ኣብ ዓለምና ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣውን ሰብ ዝሰርሖምን ሓደጋታት እናተኸስቱ ዝመጹን ዝቕጽሉ ዘለዉን ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ብሓፈሻ ዘብጽሕዎ ዘለዉ ማህሰይቲ ብቐሊሉ ዘይግመት ሓደጋ እዩ፡፡ እቶም ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዝግለጹ ተርእዮታት ንዘውርድዎ ሓደጋታት ኣብ ምክልኻል ይኹን ምቁጽጻር ጥሙር ዓለም-ለኻዊ ዓቕሚ ከይፍጠርን ብውህደት ከይነጥፍን ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ተርእዮ ድማ ሓደ ኣካል ናይቶም ሰብ ዝሰርሖም ሓደጋ ዝኾነ ኣብ ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ዝወርድ ዘሎ ግህሰታትን ስግረታትን፡ ናይ ስነ-ሞጎት ሓይሊ ምዝውታርን እዩ፡፡

ዓለም-ለኻዊ ትካል ሕቡራን መንግስታት ከም ትካል፡ ኣብ ሰብኣዉን ደሞክራስያውን ሓፈሻዊ ናይ ሓርነታት መሰላትን ልዑላውነት ናይ ህዝብታትን ሃገራትን ወዘተ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዓለም-ለኻዊ ሕግታትን ውሳነታትን ዘጽደቐን ብመጠኑ እናሰርሓሉ ዝመጸን ዘሎን እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዓውደ ተግባር ግን መሰናኽላትን ብደሆታትን እናኣጋጠሞ ስለ ዝርከብ፡ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ እናተጣሕሰን እናተዳኸመን ዝመጸን ዝቕጽል ዘሎን ምዃኑ፡ ብኣንጻሩ ስነ-ሞጎት ሓይሊ ምጥቃም እናዓበየን እናነገሰን ይኸይድ ምህላዉ ምግንዛብ ዝካኣል እዩ፡፡

እዚ ኣካይዳ እዚ ድማ ክሳብ ናብ «ሓይሊ እንሃልዩ እንታይ ዝኸውን ሕጊ» ዝብል ግጉይን ዓማጺ ኣተሓሳስባን ስነ-ምግባርን እናተኣትወ፡ ልዑል ዓቕምን ትሕዝቶን ዝወነኑ ሓያላት መንግስታት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እናወሰዱ ሓታትን ኣራምን ተሳኢኑ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ናብ ከቢድ ስግኣትን ስኽፍታን ዘሳጥሕ ኣሉታዊ ተርእዮ ብጋህዲ እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓቂ እዩ፡፡ እዚ ተርእዮ'ዚ ኣስጋእነቱ ብቀጻሊ ክዓቢ ዝገብሮ ዘሎ ተወሳኺ ምኽንያት ድማ፡ ሓያላት መንግስታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለምን ከባቢታትን ምስ መሓዙቶምን ደገፍቶምን ምሕዝነት እናፈጠሩ፡ ዘመናዊ መሳርሒታት እናዕጠቑ ቀጻሊ ገንዘባዊ ሓገዝ እናመወሉ ዝፈጥርዎ ዘለዉ ናይ ወታሃደራዊ ምሕዝነት ምትፍናንን ስግኣትን ካብ ምፍጣር ዝሓለፈ ክሳብ ኣብ ጎኒ ሓደ ካብቶም ኣብ ግርጭት ዝርከቡ መንግስታት /ኣካላት/ ብምስላፍ ካብ ኩሉ-መዳዊ ደገፍ ምግባር ክሳብ ተግባራዊ ተሳትፎ ዝበጽሕ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ብምህላዎም'ውን እዩ፡፡

ዓለማዊ ሕግን ውሳነታትን ብምግሃስ ናይ ሓይሊ ስነ-ሞጎት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ሃገራትን ህዝብታትን ልዑላውነቶም ብምግሃስ ክፍጸም ዝጸንሐን ገና ዘቕጽል ዘሎን ኣሉታዊ ኩነታት ብከፊል ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ይኩሬንን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ፡ ዝተፈላለዩ መንግስታት ኣብ ጎኒ ዝዛመድዎም ተገራጨውቲ መንግስታት ጠጠው ብምባል ዝረአ ዘሎ ተርእዮ፡ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፍሊስጤምን፡ የመንን ዮርዳኖስን ከምኡ'ውን ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ጉዳይ ሃገር ሊብያ ሓያላት መንግስታት ዝፈጸምዎ ናይ ሓይሊ ስነ-ሞጎታዊ ስጉምቲ ኣብተን ሃገራት ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ሰብኣዊ ህልቂትን ቁጠባዊ ዕንወትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ኣብ ህልውና፡ ድሕነትን ቀጻልነትን ህዝቢ ፍልስጥኤም ካብ መረበቱ ጠቕሊሉ ክባረር ንምግባሩ ዝካየድ ዘሎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘይፍትሓዊ ውጥን ናይ ገበን ገበን ተግባር እዩ ክፍጸም ዝረአ ዘሎ፡፡

እዚ ኣሉታውን መዕነውን ተግባራት እዚ ድማ፡ ነቲ ቅድም ክብል ብሕቡራት መንግስታት ታሪኻዊ ግርጭት ናይ ህዝቢ እስራኤልን ፍሊስጤምን መፍትሒ ክረክብ ክካኣል ህልውና ናይ ክልተ ሃገራት ብምእማን ዝወሰኖ ውሰነ ውዱቕ ብምግባር፡ ዝውሰድ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ስጉምቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ክሳብ ክንደይ ይጠሓስን ይፈርስን ስነ-ሞጎት ሓይሊ ድማ ይነግስ ምህላዉን መረጋገጺ ረቛሒ እዩ፡፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ሃገራትን ህዝብታትን ልዑላውነትና ተደፊሩን ተጋሂሱን ብምባል ናይ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ድጋፍ ንምርካብ ኣብ ዝጠርዕሉን ዝሓትሉን ግዜ፡ ሰብ ልዑል ሓይልን ጠቕምን ዝኾኑ ሓይልታት፡ ኣብ ቤት-ምኽሪ ጸጥታ ብዘለዎም ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ዘይፍትሓዊ መሰል ተጠቒሞም፡ ናይ ምግታእን ምዕጻውን ተራ ስለ ዝጻወቱ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ከይሰርሕን ልዕልነቱ ከየረጋግጽን ብኣንጻሩ ናይ ሓይሊ ስነ-ሞጎት ክዓቢ ዝገብር ዕንቅፋት ዝፈጥር ዘሎ ኣሉታዊ ተርእዮ እዩ፡፡

እዚ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እዚ ድማ ብዝተፈላለየ መልክዓት እዩ ዝካየድ፡ ማለት ብስም «ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ሃገራት እዩ» ብዝብል ምስምስን ካልእን ብኣጀንዳ ከይተሓዝ ብምግባር፡ ብኣጀንዳ ተታሒዙ ተዘሪብሉ ውሳነ ከይረክብ ድምጺ ብድምጺ ብምስዓርን እዩ፡፡ በቲ ካልእ መዳይ፡ እዚ ናይ ሓያላት መንግስታት ልዑል ጠቕምን ሓያልነትካ ናይ

ምርግጋጽን ምዕቃብን ድሌት'ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለማትን ከባቢታትን መምስ መሓዝቶምን መጣቕምቶምን ንዝኾኑ ሓልታት ናይ ኣጽዋርን ካልእ ቀረባትን እናተገብረ ዓቢ ወታሃደራዊ ምድላዋት ብቀጻሊ ዝካየድ ዘሎ ብምዃኑ ካብ ሕድሕድ ምትፍናን ሓሊፉ ክሳብ «ንፈታተን» ናብ ዝብል መንፈስ ይዓቢ ብምህላዉ ዓለማዊ ልዕልና ሕጊ መመሊሱ ክገሃስን ክዳኸምን፡ ስነ-ሞጎት ሓይሊ ምጥቃም ክዓብን ዝዕድም ኩነታት ህልውን ቀጻልን ብምዃኑ ዓለምና ብሓፈሻ ናብ ርግኣትን ምትእምማን ዘይብሉ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ተምርሕ ምህላዋ ብቀሊሉ ምርዳእ ዝካኣል እዩ፡፡

ነዚ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ እናጠሓስካ ናይ ሓይሊ ስነ-ሞጎት ምጥቃም ከም ብሕታዊ መማረጺ ብምውሳድ ምስራሕ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምና ዝርከቡ ከም መ/ህግደፍ ዝኣመሰሉ ጽጋዕተኛታት መንግስታት ስሕበት ናይዚ ተርእዮ'ዚ ስለ ዝኾኑ፡ እስትራተጂካዊ ኣቀማጣ ቀይሕ ባሕርናን ምቹኣት ወደባትናን ኣብዚ ግዜ እዚ ሓያላትን ተናሓናሕትን መንግስታትን መሻርኽቶምን ወታሃደራውን ጸጥታውን ትካላቶም ንምድኳን ምስ ጽጋዕተኛን ተለኣኣኽን መ/ህግደፍ ኣብ ምውጋይ ይርከቡ ኣለዉ፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ድማ ከም ኣመሉ ባሕርናን ወደባትናን ብምክራይ፡ ህዝብታትናን ሃገርናን ናብ ዋጋ-ዕዳጋ ብምስጣሕ ዓሰብትን ተኻረይትን መንግስታት እናቀያየረ ክጥቀም ሃተምተም ኣብ ምባል ይርከብ ኣሎ፡፡

እዚ ልሙድን ኣዕናውን ንጥፈታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ'ዚ ድማ ናይ ሓያላትን ተሃላለኽትን መንግስታት ስሕበትን መሳርሕን ብምዃን፡ ንህዝብታትናን ሃገርናን ናብ ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ኩነታትን ጸገማትን ክሳጥሑ ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ህልውነኦም ናብ ዝፈታተን ኩነታት ከሳጥሖም ከም ዝኽእል ብጋንኡ ምልክታቱ ዝቀላቐል ዘሎ እዩ፡፡ ነዚ ዓለማዊ ባህርን ምጽልላውን ዘለዎ ግዳማዊ ተወሳኺ ኣሉታዊ ተጽዕኖ'ዚ ምምካትን ምፍሻልን እንኽእል ድማ፡ ነዚ ናይ ኩሉ መዳያዊ ጭቆና፡ ምዝመዛን ስእነተ ሰላምን ልምዓትን ፍትሕን…ጠንቂ ዝኾነ ጽጋዕተኛ ስርዓት ህግደፍ፡ ሃገራዊ ዓቕምታትና ብምልፋን ህዝባዊ ቃልስና ኣጠናኺርና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ከነወግዶ ምስ እንበቅዕ ጥራሕ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን መ/ህግደፍ ከይተወገደ ዝኾነ ይኹን ካብ ግዳም ዝመጽእ ንኡላውነትናን ሓርነትናን ዝጻባእ ሓይሊ ምክልኻልን ምውጋድን ስለ ዘይካኣል፡፡

ስለዚ ሓፋሽ ህዝብታትናን ተቓወምቲ ሓይልታቱን ዘቤታዊ ጸላኢና /ህግደፍ/ ንምውጋድ ቀዳምነት ዝሃበ ውሁድ ቃልሲ ከነካይድ ግድን እዩ ዝኸውን፡፡ ብተወሳኺ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ግዳም መንግስታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጽልዋታቶም ንምሕዳርን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን..ረብሓታቶም ንምርግጋጽን ክብሉ ዘካዳይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት፡ ክፈጥሮ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋን ተጽዕኖታትን ናብ ልዕሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናብ ካለኦት ጎረባብትና ሃገራትን ህዝብታትን'ውን ከስዕቦ ዝኽእል ኩሉ መዳያዊ ተጽዕኖ ቀሊል ስለ ዘይኮነ፡ ብልክዕ ተረዲእና ኣብ ከባቢና ክፍጠሩ ዝኽእሉ ተጽዕኖታት ከም ህዝብን ሃገርን ዝጸልወና ስለ ዝኾነ ናይ ከባቢና ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምርግጋጽ ከም ህዝብን ሃገርን ብዘለና ዓቕሚ ናይ ቃልሲ ተራና ክንጻወት'ውን እዩ ዝህልወና፡፡

ኣብዚ ምስ ልዕልነት ዓለማዊ ሕግን ስነ-ሞጎት ሓይሊ ምዝውታርን፡ ኣዛሚድካ ክረአ ዝኽእል ነጥቢ እንተሃለወ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት መሬትናን ባሕርናን ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉዳይ እዩ፡፡ንሱ ካኣ «130 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ሒዝና ናይ ግድን'ዩ ባሕርን ወደብን ከድልየና» ካብ ዝብል ሓሳብን ድሌትን ብምብጋስ፡ ገለ ግዜ ብሰላምን ብምሽምጋልን፡ ገለ ግዜ ድማ ብሕግን ሕጋዊ ኣገባብን እናገለጸ ካብ ልዑላዊ መሬትና ባሕርናን ወደብናን ብምውናን ክጥቀምን ኣባል ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሕብረተ-ሰብ ክኸውን ከም ዝደሊ ብወግዒ ክገልጾ ዝስማዕ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡፡ እዚ ናይ መ/ኢትዮጵያ ሓሳብን ድሌትን'ዚ ዘይቅኑዕን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ፡፡ ምኽንያቱ ህዝብታት ኤርትራ ባህርያውን ሕጋውን ልዑላውነቶም ከቢድ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ከፊሎም ብሕግን ብድምጽን ዘረጋገጽዎን ብሕብረተ-ሰብ ዓለም ተቐባልነት ዝረኸበ ሕጋዊ ልኡላውነቶም ስለ ዝኾነ፡፡

ብምዃኑ ድማ መ/ኢትዮጵያ ብሕግን ሕጋዊ ኣገባብን ጥራሕ እዩ ከሓትት ዝግባእ፡ ካብዚ ወጻኢ ብሓይልን ዓመጽን ግዝኣትን ልዑላውነትን ኤርትራ ክሕዝን ክጥቀምን እንተመሪጹ ግን፡ ኲናት ሂወት ናይ ሰብ ዝበልዕን ዘሰንክልን፡ ኩሉ-መዳያዊ ሃብቲ ዘህልኽን ዘዕኑን ስለዝኾነ ዝምረጽን ዝድገፍን ኣይኮነን፡፡ ስለዚ መ/ኢትዮጵያ ሕውነት፡ ሰናይ ዝምድና ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ዝጠናኸረሉ፡ ተኣማሚኖምን ተደጋጊፎምን ሓቢሮም ዝነብርሉን ሓቢሮም ዝለምዕሉን ኩነታት ክፍጠር ክኣምንን ንምዕዋቱ ክጽዕርን'ዩ ዝግበኦ፡፡

ኣብ መደምደምታ፡ ዓለማዊ ልዕልና ሕጊ እናተጋህሰን እናተዳኸመን፡ ብኣንጻሩ ስነ-ሞጎት ሓይሊ እናነገሰ ይኽይድ ብምህላዉ፡ ሕብረተ-ሰብ ዓለምና ናብ ህልቂትን ውድቀትን መሊኡ ከይሳጣሕ፡ ዓለማዊ ልዕልና ሕጊ ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ካብ ጥሕሰትን ብርሰትን ክድሕንን፡ ክንግልገለሉን፡ ናይ ስነ-ሞጎት ሓይሊ ምዝውታር ከይዓዝዝን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ከቢድ ኣድልዎን በደላትን ከይነግስ ንምግባርን፡ ነዚ ዓለም ለኻዊ ብደሆ ኮይኑ ዘሎ ኣሰካፊ ተርእዮ'ዚ ንምቕያር፡ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምንን ዝጥቀምን ኩሉ ክቃለሰሉን ከድሕኖን ዝግባእ ሓባራዊ ዕማም'ዩ ንብል፡፡

13/03/2025