እዚ ኣርእስቲ ከም ዘለዎ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ዘቤታዊ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝዘርገሖ መግለጺ ዝተወስደ’ዩ። እዚ መግለጺ ብዙሕ ነገራት ዝተናኸፈ፣ ብፕሮፖጋንዳዊ ደሮና ተቐቢሩ ዝጸንሐ ሓቅታት ዝቐልዐ፣ ኣብዘይምልከተና ኲናት ስለምንታይ ኣቲና ንዝበሉ፡ ንዘርኢ ምጽናት ፋሽሽታዊ ተግባር ብወግዒ ዝኾነኑ ኤርትራውያን ቅኑዓት ምንባሮም ዘረጋገጸ፤ መንግስትና ኣይ ወረረ፡ ኣይዘመተ፡ ኣይቀተለ፡ ንሕና ምስ ሰራዊትና ምስ መንግስትና ንዝብሉ ዝነበሩ፡ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ኣእምሮኦም ዝተሰልቡ፡ ርእሶም ዝረስዑን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ዝኸሓነ ጽልኢ ዘሕደሩን ወገናት፡ ሓሲኹም ብዘስምዕ ዕርቃኖም ዘውጸአ፤ ብተመሳሳሊ ብወገን ኢትዮጵያ፡ መጀመርታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣይኣተወን፡ ካልእ ግዜ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ነብሱ ንምክልኻል’ዩ ኣትዩ፡ …ወዘተ ብዝብል ክንዛሕ ንዝጸንሐ ሕድሕዱ ዝጋጮ መልእኽቲ ዝኸሸሐ ብምዃኑ ትኹረት ዘድልዮ’ዩ።

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ዘቤታዊ ጸላኢ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል፡- ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጉምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ሕጂ’ዩ” ኣብ ትሕዝቲ ዝብል ኣርእስቲ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ስለ ዘላ፡ ካብ’ዚ ተግባር’ዚ ክትግታእ ኣለዋ ክብል ብሰኑይ 24 ለካቲት 2025 ብኤክስ ኣብ ኣልጀዚራ ንዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ብሰሉስ 25 ለካቲት 2025 “ ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ” ክብል ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ እቲ ደረቐኛ ክሲ ድሌት ኲናት ኢትዮጵያ ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ’ዩ ኢሉ። ቀጺሉ፡- ኤርትራ ብዕድመ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ዝኣተወት፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍትን ጀነራላትን ኢትዮጵያ ንተሳትፎን ተግባርን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ብወግዒ መጒሶምን ንኢዶምን’ዮም ክብል ብዘይ ዝኾነ ሕፍረት ገሊጹ ኣሎ።

ብባህልና ዕድመ ንኣወንታዊ ጉዳይ’ዩ ዘመልክት። ብተግባር’ውን ንኸምኡ ኢና ንጥቀመሉ። ከም ሰብ፡ ናብ ንግደት ትዕደም፡ ንጸበል ትዕደም፡ ንመርዓ ትዕደም፡ ዓርኪ መዓዛ ኮይንካ ንምዝንጋዕ ትዕደም፡ ንጓይላን ሳዕስዒትን ትዕደም፡ ሓደ ክልተ ሰባት ንዘይኽእልዎ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ኣብ ዝጠልብ ከም ዓጺድ፣ መኼዳ፣ ምኽዳን (ምህዳም) ገዛ፣ …ወዘተ ስራሓት ትዕደም ትዕድም ኢኻ። እዚ ኩሉ ንጽቡቕ’ዩ። መግለጺ ምድግጋፍን ሰናይ ተግባርን’ዩ። ኣብ’ዚ ዓዳሚ ኮነ ተዓዳሚ ኩሎም ሕጉሳት’ዮም። ናብ መጻኢ ወለዶ ፍቕርን ባህሊ ምትሕግጋዝን’ምበር፡ ብሕግን ብታሪኽን ዘሕትት ናይ ገንዘብ፡ ጥሪት፡ ደም፡ ህይወት ገበናዊ ዕዳ ኣየሰጋግርን። ብውልቀ ሰብን እኩባት ሰባትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ማሕበራት፣ ሃይማኖታዊ ትካላት፣ፖለቲካዊ ውድባት፣ መንግስታትን’ውን ንባህላዊ፡ ቁጠባዊ ድዩ ካልእ ተመክሮ ንምልውዋጥ ይተዓዳደሙ’ዮም።

ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕድመን፡ ተቐባሊ ዕድመ ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ ተግባርን ግን ፍሉይን ዘይንቡርን’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ባህሪያዊ ሓደጋ ስለ ዝገጠሞ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ኣይሓተተን። ሃገራዊ በዓል ስለ ዝነበሮ ናይ ክብሪ ጋሻይ ኢኻ ኢሉ ክዕድም ኣይተሰምዐን። ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ ንባህሊ ህዝብታት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክዳን ለቢሱ፡ ሕሩድን መስተን ሒዙ፡ ብዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ስነ-ጥበበኛታት ተዓጂቡ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ናብ ሰላማዊ ዳሳት ኢትዮጵያ ክኣቱ ኣይተራእየን። እቲ ዕድመ ንደማዊ ኲናት፡ ተዓዳሚ ሒዝዎ ዝኸደ ከኣ ግበር ዝተባህሎ ዝገብር ስማዊ ሰራዊትን ኣጽዋራት ኲናትን’ዩ።

ኢትዮጵያ ልኡላዊት ሃገር’ያ። ኤርትራ’ውን ከምኡ ልኡላውነቱ ዘየውሓሰ ህዝቢ ዝነብረላ ልኡላዊት ሃገር’ያ። ንሃገረ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት፡ ንኢትዮጵያ ብዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ተዓዲሙ ዶብ ሰጊሩ ኣብ መሬት ትግራይ ኣትዩ። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጃምላዊ ህልቂት፡ ብውልቀን ብጉጅለን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ። ንብረትን ጥሪት ዘሚቱ። ናይቲ ህዝቢ መግለጺ መንነቱ ዝኾኑ ክቡራት ሓድግታት ኣቃጺሉ፡ ኣብሪሱ። ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ንምርኻስ ኩሉ ዝከኣሎ ገይሩ። ነዚ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ተቓዊመሞ፡፡ ብስም ህዝብን ሃገርን ዝፍጸም ዘሎ ግን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከት፡ ብሕግን ብታሪኽን ዘሕትት ፋሽሽታዊ ገበናዊ ተግባር’ዩ ክብሉ ዓገብ ኢሎም። ኮኒኖም። ብናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ዝሰኸሩ፡ ሰብኣዊ ሕልና ዝረሓቖም ጨካናት ዝዕንድርሉ መድረኽ ስለ ዝነበረ ግን እቲ ተቓውሞ ከም’ቲ ዝድለ ኣየድመዐን። ኣብ ሓው ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ኩሉ-ሸነኻዊ ጨፍጫፍ ተፈጺሙ።

እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ሓንሳብ ህወሓት ተወንጫፊ ስለዝደርበየልና፡ ጸኒሑ ልኡላዊ መሬትና ንምውሓስ ክንብል ዝኣተናዮ ኲናት’ዩ። “ኣመሪካ ትመክር፡ ወያኔ ትፍክር፡ ንሕና ንድክር ንስዕር” ብዝብል ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ንኽብረት ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራን ክብል ተገዲዱ ከም ዝኣተወ ይገልጽ ነይሩ። በዚ ባዶ ናይ ጽልእን ዕንወትን ፕሮፖጋንዳ ሚዛን ሓቂ ኣዛቢዑ። ንውሑዳት ዘይኮኑ በሃማት ኣደናጊሩ። ኣብ ድሕነት ህይወት ሰባት ዘይኮነ፡ ኣብ መሬታዊ ልኡላውነት ከም ዝግደሱ ዝመጻደቑ፡ ገለ ናይ ቀለም ምሁራት ኢና በሃልቲ፡ ከምኡ’ውን እንታይ ኣፍሪና ኣድሚዕና ኢሎም ገዛእ ርእሶም ዘይግምግሙ፡ ብዕድመ ግድምና ገድሊ መን ከማና ዝብሉ፡ ብውልቀን ውድባትን ዝግለጹ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ብወግዒ ደገፍ ረኺቡ። ስለምንታይ ኣብዘይምልከተና ኲናት ንኣቱ? እዚ ኲናት’ዚ ኲናትና ኣይኮነን። ፍትሒ ይስዕር። ውጹዕ ይስዕር። ህዝቢ ትግራይ ይስዕር ኢሎም ንዝተቓወሙ ፍትሓውያን ደሞክራስያውያን ኤርትራውያን ብሃገራዊ ክድዓት ከጸልም፣ ሓድነት ህዝቢታት ኤርትራ ክብትን፣ ንልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ዕንደራ ከካይድ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን “ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ” ከም ዝበሃል፡ ናብ ኲናት ትግራይ ዝኣተወሉ ምኽንያት ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ባዕሉ ነቲ ሓቂ ኣንቲጉዎ። ናብ ኲናት ትግራይ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዓዲመ ኣትየ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ብዝፈጸሞ ተግባር፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተናኢደ፡ ተመጒሰ፡ ተመስጊነ ክብል ደርጒሕዎ። መበገሲ ናይ’ቲ ኢድ ምትእትታው ንሱን ከምኡን ‘ምበር፡ ልኡላውነት ኤርትራ ንምልኻል ከም ዘይነበረ ንጹር’ዩ ነይሩ። ሕጂ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ የቃልዕ ኣለኹ ክብል ድዩ ወይስ ደም ንጹሃት ሰርኒቕዎ ብወግዒ ብልሳኑ ተዓዲመ’የ ኣትየ ምባሉ ናይ ፖለቲካ በሃማት ደው ኢሎም ክሓስቡ፡ ካብ ዝሓለፈ ጌጋኦም ክመሃሩ ዝድርኽ ሓቂ ተነጊርዎም ኣሎ።

ናይ ልኡላዊት ሃገር መንግስቲ’ያ ዝብል ኣካል፡ ብናይ ካልእ ዕድመ፡ ኣብ ኲናት ጎሬቤት ኣትዩ ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘስደመመ፡ ንምግላጹ ዘሽግር ጃምላዊ ህዝባዊ ህልቂት፣ ዝምታ ጥሪትን ንብረትን፣ ምርኻስ ሰብኣዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ምፍጻሙ፡ ነዚ ድማ ብዓደምተይ ተመስጊነ ተመጒሰ ኢሉ ብወግዒ ብኹርዓት ምግላጹ ሓቀኛ መንነቱ ኣቃሊዑ። መንግስታዊ መዕቀኒ ዘይማልእ ጸረ ረብሓን ክብረትን ህዝብታት ኤርትራ ዝኾነ ብሳንቡእ ሓደ ሰብ ዘስተንፍስ ገበናዊ ጉጅለ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። በዳልን ጸላእን ህዝቢ ትግራይ ንሱ እዚ ገበናዊ ጉጅለ ከም ዝኾነ ባዕሉ ምምስካሩ ድማ፡ ንዝሞተ፡ ኣካሉ ዝጎደለ፡ ዝተፈናቐለ፡ ጥሪት ንብረቱ ንዝኣሰነ ህዝቢ ዘይድብስ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን መንደቕ ጽልኢ ክስረት ክስረሓሉን ንዝጸንሐን ዘሎን ብተዘዋዋሪ ዘምክን፡ ሚዛናዊ ርእይቶ ንዝውንኑ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ከኣ ክሳብ መወዳእታ ካብ ሚዛን ሓቅን ፍትሕን ከይወረዱ ቃልሶም ክቕጽሉ ዝደፍእ ዝሞለቐ ሓቂ ብምዃኑ፡ ኣብ ህዝቢ ክበጽሕን ብንቕሓት ክርደኦን ክስረሓሉ ይግባእ።

ካብ ክብሮም ከሰተ

ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

13 መጋቢት 2025