ኢሳያስ ብሕጋዊ ዓይኒ መራሒ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣይኮነን። ባህሪኡ’ውን ምስ ባህሪ ህዝቢ ኤርትራ ኣይቃዶን። ብፖለቲካዊ መዳይ ህዝባዊ ኣረኣእያ የብሉን። ከምኡ ምዃኑ ፋሽሽታዊ ተግባሩ ምስክር’ዩ። ንስሙ ናይ ነጻነትን ሓርነትን ተጋደላይ’ዩ። ናይ ነጻነትን ሓርነትን ተጋዳላይ ህዝቢ ከኽብር፡ ንስለ ህዝቢ ብዙሕ ውልቃዊ ባህግታቱ ብጸጋ ክኸፍል’ዩ ትጽቢት ዝግበር። ኢሳያስ ግን፡ ስለ ድሕነት፡ ክብረትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓስብ ኣእምሮ፡ ዝስከፍ ሞራል ኣይነበሮን። ሕጂ’ውን የብሉን። ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ግን ጎሮሮ ፖለቲካ ኤርትራ ዓትዒቱ፡ ምስትንፋስ ህዝቢ ዓጽዩ ዘጨንቕ ዘሎ ንሱ’ዩ። ጎሮሮ ፖለቲካ ሃገረ ኤርትራ ዓትዒቱ ብምሓዝ ክሻድን ዕድል ካብ ዝሃቦ ኣጋጣሚ ሓደ ድማ፡ ምስ ምውጋድ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ተፈጢሩ ዝነበረ ሕጋዊ ውሕስነት ዘይተገብረሉ ንጹህ ፖለቲካዊ እፎይታ ዝፈጥሮ ምዝንጋዕ’ዩ።

ዘቤታዊ ዋኒን ዘረስዕ ወግሐ ጸብሐ ንዝተሳዕረ መግዛእታዊ ስርዓትን ኣረሜናዊ ተግባሩን ዘኮማስዕ፡ ብኡ ድማ ዝዓግብ ራእይ ኣልቦ ሆይ ሆይታ ዓብሊሉ፡ ድሌቱ ክገብር ዘኽእሎ መሓውር ክሳብ ዝዝርግሕ ዕድል ስለ ዝረኸበ’ዩ። ፖለቲካ ኤርትራ ብኣጋ ካብ መጀመርያ 90ታት ብሓፈሻ፡ ድሕሪ ዕውት መስርሕ ረፈረንደም ከኣ ብፍላይ ክግራሕ ነይርዎ። ወሳንነትን ልኡላውነትን ህዝቢ ዝኽበረሉ ሕጋዊ ኣገባብ ክኽተል ክስራሕ ነይርዎ። ፖለቲካዊ ሆይ ሆይታ ንኹሉ ነገር ሸፊንዎ ስለ ዝነበረ ግን፡ ኢሳያስን ጉጅለኡን ስራሖም ክሰርሑ ዕድል ረኺቦም። ንሱ ሕልሙ ከተግብር ዘኽእሎ ኩሉ ምድላዋት ከጻፍፍ ሰፊሕ ግዜ ረኺቡ። ንኹሉ ነገር ብእምነትን የዋህነትን ዝተቐበለ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት እግሪ ምስተኸለ፡ ብሓሳብ ዘይኮነ ብተግባር ብበትሪ ምስተደሰቐ ካብ ፖለቲካዊ ድቃስ ክበራበር ጀሚሩ። ይኹን ግን ኣቐዲሙ ዝተኣታተወ ፖለቲካዊ ድንቁርናን ፖለቲካዊ ራዕድን ክሰብር ዘኽእሎ ምሉእ ንቕሓት ክውንን ብዘይምኽኣሉ፡ ንእንኮ ሰባዊ ስርዓት ዓገብ ክብል፡ ክገርሕ፡ ኣነ ንመሰለይ ኣለኹ ባዕለይ ዝብል ጸቕጢ ከሕድር ኣይከኣለን። ንመላኺ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዘየስግእ፡ እሾኽ የብሉ፡ ኣራዊት የብሉ ጥጡሕ መጻወቲ ሜዳ ተፈጢሩ።

ፍጮ ኢሳያስ ናይ ቀረባ ዋኒኑ ንህዝቢ ኤርትራ ብጸቢብ ሃገራዊ ስምዒት ኣስኪርካን ኣደናጊርካን ከይሰምር ፋፊልካ፣ እንጀራ ከይጸግብ ኣድኪኻ፣ ብናይ ቀደም ትብዓቱ ከይቅጽል ብፍጹም ኢ-ሰብኣዊ ጭካኔ ኣርዒድካ ምሉእ ንምሉእ ናብ ዘየስምዕ ዘይድምዕ፡ ኣብ ዝተዘርገ ሓሳብ እናቖዘመ ዝነብር ስዑር ህዝቢ ንምግባር’ዩ ክሰርሕ ጸኒሑ። ናይ ርሑቕ ሸቶኡ ድማ ዘይእውጅ ንጉሰ ነገስቲ ዘኤርትራ ኮይንካ ምንባር’ዩ። እዚ ናተይ ባዕላዊ ፖለቲካዊ ፈጠራዊ ክሲ ኣይኮነን። እዚ መሰረት ዘይብሉ ስነ-ሓሳባዊ ተንታን ኣይኮነን። ብተግባር ንብዙሓት ዜጋታት ካብ ዝጠሓልዎ ጸቢብ ሃገዊ ስምዒት ምውጻእ ክሳብ ዝስእኑ ከም ዝገበሮም ብዓይኒና ንሪኦ ኣለና። ህዝቢ ኣብ ሓባራዊ ጉዳዩ ከይሓብር፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡ ኣለልዩ ዓቕሚታቱ ኣላፊኑ ብሓደ ስልታዊ ኣንፈት ከይወፍር ሓሳቡ ዘሪጉ ኣይንቕድሚት ኣይንድሕሪት ከም ዝኸውን ገይርዎ ይርከብ። ሕድሕዱ ከይተኣማመን ክጠራጠር፡ ብድኽነት ብዛዕባ ዕለታዊ እንጀራ ጥራሕ ክሓሳብ፡ መሰለይ ከይብል ብራዕዲ ክጽመም፣ በበይኑ ዝቑዝም ብሓባር ዘይወፍር፡ እንተሰሊጥዎ ካብ ኤርትራ ርሒቑ ኣብ ስደት ተነጻጻር ሓርነት ዘስተማቕር ህዝቢ ክኸውን ዝከኣሎ ገይሩ። በዚ ጸረ-ህዝቢ ሜላን ፋሽሽታዊ ተግባን’ዚ ኣስታት 30 ዓመት መሪሑ ዘይኮነ ገዚኡ። ዛጊት’ውን መንበረ ስልጣኑ ኣጽኒዑ ይርከብ። ስለዚ ከኣ ህልሙ ኣዐዊቱ ኣሎ ማለት’ዩ።

ፍጮ ኢሳያስ ነዚ ኩሉ ዝገብር ዘሎ ሕሉፍ ህርፋን ስልጣንን ዝናን ስለ ዘለዎ’ዩ ኢልካ ምሕላፍ የዋህነት’ዩ። ኣብ ዓለምና ቅድሚ ኢሳያስ ብዙሓት መለኽትን ፋሽሽታውያንን መራሕቲ ተራእዮም’ዮም። ፖለቲካዊ ስልጣን ብሕጊ ድዩ ብሓይሊ ክምንዝዑ ንዝደልዩ ተነሓናሕቲ ፖለቲከኛታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሓይሊ ከይረኽቡ፣ ብምህዳን፡ ብምጽላም፡ ብምእሳር፡ ብምስቓይ፡ ብምቕታል፡ ቀልቢ ህዝቢ ንምስሓብ ባህሉ፣ ሃይማኖቱ፣ ማሕበራዊ ክብርታቱ ከይተዳፍኡ፡ ልኡላውነት ሃገር ብምኽባር ስልጣኖም ከጽንዑ ተዓዚብናን ንዕዘብ ኣለናን ኢና። ድሌት ኢሳያስ ግን ክኒዮ ሕሉፍ ድሌት ፖለቲካዊ ስልጣንን ዝናን ዝኸይድ’ዩ። ከምኡ ዝገብር እንታይ ዓይነት ክፉእ ሕማም’ዩ ናይ ስነ-ልቦና ምሁራትን ተመራመርትን ዝምልስዎ ኮይኑ፡ ንፖለቲካኛታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ምህዳን ምስቓይ ምቕታል ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ከም ጥሙር ልኡላዊ ህዝቢ፡ ሃገር ከም ልኡላዊት ሃገር ከይህልው’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ኣብ’ዚ ልዕሊ 50 ዓመት ዘቑጸረ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ታሪኹ፡ ኣብ እከለ ቦታ ምስ ህዝቢ እከለ ዓዲ ቀሪቡ፡ ኣብ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ማሕበራዊ ጉዳያት ደሞክራስያዊ መድረኽ ከፊቱ ዳር ንግንባር ተዛትዩ፡ ድሌትን ውሳኔን ህዝቢ ሰሚዑን ተግቢሩን ዝብል ጭቡጥ መረዳእታ የለን። ኣበይን ብኸመይ ዝበለ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከም ዝመጽአ ዘይፍለጥ ትእዛዝ ሂቡ፡ ሰባት ኣሲሩ፡ ቀቲሉ፡ ናይ ህዝቢ ጥሪት ክራሰያ ገይሩ፡ ኣባይቲ ኣፍሪሱ፡ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ህዝቢ ከዲቡ፡ ገፊፉ ...ወዘተ’ዩ ታሪኹ ዝነግረና። እቲ ኣብ ዘመነ ገድሊ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈቱ ኣብ ሳሕል ጌይሩ ዝመርሓሉ ዝነበረ መድረኽ ከይሓወስና፡ ብኢደ-ወነኑ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ካብ ዝኸውን ኣብ መጀመርያ 90ታት ኣብ ዓመት ሓደ መዓልቲ “ሕቶታት ህዝብን መልሲ ፕረሲደንትን” ተባሂሉ፡ ብዝተመርጹ ሕቶታትን ዝተመርጹ ሰባትን ኣቢሉ፡ ብመልክዕ ሕቶን መልስን ኦዲት ተገይሩ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝቃላሕ ዝነበረን ኢሳያስ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣይፈልጥን። ስለምንታይ? ጸገም ህዝቢ ጉዳዩ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ኩነታት ይነብር ኣሎ? ካብ መንግስቲ እንታይ ይጠልብ ኣሎ? ጸገሙ ብኸመይ ክፍታሓሉ ይደሊ? ከም ሰብ ኮነ ከም መራሒ ዋኒኑ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከይብተን፣ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ከይድፈር ዝብል ሓላፍነታዊ ኒሕ የብሉን።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ክልጡፍ ናይ ህይወት ኣድሕን ደገፍ ዘድልዮ ህዝቢ እንተሃልዩ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ከቢድ ናይ ምብትታን ሓደጋ ዘንጸላልዎ ዘሎ ህዝቢ እወ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ብተግባር ቀዳምነት ኣብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ መሬት ወሪዱ ብተግባር ክዋሳእ ዘለዎ ከኣ ኢሳያስን መጋበርያኡ ስማዊ ስርዓት ህግደፍን’ዩ። ኢሳያስ ጠንቂ ምብትታንን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ግን፡ ካብ ብህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብናይ ካልኦት ህዝብታትን ሃገራትን ድሕነት ከም ዝግደስ ከይተሰከፈ ባዕሉ ይነግረና ኣሎ። ብቃልን ብተግባርን እስከ ተምጽእዎ ክርኢ’የ ይብለና ኣሎ። ሎሚ ብሰሜን ኮነ ብደቡብ፡ ብምብራቕ ኮነ ብምዕራብ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና፡ ብፖለቲካዊ ጭቆና፣ ብቑጠባዊ ምዝመዛ፣ ብለበዳ ሕማም ኮሮና (ኮቢድ 19) ወራር ኣንበጣ በረኻ፣ ምዝባዕ ክሌማን ምዝባዕ ፖለቲካ ኢሳያስን ዝፈጠሮ ደርቅን ስእነት ዓያዩ ጉልበትን ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኩነታት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። መራሒ ሃገር’የ ዝብል ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ብሰብኣውነትን ብዜግነትን ዝግደስ ኤርትራውን ሞራላዊ ሕልናኦም ዘገድዶም ወጻእተኛታትን ኣመቱ ክገብርሉ ዝግባእ ወሳኔ ወቕቲ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኢሳያስ ግን መነባብሮ ህዝቢ ብኣካል ክዕዘብ ኢሉ ንሸነኽ ምብራቕ ኮነ ምዕራብ፡ ንሸነኽ ደቡብ ኮነ ሰሜን ኤርትራ ዑደት ክገብር ኣይተራእየን። ኤርትራውያን ብሰንኩ ካብ መረበቶም ወጺኦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ባሕሪ ብጃምላ ሃሊቖም፡ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክሓዝን ሰብኣውን ሞራላውን ተገዳስነቱ ብሓሳብን ብተግባርን እንከርኢ፡ ኢሳያስን መጋበርያኡ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍን ብኣንጻሩ እንቋዕ ኮኑ ክብሉ ኢና ሰሚዕና። ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ከቢድ ስኽፋታ ኣውዲቑ ዝርከብ ኮሮና (ኮቪድ 19) ኣመልኪቱ ዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብ መግለጺ ታሕጓሱ’ዩ ዝመስል። ህዝቢ ንምድካይ ንምብርካኽ፡ ካብን ናብን ተንቀሳቐሱ ድራር እለቱ ከይምእርር፡ ብኣካል ተራኺቡ ኣብ ዙርያ ጸገሙን ከመይነት ኣፈታትሓኡን ከይላዘብ፡ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ “ዕጽዋ” ክብል ኣብ ዝገለጾ ህዝቢ ካብ ሕማም ኮሮና ክሃድም ብጥሜት ክመውት ኣብ ገገዛኡ ክዝራዕ’ዩ ፈሪድዎ ዝርከብ። ብስመ ኮሮና ኣብ ሓደጋ ንዝወደቑ ዜጋታት ምሕጋዝ ብዝብል፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ብቐጥታ ትእዛዝን ምድንጋርን ዝተወፈየ ብሚሊዮናት ዝግመት ዶላር ኣበይ ከም ዝኣተወ ኣይፍለጥን።

ኢሳያስ ድሕሪ መፋርቕ ዓመተ 2018 ናብ ጎሬቤት ሃገረ ኢትዮጵያ ከም ግራት ገደና ዝኾልል ህርኩት ሓረስታይ ይመላለስ ኣሎ። ኣብ ዝገብሮ ምምልላስ ኣመት ናይ’ቶም ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታት ከርፋሕ ህይወት ዘሕልፉ ዘለው ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ክገብር ኣይተራእየን። ኣብ ኢትዮጵያ እናተመላለሰ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ስደተኛታት ዘይምዝራቡ ጸረ-ህዝብነቱ ጥራሕ ዘይኮነ መግለጺ ቅሉዕ ክድዓቱ’ዩ። ዘይምዝራቡ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ’ቲ ዘሕልፍዎ ዘለዎ መሪር ሕሰም ዝሓስም ህይወት ከጋጥሞም’ዩ ጸቕቲ ዝገብር ዘሎ።

ስለዚ ንኢሳያስ ካብ ኣውራጃታት ኤርትራ፡ ካብ ወረዳታት ኤርትራ፡ ካብ ዓድታት ኤርትራ፡ ጅማ ትቐርቦ። ካብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኢትዮጵያ ክርኢ ፍሰሃ ዎ ደስታ ይህቦ። ካብ ጸጥታዊ ምርግጋእ ኤርትራ፡ ጸጥታን ምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ የገድሶ። ስለምንታይ ብመንጽር ቀጻልነት ስልጣኑን ናይ ንግስነት ሕልሙን ስለ ዝዕቅኖ። እዚ ኣነ ካብ ባዶ ተበጊሰ ዝብሎ ዘለኹ ኣይኮነን። ብቃሉን ብተግባሩን ባዕሉ’ዩ ዝነግረና ዘሎ። ስለዚ ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን ኢሳያስ ብባህሪኡ፡ ብፖለቲካ ኮነ ብሕጊ ኣይናትናን። ወኪልን ንጉስን ናይ’ቶም ገዛእ ርእሶም ኣዋሪዶም ንባርነት ሕራይ ዝበሉ ዘምልኽዎ ውሑዳት በሃመት’ዩ። ነዓና ነቶም ንበዝሕ ግን ጸላኢ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ ደመኛ ጸላኢ’ዩሞ ኣይንገራህ። ንባብና ኩነታታዊ ዘይኮነ መትከላዊ ይኹን።

ፍጮ ኢሳያስ ንኤርትራ ኣስታት 30 ዓመት መሪሕዋ ዘይኮነ ገዚእዋ ኣሎ። 30 ዓመት ነዊሕ ግዜ’ዩ። ልዕሊ ርብዒ ዘመን ምዃኑ’ዩ። ኣብ’ዚ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዘቑጸረ ስልጣኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳተፈ ነጻን ደሞክራስያውን መድረኻት ከፊቱ፡ ናይ ደሞክራስን ልምዓትን ወይ ናይ ልዕለ ቅርጻን ትሕተ ቅርጻን መደባት ኣውጺኡ ክወፍርን ከዋፍርን ኣይተራእየን። ብኣንጻሩ ቅድም ዝነበረ ክድምስስን ከፍርስን’ዩ ተራእዩ። ትሕተ ቅርጻ ጥራሕ ዘይኮነ ኤርትራዊ ልዕለ ቅርጻ ክዝረግ ክዛባዕ፡ ሓድሽ ወለዶ መጥመሪ ዘይብሉ ሓሳብ ክውንን ዘርምዘርሞ ክኸውን’ዩ ከገብር ጸኒሑን ዝገብር ዘሎን። እዚ ነቶም ሰብኣዊ ክብረትና ንማንም ኣሕሊፍና ዘይንህብ፡ ከም ሰብ ብኽብረት ክነብር ንደሊ፡ ግን ከኣ ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንግፋዕ ዘለና ወገናት ሓድሽ ሓበሬታ ኣይኮነን።

ይኹን ግን ከም ህዝብን ሃገርን ንኤርትራ ይመርሕን ይውክልን’የ ዝብል ሓደ ሕሱር ባእታ፡ ኣብ ዘይጻሒ ኲናት፡ ድሕረትን ድኽነትን ረግሪጉ፡ ኣስታት ንርብዒ ዘመን ዓቕሚ ዘይብሎም፡ ኣነ ዝመሃርክዎም፡ ሓንጊረ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘደየብክዎም፡ ደመኛታት ህዝቢ ኤርትራ ...ወዘተ እናበለ ፍጥር ጥቕር ኣቢሉ ክኸሶምን ከቆናጽቦምን ናይ ዝጸንሐ መራሕቲ ህወሓት-ኢህወደግ መደባት ልምዓት ክዕዘብ፡ መሬት ኢትዮጵያ ክኾልል ምርኣይ ንለባም ብሓቂ የሕምም። ከም ሰብ ዝደለዮ ይግበር ባዕሉ ይፈልጥ ኢልና ስቕ ከይንብል ብስምናን ብስም ሃገርናን ይሽቅጥ ስለ ዘሎ ከም ሓያል ሕማም ኩርምቲ የቐንዙ። ንኤርትራ ይመርሕ ኣለኹ ንዝብል ሰብ ቀዳማይ ዋኒኑ ክኸውን ትጽቢት ዝግበር ኣብ ኣውራጃታት፡ ወረዳታትን ዓድታትን ኤርትራ ብኣካል ከይዱ መነባብሮ ህዝቢ ምዕዛብ፡ ምስ ህዝቢ ምልዛብ’ዩ። ንገዛኢ ኤርትራ ፍጮ ኢሳያስ ግን፡ ካብ ሰንዓፈ ጅማ፣ ካብ ተሰነይ ጉባ፣ ካብ ከረን ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዓዲ-ዃላ ደብረ-ዘይቲ፣ ካብ ድባርዋ እንጠጦ ....ወዘተ ይቐርብ።

ፍጮ ኢሳያስ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ከም’ቲ በሃማት ኣምለኽቱ ለባማት ክበሃሉን ከኣልናዮን ኢሎም ደጋጊሞም ዘኮማስዕዎ፡ ንመራሕቲ ወያነ ንምሕራቕ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ እንተደኣ ኮይኑ ንዕኡን ንዓታቶምን መግለጺ ፖለቲካዊ ድኽነቶም’ዩ። ከም’ቲ ኣብ ጎደናታት ዝዝርብ፡ ገለ ኤርትራውያን ብናይ መንነት ቅልውላው ይገልጹኒ’ዮም ካብ ዝብል ኩርናዕ ተበጊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ፖለቲካ ይጻወት እንተሃል’ውን ይቕረ ዘይበሃሉ ናብ ደቂ ደቁ ዝሰጋገር ገበን ይፍጽም ከም ዘሎ ምርዳእ የድሊ። እንተ ብናተይ ገምጋም ግን ከምኡ ዝገብር ዘሎ ንገለ ከሐጉስ ንገለ ኸኣ ከሕርቕ ኢሉ ዘይኮነ፡ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ባህሪኡ ዝዓደሎ’ዩ ዝገብር ዘሎ። በቲ በለ በቲ ግን እቶም ኣቐዲምና ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡን ፋሽሽታዊ ተግባሩን ካበይ ይብገስ፡ ከመይ’ከ ይፍታሕ ተረዲእና ንመሰረታዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና፡ ዝያዳ ሓላፍነታዊ ልቦና፡ ጥበብን ተወፋይነትን ሓዊስናን ብዝኾነ በለካ ለኽዓካ ከይተደናገርና ንምውጋዱ ንረባረብ። እንተ’ቶም ሕልናኦም ዘዕረቡ ግን ንኹሉ ግዜ ስለ ዘለዎ ዕለተ ፍርድኹም ተጸበዩ ክብሎም እደሊ።

                                                             ዕለት 30-10-2020