ሃገር ከደን ህዝባዊ ፖለቲካዊ ወጽዓ ኣጋጢሙና ኣሎ። ነዚ ብውሁድ ህዝባዊ ቃልሲ ክንገጥሞ ግዱዳት ኢና። ንዘቤታዊ ጸላኢ ብህዝባዊ ቃልሲ ንግጠሞ ክበሃል እንከሎ ግን፡ ፖለቲካዊ ትርጉሙ ብግቡእ ከነስተማቓሮ ኣለና። ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝበጽሐና ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ፋሽሽታዊ ተግባርን ዝምዕብል ዘሎ ለውጢ ዝደሊ ምረትን ብዓይኒ ህዝባውን ፍትሓውን ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ክንፍትሾ ክንግምግሞ ክንቃኒዮ ኣለናን ይግባእን። ወድዓውን ኣወንታውን ድሌትና ምስ ክውንነት ተናቢቡ ክኸይድ ኣለዎ። ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ዘይኮነ፡ ብፍልጠት፣ ብፖለቲካዊ ንቕሓት፣ ብስትራተጂን ስልትን ክግራሕን ክምራሕን ኣለዎ።

ገጢሙና ዘሎ ሃገር ከደን ህዝባዊ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዓፈና ብመርገም ወይ ብዕድል ሃንደበት ካብ ሰማይ ዝነጠበና ኣይኮነን። ከመይ መጺኡ ክንርዳእ ኣለና። ትማሊ ማለት ቅድሚ 1991 ኣብ ደምበ ፈታዊ ዝነበረ ናይ ሎሚ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ ናብ ከም’ዚ ማዕቢሉ? ብዓይኒ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ድሕሪት ተመሊስና፡ ፖለቲካዊ ውልደቱ፡ ባህሪኡን ዕቤቱን ከነጽንዕን ክንፈልጥን ኣለና።

ዝኾነ ውልቀ ሰብ ኮነ ፖለቲካዊ ጉጅለ ወይ ውድብ ንውሽጣዊ ባህሪኡን ካብ ማዕበያኡ ዘዋህለሎን ባህልን ከተግብር ናይ ግድን’ዩ። ብልሳኑ ወይ መልሓሱ ብዙሕን ክብል ክመጻደቕን ይኽእል’ዩ። ካብ መሰረታዊ መለለይ ባህሪኡን ባህሉን ወጻኢ ክኸውን ግን ከቶ ኣይክእልን። ስለዚ ከኣ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህርን ማዕበያን ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ከኣ እቲ ወሳኒ መሪሕነታዊ ኣካሉ ብግቡእ ፈሊጥካ ምኻድን ምቅላስን የድሊ።

ከም ልኡላውነቱ ዘረጋገጸ ጥሙር ህዝብን መሬታዊ ግዝኣታ ዘኽበረት ልኡላዊት ሃገርን ኮይና ከይንቅጽል ዝፈታተነና ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡ እንተዘይተጸኒዑን እንተዘይተገምጊሙን፣ ካብ ዕለታዊ ፋሽሽታዊ ተግባሩ ተበጊስካ፡ እዚ ከምዚ’ዩ፡ ፈታዊ’ዩ፡ ወይ ጸላኢ’ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ምብጻሕ ሚዛናዊ ኣይከውንን።

ካብ ውልደቱ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ ነዊሕ መስርሕ፡ ኣብ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡ ወድዓዊ ገምጋም ከይገበርካን ንጹር መርገጽ ከይሓዝካን ኣካል ኣምሳል ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’የ። ኣንጻር ውልቀ መላኺ’የ እንተበልካ ምሉእን ዝእመንን ኣይኮነን። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተባሂሉ ክጽዋዕ እንከሎ ህዝባዊ ኣረኣእያ ነይርዎ። ግሉጽነት ነይርዎ። ውሽጣዊ ሕድሕዳዊ ሓልዮትን ሓድነትን ነይርዎ። ስሙ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ምስ ቀየረ ግን ሓሚሙ። ዘይነበሮ ባህሪ ኣምጺኡ። ዓቢዱ። ጸረ-ህዝቢ ኮይኑ እናበልካ ኣብ መንጎ ምስኡ ዝነበረካ ሕሉፍ ተመክሮ ምዕቃብን ህላወን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ምርግጋጽን እናተማታእካ ምቅላስ፡ ውጽኢቱ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ዕኒይኒይ’ዩ። ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ንጉጅለ ህግደፍ ዘገልግል፡ ዕለተ ዓዋት ህዝባዊ ቃልሲ ድማ ዘናውሕ’ዩ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ክልተ ውድብ ኣይኮኑን። ካብ ውልደቱ ክሳብ ሎሚ ሓደ ውድብ፣ሓደ ባህሪ፣ ሓደ ኣሰራርሓ፣ ሓደ ኣመራርሓ ዝነበሮን ዘለዎን ዘይደሞክራስያዊ ቀንጻሊ ውድብ’ዩ። ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ፍልልይ ኣሎ እንተተባሂሉ፡ ቅድሚ 1991 ደሞክራስያዊ ባህርን ኣሰራርሓን ዘይብሉ ብግበር ኣይትግበር ዝሰርሕ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ውድብ ክንሱ፡ ኣብ እንግድዓ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ ተወጢሑ፡ ብዋጋ ክቡር መስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ይቃለስ ምንባሩ’ዩ። ድሕሪ 1991 ከኣ ጉልባቡ ቀሊዑ ካብ ደምበ ፈታዊ፡ ናብ ጸረ-ህዝቢ ዘቤታዊ መንግስታዊ ጉጅለ ዝተሰጋገረ ጸላኢ ምዃኑን’ዩ። ብኩለንተንኡ ኣንጻር ክብርን ህላወን ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ ድግዲጊት ተዓጢቑ ዝነጥፍ ዘሎ ደመኛ ጸላኢ ምዃኑ’ዩ። ስለዚ ስሙ ብናይ ቃላት ጸወታ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ምልዋጡ ላግጺ ‘ምበር ፍልልይ ኣይኮነን።

እዚ ትማሊ ዝነበሮ ህዝባውነት፣ ደሞክራስያውነት፣ ግሉጽነት፣ ሕጋዊ ኣሰራርሓን ተሓታትነትን፤ ህግደፍ ምስተባህለ ተቐየሩ ጸረ-ህዝቢ ኮይኑ ዝብል መጎተ ግጉይ ፖለቲካዊ ርድኢትን ሚዛንን ስለ ዝኾነ ክእረም ኣለዎ። ትማሊ ህዝባውነት እንተዝነብሮ ካብ ውድብ ናብ መንግስቲ ተሰጋጊሩ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን መትንታት ሃገር ተቖጻጺሩ፡ ገንዘባውን ነገራውን መሳለጥያታት ምስ ረኸበ ዝያዳ መማዕበሎ ‘ምበር ኣይምደምሰሶን። ትማሊ ህዝባዊ ኣረኣእያን ህዝባዊ ወገንነትን ስለ ዘይነበሮ ግን፡ ሎሚ’ውን የብሉን።

ቅድሚ 1991 ኣንጻር ቀዳማይን ግዳማውን መግዛእቲ ትኹረት ገይርካ ክትቃለስ ዘገድድ ኩነታት ስለ ዝነበረ፡ ጸረ-ደሞክራስያዊ ባህርን ኣሰራርሓን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካልኣዊ ቦታ ተዋሂብዎ፡ ፖለቲካዊ ነቐፌታዊ ደገፍ እናተገብረሉ’ዩ ዝኸይድ ነይሩ። እዚ ማለት ቅንዕናን ግሉጽነትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘረጋግጽ ዘይኮነስ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛን ናይ’ቲ ብኣንጻሩ ዝነበረ ፖለቲካዊ ውድባትን ህዝብን ዝምስክር’ዩ።

ግዳማዊ መግዛእቲ ብሓይልን ብሕግን ምስተወገደን ልኡላውነት ኤርትራ ክውን ምስ ኮነን እቲ ካልኣዊ ቦታ ሒዙ ክኸይድ ዝጸንሐ ዘይደሞክራስያዊ ባህርን ቀንጻሊ ተግባርን ውድብ ህግሓኤ፡ ብዘይ ዝኾነ ናይ ባህርን ሕጋዊ ደሞክራስያዊ ምትዕርራይን ከም ዝነበሮ’ዩ ቀጺሉ። ስለዚ ከኣ ስሙ ብዝደለዮ ይቐይር፡ ዝኾነ መመላኽዒ’ውን ክገብር ይፈትን ደመኛ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ካብ ምዃኑ ዘድሕኖ ነገር የለን። ደመኛ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ምስ ኮነ ከኣ ሽዑ ንሽዑ እቲ ካልኣዊ ቦታ ሒዙ ዝነበረ ፍልል (ግርጭት) ቀዳማይ ቦታ ክሕዝ ግድን ይኸውን። ብተግባር ኮይኑ ዘሎ ከኣ ንሱ’ዩ።

ስለዚ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ድሕሪት ናብ 70ታት 80ታት እናተመለስካ፡ ኣብ ሳሕል እንከሎ’ኮ ቅኑዕ’ዩ ነይሩ። ህዝባዊ’ዩ ነይሩ። ደሞክራስያዊ’ዩ ነይሩ። ሕድሕድ ሓልዮትን ግሉጽነትን ዝነበሮ ውድብ’ዩ ነይሩ እናበልካ ብዘይባህሪኡን ተግባሩን ጻድቕ ከተምስሎ ምፍታን ናይ ዘይበሰለ ፖለቲካን ዘይተቐየረ ባህርን ነጸብራቕ’ዩ። ኣብ መንጎ ምስ ህግ/ህግደፍ ምውጋንን ብኣንጻሩ ወገን ኣብዘሐን ውጹዓትን ኮይንካ ደው ምባልን ዝማታእ ልሙስ ፖለቲካ’ዩ ዘመልክት። ተማታኢ ኣካይዳ ከኣ ኣሉታዊ ‘ምበር ኣወንታዊ ተራ የብሉን። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ተማታኢ ፖለቲካዊ ኣካይዳ፡ ካብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ብንቕሓት ተሓጺቡ ከይተወገደ፡ ካብ’ዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሓደጋ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንድሕን ከጸግመና ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ።

ኣብ’ዚ ብንጹር ክፍለጥን ክተሓዝን ዘለዎ ጉዳይ ግን ኣሎ። ትማሊ ኣብ ዘይደሞክራስያዊ ውድብ ህግሓኤ ተሰሊፎም ብንጹህ ሕልና ንስለ ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ዕድመ ንእስነቶም ዘይብለዩ፣ ፍልጠቶም፣ ጉልበቶም፣ ገንዘቦም፣ ጥሪቶም፣ ደሞም፣ ኣካሎም፣ ክቡር ህይወቶም ወፍዮም ሃገራዊ ግቡኦም ዝገበሩ ዜጋታት፡ ክብሪ ክወሃቦም የብሉን ማለት ኣይኮነን። ብዘይ ዝኾነ ኢንታ ዝግበኦም ህዝባዊ ክብርን ሞሳን ክረኽቡ ኣለዎም። ኣወንታዊ ታሪኾም፡ ውዕሎኦም፡ ጀግንነቶም ብግቡእ ተሰኒዱ ክተሓዝ፡ መምሃርን መኾስኾስን ተካእቲ ወለዶታት ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ ናይ ምግባር ሓላፍነት ከኣ ናይ’ዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ’ዩ።

ግን ታሪኽ ብታሪኽነቱ ከም ዘለዎ ክቕመጥ ኣለዎ። ካብ ናይ ሎሚ ሕሰም ተበጊስካ ነቲ ትማሊ ዝተመዝገበ ዘነይት ሃገራዊ ሓርበኝነት ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታው፣ ክትብርዞ፣ ከተነኣእሶ ምፍታን ኣይቅኑዕን። ኣይቅኑዕን ጥራሕ ዘይኮነ ዝኸፍአ ክሕደት’ዩ። ካብ ቅኑዕ ሕልና ተበጊሶም ዋጋ ንዝኸፈሉ ዜጋታት ምኽሓድ፡ ኣበርክቶኦም ምምርሳሕ ህዝባዊ ታሪኽ ምምርሳሕ’ዩ። ብውጽኢቱ ከኣ ታሪኽ ኣልቦ ምዃን’ዩ። ባህልና “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ”ዩ ዝብል። እዚ ጽቡቕ ባህሊ ጽቡቕ ኣበሃህላ’ዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ኣካይዳና ናይ ትማሊ ረስዕ፡ ኣውዲቕካ ሕለፍ ክኸውን የብሉን። ሚዛናዊ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣወንታዊ ተግባር ብጸጋ ተቐቢልና ንዓቅቦ። ንተሓበነሉ ድማ። ንዝነበረ ዘይደሞክራስያዊ ባህርን ኣሰራርሓን ከኣ፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ክንኩንኖ ይግባእ። በቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ዝተመዝገበ ጀግንነት፡ ነቲ ዘይደሞክራስያዊ፡ በሓቲ፡ ቀንጻልን መላኽን ጉጅላዊ ኣሰራርሓ ከም ዘይነበረ ገይርና ከነቕርቦ ኣይንፈትን።

ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ፖለቲካዊ ውድብ፡ ህዝባዊ ባህሪ፡ ደሞክራስያዊ ማዕርነታዊ ሓድነት፡ ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ዘይብሉ እንተደኣ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ኣንጻር ዝወፈረሉ ዕላማ ምዃኑ፣ ብካልኣይ ኣብ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ኣብ ውሽጢ ውድቡ ድማ ብፍላይ ዘውርዶ ኩለ-መዳያዊ ዕንወት ኣብ ጸብጻብ ኣእቲኻ ምምዛንን ብኡ መጠን ምቃላሱን የድሊ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብዘይ ደሞክራስያዊ ቀንጻሊ ባህሪኡ ተበጊሱ፡ ኣብ ውሽጢ ውድቡ ኣብ’ቲ ወሳኒ ጃንዳዊ መሪሕነታዊ ኣካሉ ከይተረፈ ንዝለዓሉ ዝነበሩ፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ትሕዝቶ ዝነበሮም ኣረኣእያታት፡ “ሓሳብ ክትስዕር ኣካል ቀንጽል” ብዝብል ፈራሕ ጨካን ስጉምቲ፡ ክንደይ ተጋደልቲ ብወግዒ ረሽኑን ብጭውያ ኣጥፊኡን’ዩ። ኣብ ኣዝዮም ብዙሓት ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣ ኣብጺሑ’ዩ። ኣብ ዝተወደበን ዘይተወደብን ህዝቢ’ውን ብተመሳሳሊ። እዚ ከተሓሳስበና፡ ክቐንዝወና፡ ኣካል ኣምሳሉ እንተደኣ ነይርና ከኣ፡ ከሕፍረና ከጣዕሰናን ይግባእ። እዚ ከዳዕ ጉጅለ ሎሚ ዝርከበሉ ናይ ጥፍኣት ጥርዚ፡ ድሕሪ 1991 ዝተወልደ ባህርን ተግባርን ከም ዘይኮነ ተቐቢልና፡ ገዛእ ርእስና ካብ ትምክሕቲ፡ ጽበትን በለጽን ኣረኣእያ ሓራ ገይርና፡ ብመትከል፡ ብንቕሓት፡ ብህዝባዊ ወገንነትን ተሓታትነት ብዘለዎ ስጡም ውደባን ዓቕምና ኣላፊና ንጽገናዊ ለውጢ ዘይኮነ፡ ንመሰረታዊ ሃገር ከደን ለውጢ ክንቃለስ ኣለና። ብዘይ ጥርጥር ጉጅለ ህግደፍ ጸላኢ’ዩ። ንጸላኢኻ ኸኣ ብዝረኸብካዮ ትሃርሞ’ምበር በትሪ ኣይትመርጸሉን ኢኻ። ፍርቂ ነብሱ ክህረም፡ ፍርቂ ነብሱ ክድሕን ኣለዎ ኢልካ ምስኡ ኣይትደናገጽን። ንናይ ሎሚ ጸረ-ህዝቢ ተግባሩ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ምስ ዝነበሮ ሓርበኛዊ ኣበክቶ እናነጻጸርካ፡ ኣዋድቓ ኣድገ ፈረስ ገይርካ ከተድሕኖ ምሕላን ኣይቅኑዕን። ገበን ድማ’ዩ።

                                         ካብ ዛራ ማና

                                       28-04-2020