ህግደፍ ብንቕሓት፡ ብእምነት፡ ብምርጫ ዜጋታት ዘይኮነ፡ መብዛሕቲኡ ኣገዲዱ ብግፋ ብራዕዲ ብዝኣከቦ ሓይሊ ሰብ ዝሓበጠ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ’ዩ። እቶም ኣባላተይ ዝብሎም፡ ንሳቶም ድማ ውድብና መንግስትና ዝብልዎ መብዛሕቲኦም ምርጫ ኣልቦ ግዱዳት’ዮም። ንሱ ብሓቂ ኣባላተይ ዘብል፡ ንሳቶም ’ውን ውድብና መንግስትና ዘብል ናይ መትከል ናይ ፖለቲካዊ መስመር ዝምድና የብሎምን። ህግደፍ ብዘለዎ ዓመጻዊ ሓይሊ’ዩ ብመን ሓታቲ ኣለኒ ኣብ ክንዳኦም ዝዛረብ። ንሳቶም ፖለቲካዊ ነጻነት ዘይብሎም ዝሩዓት ክንሶም ፈሪሖም’ዮም መን ከማኻ ዝብልዎ። ቃል ኪዳኖም ኣብ እምነት ዘይኮነ ኣብ ሓይልን ፍርሕን ዝተመሰረተ’ዩ። ኣብ መንጎ መሪሕነታዊ ኣካልን መሰረታትን ዝነበረን ዘሎ ዝምድና፡ ግዜ ናይ ዝሰገሮ፡ ታሪኽ ናይ ዝኾነ ስርዓተ ጎይታን ጊላን ‘ዩ ዘዘኻኽር። ህግደፍ ካብ ፖለቲካዊ ውልደቱ ማለት ካብ ሰልፊ ነጻነት ጀሚሩ፡ ብባህሪኡ ኢ-ደሞክራስያዊ፡ ብተግባሩ ፋሽስታዊ’ዩ። ኢ-ደሞክራስያውን ፋሽስታውን ድቂ ሒዙ ዝተወልደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ድማ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ገዛእ ርእሱ ግጉይ ነብሰ ግምት ዘለዎ፡ ብመንፈሳውን ዓለማውን ሕጊ ዘይቅየድ፡ ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሉ፡ ጸረ-ሰብኣዊ ፍጡር ክኸውን ባህሪያዊ’ዩ። ታሪኽ፡ ባህርን ተግባርን ጉጅለ ህግደፍ ከምኡ’ዩ ዘርእየና። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ ስድራቤታዊ ወይ ሕብረተ-ሰባዊ ማዕበያ ዘይኮነ፡ ካብ ፖለቲካዊ ማዕበያኡ’ዩ ዝብገስ።

መራሕቲ ሰልፊ ነጻነት/ህግደፍ መብዛሕቲኦም ካልኣይ ደርጃ ክሳብ ድርኲዂት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑ፡ ምሁራት ኢና ኢሎም ገዛእ ርእሶም ብጌጋ ዘእመኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብመሃይምነት ዝንዕቁ ዘቆናጽቡ፡ ግን ከኣ ብትምህርቲ ዝወዳደር ሰብ ክጽንበሮም ዘይደልዩ “ ምሁር ተወላዋሊ’ዩ” በታኒ’ዩ፡ ንሰውራ ኤርትራ ዘድሊዮ፡ ፖለቲካዊ ራኢ ዘለዎ፣ ብዝተቐርጸ ስትራተጂን ስልትን ዝምራሕ ቀለም ጸገም ኣይኮነን። እቶ ኣብ ዝበልካዮ ስለምንታይ ከይበለ ዝቕበል፡ ኣብ ውግእ ኣትዩ ብትብዓት ዝረጋረግ ጨጓር ዳንጋ ( ዘይተማህረ ሓረስታይ)’ዩ። ውድብና ናይ ተግባር’ዩ። ናይ ዘረባ ኣይኮነን። መሪሕነትና ፍጹማዊ’ዩ። ኣይጋገን። መሰረታት ማለት ተዋጋኢ ሰራዊትን ሓፋሽ ውድባትን ብቐጢን ደሞክራስያዊ ጥርናፊ ነግ ፈረግ ከይበለ ካብ መሪሕነት ዝወረደሉ መምርሒ ፈጻሚ’ዩ። ህዝቢ ኣምር ፖለቲካ ስለ ዘይብሉ ብበትሪ ‘ምበር ብሓሳብ ክረዳዳእ ኣይክእልን ዝብል ደፋር ግን ከኣ ፖለቲካዊ ሚዛኑ ዝወረደ ኣረኣእያ ዝነበሮን ዘለዎን ጉጅለ’ዩ።

ናይ ሎሚ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ መሰረቱ ሰልፊ ነጻነት’ዩ። ካብ ሰልፊ ነጻነት ክሳብ ህግደፍ ከኣ፡ ከም’ዚ እንተንገብር ወይ እንተዝኸውን ወይ’ውን ተጋጊኻ ኣለኻሞ ተኣረም ክብሎ ዘይደፍር፡ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ዘይጥምቶ ሓደ ከም ፈጣሪ ዘምልኾ ጎይታ ኣለዎ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ። ብሓጺሩ መሪሕነት ህግደፍ ብመንጽር መሰልን ረብሓን ህዝቢ ንነብሱ ገባሪ ሓዳጊ ጎይታ፡ ብትሕቲኡ ዘለዎ ዜጋታት ከኣ ከም ተዛረብቲ ኣቕሓ ዝቆጽር፡ ብኣጉል ትምክሕታዊ ኣረኣእያ ዝዓወረ ብሓደ ናይ ፖለቲካ ደንቆሮ ዝምራሕ፡ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሉ ጻህያይ ሕብረተ-ሰብ’ዩ።

ህግደፍ ኢ-ደሞክራስያዊ ባህሪኡን ፋሽሽታዊ ባትሩን ካብ ማይ ቤቱ’ዩ ዝጅመር። ካብ ሰልፊ ነጻነት ክሳብ ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ኣካይዳና ኣይግድን ካብ ህዝቢ ንንጸል ኣለና፡ ካብ መስመር ንወጽእ ኣለና ዝብል ርእይቶ ዘማዕበሉ ተጋደልትን ሓፋሽ ውድባትን ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ግዳይ ፈራሕ ጨካን በትሩ’ዮም ኮይኖም። ኣብ’ቲ ሓለዋ ሰውራ ዝተሰምየ፡ ብተግባር ንሓለዋ ስልጣን ንጉስ ባርነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘገልግል ዝነበረ፡ ሕጂ ስሙ ናብ ሃገራዊ ድሕነት ቀይሩ ዝቕጽል ዘሎ ምድራዊ ሲኦል ልቢ ኢሉ ንዝግምግም ሰብ፡ ጸረ-ህዝብነቱ ጥራሕ ዘይኮነ ኢ-ሰብኣውነት ኮለል ኢሉ’ዩ ዝረአ። እቲ መሪሕነታዊ ኣካል ዝምከሓሉ ቀለማዊ ትምህርትን ግድምና ገድልን ብግልጺ ንህዝቢ ዝንዕቕ’ዩ። “ገባር ደንባር” ኢሉ’ዩ ዝገልጾ። እዚ መግለጺ ድሑርን ድኻን ትምክሕታዊ ፖለቲካዊ ተረድኦኡ’ዩ።

ከም ዝፍለጥ ህግሓኤ/ህግደፍ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ተሓኤ ዝኸፈቶ ኣዕናዊ ደማዊ ኲናት ሕድሕድን ዝሓሰቦ ሰሊጥዎ ሜዳ ኤርትራ ምቁጽጻሩን ንህዝቢ ብንቕሓት ብእምነት ኣይኮነን ኣብ ጎኑ ዘሰልፎ ነይሩ። ብሃንደበት ብሓይሊ ብረት ኣገዲዱ ብግፋ’ዩ ዘዕጥቆ ነይሩ። ነቲ በዓል ቤትን ጾር ሰውራ ዝተሰከመን ህዝቢ ከየማኽርካ፡ ደቁ ገፊፍካ ናብ ውግእ ምእታው ብዝኾነ መዕቀኒ ቅቡል ኣይኮነን። ፍትሓዊ’ውን ኣይኮነን። እዚ ካብ ውልደቱ ኣብ ህዝቢ ካብ ዝነበሮን ዛጊት’ውን ዘለዎን ሕሉፍ ንዕቀት መግለጺ’ዩ። መሰል ናይ’ቶም ገፊፉ ዝወስዶም ዝነበረ ዜጋታት፣ ደቆም ብሓይሊ ዝተወስድዎም ወለዲ፡ መን ይለኣኮም ይናብዮም፣ ስድራ ቤታት ከይጸንታ ኣብ ግምት ዘእቱ ሓላፍነታዊ ኣጠማምታ ኣይነበሮን። ሕጂ’ውን የብሉን። ብሰንኩ ገለ ስድራ ቤታት ተበታቲነን ገለ ኸኣ ወላድ መኻን ክይነን ጸኒተን’የን። እዚ ካብ ድሕነት ህይወት ሰብ ወይ ህዝቢ ተንታናዊ መግለጺ ዘይብሉ ድሕነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ ዝብል ግልቡጥ ስነ-መጎት ዘቐድም ፖለቲካዊ ሃላልነት’ዩ።

ናይ ሃገር በዓል ቤት ህዝቢ’ዩ። ንሃገር ሃገር ዘጸወዓ ህዝቢ’ዩ። ምኽንያት ናይ’ቲ ቃልሲ ብቐንዱ ግኡዝ ነገር ንምኽባር ኣይኮነን። መሰል ሰባት ንምኽባርን ንምጥቃም’ዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ሃገር ማለት ህዝቢ’ዩ። ኤርትራውያን ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ክጋደሉ፡ ክቡር መስዋእቲ ክኸፍሉ እንከለው፡ ከም ሰባት፡ ህዝብታት ሰብኣዊ መሰልና ክኽበር’ዩ፣ ከም ዜጋታት ደሞክራስያዊ መሰልና ክሕሎ’ዩ፣ ወነንቲ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰልና ክንከውን ኢና፣ ብድሌት ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ዘይኮነ ብዘይኣድልዎ ብማዕረ ብህዝባዊ ቅዋም ክንመሓደር ኢና፣ ብቕኑዕ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ካብ ሕሱም ድኽነት ክንገላገል ኢና፣ ኣብ ሃገርና ማሕበራዊ ፍትሒ ክነገስ’ዩ ዝብል መሰረታዊ እምነት ስለ ዝነበሮም’ዩ። ድዳር

እዚ ቅኑዕ ርድኢት’ዩ። ይኹን ግን እዚ ቅኑዕ ርድኢት’ዚ ዝምራሓሉ ሕጊ ኣይነበረን። ተሓታትነት ኣይነበረን። ኣብ ምሉእ ምሕረት መሪሕነታዊ ጉጅለ ብሓፈሻ ሓደ ወሳኒ ባእታ ኸኣ ብፍላይ ዝወደቐዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ኤርትራ ዚጋ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕን ዘተን ተገፊፉ ኣብ ኲናት ክኣቱ ዝግበር ዝነበረን ዘሎን። ግዱድ ግፋ ራእይኻ፡ ድሌትካ፡ እምነትካ ተዐውተሉ ኣገባብ ኣይኮነን።

ግፋ ድሌት ናይ’ቲ ኣገዲዱ ዝገፍፍ ዘሎ ኣካል መፈጸሚ’ዩ። ንኣብነት ካብ’ቶም ተገፊፎም ኣብ ሓይልታት ዝውዝዑ ዝነበሩ ዜጋታት ንሓደ ቅርብ ኢልካ እንታይ’ዩ ዕላማኻ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራምካ፡ መጻኢ ራእይኻ ኢልካ ምስትሓቶ ዝበካ መልሲ፡ እንድዒ ተገፊፍና መጺእና፡ ኣብ ክስቶ ዝተባህለ ቦታ፡ ወዲ ክስቶ ዝበሃል ዓሊሙና። ናብ’ዚ ድማ ተወዚዐ፡ ብረት ዓጢቐ ውድብ ዝበለኒ ይፍጽም ኣለኹ ዝብል መልሲ’ዩ ዝበካ። ስለዚ መሪሕነት ህግሓኤ/ህግደፍ ቅድሚ 1991 ሓደ ተጋዳላይ ክውንኖ ዝግባእ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፣ ስትራተጂን ስልትን ንቕሓት ዘዕጥቕ ዘይኮነ ሃገር ሃገር ብምድግጋም፡ ዝነበረካ ኣጥፊኡ ዘደንቁር ኣስተምህሮ’ዩ ዝህብ ነይሩ። ህዝባዊ ክብርን ህዝባዊ ልኡላውነትን እንታይ ማለት’ዩ ዘይፈልጥ፡ ሓይሊ ሓሳብ ዘይብሉ ብካላሽን ጥራሕ ጸገሙ ክፈትሕ ዝተመልመለ ሓርበኛ ተዋጋኣይ ስነ-ኣእምሮ’ዩ ቀሪጹ። ናይ ሓሳብ ልዕልናን ኣማራጽን ዘይብሉ ስነ-መጎት ሓይሊ ድማ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ፡ ህዝባዊ ውድቀት’ዩ ዘስዕብ። ንመሰሉ ዘይጣበቕ ዝደንዘዘ ትውልዲ’ዩ ዘፍሪ። ኣተሃላልዋና ከም ህዝቢ እንታይ ይመስል ብልቦና ብሓላፍነት ብምግምጋም ንረኽቦ ሓቂ ንሱ’ዩ።

እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ምስ ህዝባዊ መሰልን ረብሓን ምትእስሳር ዘይብሉ፡ ከም ደመኛ ጸላኢ ንህዝቢ ኣብ ገዛኡን ዋኒኑ እንከሎ ኣኽቢብካ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ግፋ መቐጸልታ ‘ምበር መጀመርያ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ግፋ ዘካይደሉ ወቕቲ ንገዛእ ርእሱ ፍሉይ ዕላማ ዘለዎ’ዩ። መብዛሕቲኡ ኣብ ወርሒ ሰነን መስከረምን’ዩ ግፋ ዘካይድ። ወርሓት ሰነን መስከረምን ኣብ ኤርትራዊ ሓረስታይ ዘለወን ቦታ ድማ ኩልና ንርደኦ ይመስለኒ። ስለዚ ስለምንታይ ግፋ ኣብ ወርሒ ሰነን መስከረምን ብፍሉይ ክስቆረና፡ ኣዕሚቑና ክንግምግሞ ኣለናን ይግባእን። ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕረስ’ዩ ዝነባር። ምንጪ ሃገራዊ ቁጠባዊ እቶት ድማ ንሱ’ዩ።

እኽሊ ዝዝረኣሉ ማእከላይ ወቕቲ ወርሒ ሰነ’ዩ። ምስላ’ውን ኣለዎ። “ ወርሒ ሰነ ትኸል ንቐል’ዩ”። “ ሰነ ዝዘርአ ተተኽለ፡ ሰነ ዘይዘርኣ ተነቕለ” ዝብል። ኣብ ወርሒ ሰነ ምስ መሬት ዘይተራኸበ ሓረስታይ መስከረም ምህርቲ ክሓፍስ ኣይጽበን። ኣብ ሰነ ዝተኸለ ይትከል ዘይተኸለ ኸኣ ይንቀል ስለ ዝኾነ ከሎ ገና ምስ ስድራ ቤቱ ኣብ ድኽነት ይኣቱ ከም ዘሎ ተረዲኡ’ዩ ዝሻቐል። ስለዚ ወርሒ ሰነ መጻኢ ቀጻሊ ዓመት ሓረስታይ ኤርትራ ቁጠባዊ መሰረት ዘንጽፈላ ኣገዳሲት ወርሒ’ያ። ብካልእ ኣዘራርባ ወርሒ ሰነ ጉልበት ሰብ፣ ብዕራይ፡ ናውቲ ማሕረስ፣ ምሩጽ ዘርኢ፣ ፖለቲካዊ ርግኣት ዘድሊያ ወርሒ’ያ ወርሒ ሰነ። እሞ ቅድሚ’ዚ ጥረ ሓቂ’ዚ ዝስራዕ እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ዋኒን ስለ ዘሎ ደኣዩ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ዓመት መጽአ፡ ኤርትራዊ ዓያዪ ጉልበት ብግፋ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝጓርቶ ዘሎ? ሓደጋ ግዳማዊ ወራር ኣሎ ከይበሃል እቲ ዝገፍፍ ዘሎ ሓይሊ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ተጻብኦታት ነይሩ ግን ሰጊርናዮ ኢና። ሕጂ ብዓለም ደረጃ ኣብነታዊ ሰላም ዘለዋ ሃገር ኤርትራ’ያ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ክነፍሕ ኢና ንሰምዕ ዘለና። ኣብ’ዚ ወሳኒ ናይ ትኸል ንቐል   ወቕቲ ተጸቢኻ ግፋ ድኣ ዕላምኡ እንታይ ክኸውን ይክእል? እቲ ንነብሱ ከም መንግስቲ ዝፈልጥ ጉጅለ ሓረስታይ ግዜኡ ብግቡእ ክጥቀም፡ መሬት ሰኣን ሰብኣዊ ጉልበት ጾም ከይሓድር፡ ክኢላታት ኣዋፊሩ፡ ምሩጽ ዘርእን ጸረ-ባልዕን ኣቕሪቡ፡ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሃገር ክንዲ ዝፈቐዶ ትራክተራት ኣዳልዩ ከተባብዕ ነይሩዎ። እዚ ኩሉ ዋኒን ሓላፍነታዊ መንግስቲ በዂሩ ሓረስታይ ብዝዓቕሙ ተረጋጊኡ መሬቱ ኣለሳሊሱ ኣብ እዋኑ ከይዘርእ፡ ከይኹስኩስን ከይጻእን ምጽባእ ደኣ ካበይ’ዩ ዝብገስ? እንታይ’ዩ ስትራተጂኡ?

መስከረም ብተመሳሳሊ ጉጅለ ህግደፍ ብጻዕቂ ግፋ ዘካይዳላ ወርሒ’ያ። ወርሒ መስከረም ኤርትራዊ ሓረስታይ ዓመት ምሉእ ዝረሃጸሉ ውጽኢት ሕርሻ ዝእክበሉ፡ ፍረ-ጻምኡ ረኺቡ ኣይረኸበን፣ ቀለብ ዓመት ይኣኽሎ ኣይኣኽሎን፣ ከም መርዓን ካልእን ዝበሉ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓቱ ዘይተርፉ ማሕበራዊ ጉዳያት ንምግባር ዓቕሚ ኣለዎ የብሉን ዝግምግመላ፣ መደባት ዘውጸኣላ ወሳኒት ወርሒ ምዃና ይፍለጥ። ወርሒ መስከረም ኩሎም ዘራእቲ ፍረ ዝብሉ፡ ጸያቒቶ ዝናብ ከቢድ ሓደጋ ዘንጸላልወሉ፣ ብተነጻል ዘይኮነ ተኣኪብካ ብመልክዕ ወፈራ ትሰርሓላ ብዙሕ ሰብኣዊ ጉልበት ትሓትት ወርሒ’ያ። ስለምንታይ ደኣሞ ኣብ’ዚ ወቅቲ’ዚ መንግስታዊ ግፋ? ብፍላይ ከኣ ናይ ለብዘበን ዓለማዊ ተርእዮ ሕማም ኮሮና (ኮቢድ 19) ኣብ ቁጠባ ዓለም ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብ ዘሕደረሉ፡ ወራር ኣምበጣ በረኻ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ክሊማ ኣብ ዝተዛብዓሉ ኩሉ ሽነኻዊ ዘይቅስን ሻቕሎት ኣብ ዝነገሰሉ ኩነታት፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ እንታይ ዓይነት ህዝባውን ሃገራውን ዋኒን ስለዝተረኽበ’ዩ ዓያዩ ጉልበት ተገፊፉ ዝውሰድ ዘሎ? እንታይ ንምርካብ’ዩ ኣብ ዘየፍርየሉ ወተሃደራዊ መደበር ሳዋን ትርጉም ኣልቦ ናይ ቀንፈዘው ድፋዓትን ብጅሆ ክተሓዝ ዝተደልየ?

ቁጠባ ዓለም ኣንቆልቊሉ ሓላፍነት ዝስመዖም መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ካብ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ከመይ ንወጽእ? ብተናጽልን ምስ ህዝቦምን ምስ መሻርኽቶም ብሓባርን ብመልክዕ ኣኼባ፡ ጉባኤ፡ እንታይ ንግበር? ከመይ ንስገሮ ኣብ ዝዛተይሉ ዘለው ኣዝዩ ኣሰካፊ ወቕቲ፡ ኤርትራዊ ሓረስታይ ሰነ ከይዘርእ፡ መስከረም ከይዓጽድ ገፊፍካ ምውሳድ ፍጹም ሓላፍነት ዝጎደሎ ናይ በጋሚዶ ውሳኔ’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ንምጽናት ናይ ዝተታሕዘ ፋሽሽታዊ መደብ ኣማቲ’ዩ። ወዲ-ሰብ ብዘይ መግቢ ብህይወት ክነብር ኣይክእልን። ኣቐዲሙ’ውን ምስ ድኻሙ ዝመጣጠን ርብሑ ምህርቲ ዘይረክብ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝእቶቱ ምስኪን ድኻ ሓረስታይ ኤርትራ ብምግፋፍ ካብ ሕርሻዊ ማእቶት ክበኩር፡ ስለዚ ከኣ ዘራእቲ ንከንቱ ክጠፍእ ምፍራድ ህዝብን ሃገርን ንሞት ምፍራድ’ዩ። ካልእ ዕላማ የብሉን። ዓሳ ካብ ማይ እንተወጺኡ ሽዑ ንሽዑ’ዩ ዝመውት። ኣብ ወሳኒ ወርሓት ካብ ምንጪ ቁጠባዊ እቶቱ ዝኾነ ሕርሻ ብሓይሊ ክርሕቕ ዝተፈርደ ሓረስታይ ዘለዎ ዕድል ድማ ዘገምታዊ ሞት ምዃኑ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ስለዚ እቶም ካብ ህግደፍ ተስፋ ዘይቆረጽኩም ወገናት ነዚ ጉዳይ ኣስተማቕርዎ’ሞ ኣብ ልብኹም ተመሊስኩም ስለምንታይ በሉ? እቶም ኣብ ዙርያ ደምበ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክትዋስኡ ዝጸንሓኩምን ዘለኹምን ከኣ፡ ካብ ቀሚሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ናይ ጋም ማን ፖለቲካዊ ህይወት ወጺእኩም ህዝቢ ከይጸንት ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ዝኾነ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ሰሪዕኩም ብተግባር ተረባረቡ። ንረባረብ።

                                                                 ካብ ዛራ ማና

                                                                 10-10-2020