነ ልቦና እተመልመሉ ተራኺቦም ኣሎው። ስለዚ ንኦቢይ ኣሕመድ ንወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ንምሓዝ ዘድፈሮ ባዕሉ ኢሳያስ ኣፈወቂ እዩ ። እሙናት ምጭታት ከም ዝብሉዎ ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ወደብ ዓሰብ ክትህብ ፡ ኢትዮጵያ ከኣ ከምቲ ተደጋጋሚ እንሰምዖ ዝነበርና ፡ መሬት ዋልቓይት ሕሞራን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ መገዲ ኣየር ዕጫ ክትውሃብ ዝብል ነይሩ ይብሉ ። በዚ ከኣ እዩ ዓቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ ፡ ምስ ኢሱ” ዓሰብ “ኢና እንማቀል ዝበለና ። ስለ ምንታይ ደኣ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንውዑል ጅዳ ኣብ ግብሪ ዘይኣወዓለ ? ብናተይ ኣረዳድኣ ዓሰብ ናይ ኢሳያስ ኣፍወቂ “ጆከር “ እያ ። ምኽንይቱ ዓሰብ እንተ ሂቡ እቲ ሕጂ ዘሎዎ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን እዚ ቀርኒ ኣፍሪቓን ክበንን እዩ ። ኣብዚ ከባቢ ዋጋን ኣቓልቦን ዘይብሉ ኾይኑ ክነብር ዝፈቅድ ሰብ ከኣ ኣይኾነን ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንኤርትራ ምስ ዓሰባ ናብ ኢትዮጵያ ክወስዳ እንተኾይኑሉ ፡ ሕልሙ ብምሉኡ ተፈጺሙሉ ማለት እዩ ። እዚ ሕልሚ እዚ ስለ ዘሎዎ ከኣ እዩ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናጻነት ምሉእ “ ፍቲሕ “ ክፍጽም ዘይደለየ ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዶብ ክሕንጸጽ ብሕልሚ እውን ኣይረኣዮን
መግስቲ ኢትዮጵያ ንዓሰብ ቅድሚ ኹናት 1998 ትጥቀመሉ ነይራ እንዲያ ፡ ሕጂ ክትቀመላ ዘይኾነትስ ወናኒት ክትከውንን ወተሃደራት ሓይሊ ባሕሪ ክተስፍረሉ ምዃና ደጋጊማ ትገልጽ ጽኒሓን ኣላን ። ገለ ካብዞም ቆሉዑት ብሩህ መጻኢ ዝብሉ ፡ ብሪጌድ ንሓመዱ ዘይወከሎም ፡ ምስቲ ቆልዓ ከምኦም ዓቢይ ኣሕመድ ኾይኖም ሀገሮም ክውሩሩን ድልየት ዓቢይ ኣሕመድ ክፍጽሙን ኣዲስ ኣባባን , መቀለን ፡ ሳመራን ፡ ኾለል ክብሉ ቀኒዮም ኣሎው ። ኣባው ክምስሉ እንኾለዉ “ ቆልዓ ይጎዩ እምበር ኣይቅድምን “ ይብሉ ። እቲ ቁልዑነቶም ከኣ ኢትዮጵያ ብዓለማዊ ሕጊ ኣፍደገ ባሕሪ ክህሉዋ ይፈቅድ እዩ ክብሉ ክምድሩ ንሰሚዕ ። እወ ፡ እዚ ደኣ ዝኾነ ተራ ሰብ ዝፈልጦን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓን ኣብ ዓለምናን ልሙድ ዝኾነ ኣሰራርሓ እዩ ። ተሳማሚዕካ ክግበር ከምዝከኣል ኩሉ ሰብ ይፍልጥ እዩ ። ዓቢይ ኣሕመድ ግን ኣፍድገ ባሕሪ ዘይኾነስ ወናኒ ባሕሪ ክኸውን ብሓይሊ ወሪሩ ከኣ ዓሰብ ክሕዝ እሞ ኣብ መዝገብ ታርኽ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ መሊሱላ ተባሂሉ ብዓል ታሪኽን ዝናን ኾይኑ ክንገረሉ ዝደሊ ነፋሒቶ ሰብ እዩ ። ዝኾነ ኤርትራዊ ውልቀ ሰብ ይኹን ውድብ ብናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ተሰኒዩ ንኤርትራ ካብ ህግደፍ ነጻ ከውጸኣ እየ ዝብል ፡ ንናይ ኣሸሓት ኤርትራውያን ንልዑላውነት እዛ ሃገር እተሰውኡ ምክሓድ እዩ ካብ ዝሓለፈ 30 ዓመታ ተመክሮና ከም ውድባት ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ዝኾነ ዝረብሕ ምትሕብባር ኣይነበረን ። እተን ውድባት ከኣ ለሚሰን እየን ተሪፈን ።
ኣብዚ ክንፈልዮ ዘሎና እቲ ጉጂለ ጥፍኣት ዝኾነ ህግደፍን ንጎኒ ገዲፍና ፡ ህዝብናን ሰራዊትና ልዑላዊ መሬትን ንምኽልኻል እንታይ ንግበር ? ብቀዳምነት ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ኹናት ከይእቶ በብዝከኣሎ ናብ ኤምባሲታት ወከልቲ መንግስታትን ናይ ሰላም ትካላትን ምሕጽንታ ምልኣኽ ። ብፍላይ ሕብረተሰብ ዓለም ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ኾይኑ ዘሎ ውዑል ኣልጀርስ ተግባራዊ ንምግባር ክድፍኣሉ ምግባር ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኤርትራ ኣብቲ ብውዑል ኣልጀርስ ዝተፈቅደላ መሬት እያ ዘላ ክብል ጸኑሑ ፡ ሕጂ ግን ኹናት ስለ ዝደለየ ፡ ብኣብራሃም በላይ ገይሩ ፡ ኤርትራ መሬት ኢትዮጵያ ሒዛ ኣላ ክብል ከሲሱ ኣሎ ። እዚ ሓዲሽ ክሲ ከኣ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ግምባር ንምፍጣር ዝተሃንደሰ ከይኸውን ዝብሉ ተንተንቲ ፖሊቲካ ኣሎው ። ኣብዚ እውን ህግደፍ ነቲ ብውዑል ኣልጀርስ ዝተወሰሉ መሬት ፣ ብሕግን ስነ ስርዓትን ኣብ ክንዲ ምሕታት ብወራር ክመልሶ ተራእዩ ። ከምቲ ገለ ገለ ኤርትራውያን ወያኔ ብሓይሊ ሕዙዎ ነይሩ ንሕና እውን ብሓይሊ እንተ ሓዝናዮ እንታይ ጸገም ኣሎዎ ዝብሉ ኣይኾነን ። ህግደፍ ካብ ስዕረት ባድመ ክመሃር ኣይኻኣለን ። እዚ ኣብ ባድመ ይኹን ኣብ ኢሮብ ካሊእ መሬት ትግራይ ሕዙዎ ዘሎ ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ከወድእ እንተዘይኾይኑ ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ጉዳይ ብዘተ ኣብ ጣውላ ከምቲ ናይ ኣልጀርስ ከይፈተወ ዝፈረሞ እዩ ክኸውን ። ንህግደፍ ኽናት ከም ገበጣ ምጽዋት እዩ ዝመስሎ ። ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ዝሓስብ ኣይኾነን ። ብሓይሊ እትሕዞ መሬት እቲ ካልእ ኣካል ከኣ ብሓይሊ መጺኡ ከውጸኣካ ምዃኑ ዘይምፍላጥ ትዕቢት ህግደፍ ጥራሕ እዩ ዝገልጽ ። ዕርቂ ማለት ብሳልሳይ ኣካል ተመእኪልካ እተፍጽሞ እምበር ሓደ ወገን ንበይኑ ውዑል ዕርቂ ክፍጽም ኣይክእልን ። ሕጂ እውን ኩልና ሃገራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነባራት ተጋደልትን መንእሰያትን ውሽጣዊ ፍልልያትና ገዲፍና ምስ ህዝብናን ሰራዊትና ደው ክንብል ይግባእ ። ህግደፍ ብሓይሊ ብረት እዩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ። ኣብዚ ግዜ እዚ ንዝኾነ ዘተ እውን ዝቅበል ኣይኾነን ።ህግደፍ ኣብ ዘተ ምስ ድምበ ፍትሒ ተገዲዱ ከመጻሉ ዝክእል ፡ደምበ ፍትሒ ሓድነቱን ጥርናፊኡን ምስ ዘረጋግጽ ጥራሕ ኣዩ ። ኣብ ውሽቲ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ከኣ ካብ ኣርዑት ህግደፍ ሓራ ክወጽእን ህወቱ ናብ ንቡር ከመልስን ምስ ተጸብየን ምስ ሐለመን ስለ ዝኾነ ብዘይ ጥርጥር ኣብ ደምበ ፍትሒ ከም ዝጽምበር ርጉጽ እዩ ።
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ዝክሪ ንስውኣትና
ርሑስ 8 መጋቢት ንኩለን ኣደታት
ክብሮም ግረነት
3/7/2025