ሎሚ ዓብደል ዓዚዝ ቡታፍሊቃ ናይ ኣልጀርያን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ናይ ሱዳንን፡ ጽባሕ ከ በዓል መን’ኮ ይዕለው ይኾኑ?

Veröffentlicht: Sonntag, 05. Mai 2019 Geschrieben von ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ Drucken E-Mail

ኣዳለውቲ ዮሱፍ ሳንሶጎ ካብ ኣልጀርስ፡ ኣሕመድ ሙስጠፋ ካብ ካርቱምዘርጋሒ ኣህጉራዊ ትካል ዜና “ኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስ”

ኣብ’ዚ እዋን ሰለስተ ብጂኦግራፊ ዝመሳሰሉ ዝቀራረቡ ዝተኣሳሰሩ ሰፋሕቲ ዞባታት ፖለቲካዊ ነውጺ የተኣናግዱ ኣለው። ካብ ቱርኪ ሶርያ (ዩሮ-ኤስያ ወይ ማኣከላይ ምብራቕ) ናብ ግብጺ ኣልጀሪያ (ሰሜን ኣፍሪቃ) ናብ ሱዳን ኤርትራ ( ምብራቕ ኣፍሪቃ) ብዱላት ጥቑዓት ህዝብታት ንመሰሎም ይለዓዓሉ ይወዳደቡ እምቢ ንመግዛእቲ ድምጾም የስምዑ ኣለው። ኣንጻር ጨቆንቲ ስርዓታት ኣንካራ፣ ደማስቆ፣ ካይሮ፣ ኣልጀሪያ፣ ካርቱም፣ ኣስመራ።

እዚ ዝተገለጸ ምልዕዓላት ወይ ህዝባዊ ቁጠዐ ዋላ ምሉእ ኣይኩን ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ። መጀመርያ ኣብ ኣልጀሪያ ኣስታት ን20 ዓመት ኣብ ስልጣን ንዝጸንሐ ዓብደል ዓዚዝ ቡታፍሊቃ ካብ ስልጣኑ ክእለ ገይሩ። ቅኒይ ኢሉ ድማ ብ11 ሚያዝያ 2019 ንሱዳናዊ ፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ድሕሪ 30 ዓመት ብሰራዊቱ ካብ ስልጣን ክወርድ ገይርዎ ይርከብ። ክልቲኦም ድሕሪ ህዝባዊ ናዕቢ’ዮም ተኣልዮም። ፈትዮም ኣይኮኑን።

እዚ ነዞም ኣብ’ዚ ሰፊሕ ዞባታት ብቕልጽሞም ክገዝኡ ዝጸንሑን ገና’ውን ዘለውን ውልቀ መለኽቲ ሬሲፕ ኣ-ጣይብ ኤርዶጋን (ቱርኪ) ባሻር ኣል ኣሳድ (ሶርያ) ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ (ግብጺ) ኢሳያስ ኣፈወርቂ (ኤርትራ) ኣዝዩ ኣዝዩ ሕማቕ ወረ’ዩ። ህዝቢ እንተተቆጢዑ ብዝኾነ ሜላን ሓይልን ክምልስዎ ዘይኽእሉ ህዝባዊ ማዕበል ኮይኑ ከም ዝጸራርጎም ስለ ዝፈልጡ ኣይቀስኑን’ዮም።

ኣብ’ዞም ዝተጠቕሱ ብጂኦግራፊ ዝተቐራረቡ ዞባታት ዝርከቡ ውጹዓት ህዝብታት ዘይከም ቀደም በተሓሳስባ ፖለቲካዊ ንቕሓት ይቕየሩ ኣለው። እምቢ ንምልኪ ንመለኽቲ፡ ሕራይ ንመሰል ንደሞክራሲ ክብሉ ጀሚሮም ኣለው። ምኽንያቱ ፈትዮም ኣይኮኑን፡ በቶም መራሕቲ ኢና መንግስቲ ኢና ዝብሉ ዘቤታውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ጭቆና፣ ኢኮኖሚያዊ ምዝመዛ፣ ስራሕ ኣልቦነት፣ ጸጥታዊ ስግኣት …ወዘተ ዘባህርር’ዩ። ኣብ’ቶም ዜጋታትን ህዝብታትን ብስጭት ቁጠዐ ተስፋ ምቑራጽ ሕራነ ኮታ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ፈጢሩ’ዩ። እዚ እንታይ ከም ዝወለደ ቡታፍሊቃን ዑመር ሓሰን ኣል በሽርን ዝምስክርሉ’ዩ። ዝተረፉ መለኽቲ ከኣ ዝሽቑረርሉ’ዩ።

ኣብ’ዚ እዋን ኣብ’ዚ ሰፊሕ ጂኦግራፊካዊ ክሊ ዝርከቡ ውልቀ መለኽቲ ኣብ ብርቱዕ ውሽጣዊ ተርባጽ ከም ዝርከቡ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ጽባሕ’ከ ተረኛ መን’ኮ ይኸውን ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተኹ’ኸ እንታይ’ኮ ይፍረድ ይኸውን ውሁብ መድረኻዊ ጭንቀት መለኽቲ ስርዓታት ናይ’ዚ ዝተጠቕሰ ዞባታት’ዩ እንተተ ባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ምኽንያቱ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንዕዘቦ ዘለና ህይወት ዝኽፈሎ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ብዛዕባ ስእነት ስራሕን ድኽነት ጥራሕ ኣይኮነን። መሰረቱ ብዛዕባ ደሞክራስያዊ መሰል’ዩ። ብዛዕባ ክብረት ተፈጥሮኣውን ስቪላውን መሰላት’ዩ። ብዛዕባ ልኡላውነት ህዝባዊ ስልጣንን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ምርግጋጽ’ዩ። ነዚ መለኽቲ ስርዓታት ፈትዮም ክምልስዎ ዘይሕሰብ’ዩ። ውጹዓት ክጽመምዎ ኢልካ’ውን ዘይሕሰብ’ዩ። ስግኣት መለኽቲ ድማ ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ዝውለድ’ዩ። ስግኣቶም ግን ብድሕነቶም ብቀጻልነቶም ዘይኮነ ብውድቀቶም ክገሃድ ኣለዎ።

ናይ ሶርያ ባሻር ኣል ኣሳድ ናይ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ክህልው ዝገበረ ድሌት ህዝብታት ኣይኮነን። ሳላ ኣብ ትሕቲኦም ብባርነት ዘገልግሉ ዘለው እምቢ ዘይፈልጡ ምእዙዛትን ጨካናትን ወተሃደራቶም’ዮም ዝቕጽሉ ዘለው። እቲ ዝገርም ሓይልታት ምክልኻል ሃገር እናተባህሉ ክጽውዑ እንከለው ምስማዕ’ዩ። ላዕለዎት መኮነናት መጋበርያ ውልቀ መለኽቲ ምዃኖም ዘይርድኡ፡ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰል ህዝብታት እናጨፍለቑ፡ ንልኡላውነት ሃገር ደው ዝበልና ናይ ህዝቢ ሰራዊት ኢና ዝብል ተረድኦ ሒዞም ጽሩራ ኣብ መንኮቦም ገይሮም ኣብ ቅድሚ ብዱል ህዝቢ ሸናዕ ክብሉ ዘይምሕፋሮም’ዩ። ናይ ጸጥታን ስለያን ክፍልታቶም’ውን ከምኡ።

እንተኾነ፡ ተባዓት ህዝብታት ኣልጀርያን ሱዳንን ዝሃብዎ ትምህርቲ ቀሊል ስለ ዘይኮነ፡ ገዛእ ርእሶም ሓራ ዘይወጽኡ ምስ ዕጥቆም ብባርነት ዘገልግሉ ዘለው ወተሃደራት ንህዝባዊ ናዕቢ ዓጊቶም ውሕስነት መለኽቲ ከረጋግጹ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብውድዕነቱ ታሕተዎት መኮነናትን ተራ ወተሃደራት ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ናብ ውጹዕ ህዝቦም ከም ዝውግኑ ዝተፈልጠ ነገር’ዩ። ስለምንታይ ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረቶምን ረብሓኦምን ምስ ህዝቦም ‘ምበር፡ ምስ’ቲ ብስም ህዝብን ሃገርን ዘይተኣደነ ሃብቲ ዘዋህለለ ላዕለዋይ ቢሮክራስያዊ ቀጸላ ከም ዘይኮነ ንምርዳእ ዝጽገሙ ኣይኮኑን።

ስርዓታት ዘመሳስሎም ኮነ ዝፈላልዮም ባህሪያት ኣለዎም። ህዝብታት ግን ሓደ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለዎም። ሓቀኛ ደሞክራሲ፣ ሓቀኛ ሰላም፣ ሓቀኛ ማዕርነት ባህጊ ናይ ኩሎም ህዝብታት’ዮም። ኣብ ኣልጀርያን ሱዳንን እዝዩ ተሳኢኑ ጸኒሑ። ናይ’ተን ሃገራት ህዝብታት ከኣ ብሕጊ ብውደባ ዘይኮነ ብባህሪ ሓደ ምዃኖም ዘረጋግጽሉ እምቢ ንምልኪ ምባሎም’ዩ። ንመለኽቲ ብዓመጽ ኣልጊሶም ናብ ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ስርዓታዊ ለውጢ ዝወስዶም ጎደና ይጸርጉ ምህላዎም’ዩ። ኣብ ግብጺ ኣብ ኤርትራን ካልኦትን በዂሩ ዘሎ፡ ህዝብታት ሱዳንን ኣልጀርያን ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምቲ ዘይምውሳድ’ዩ።

እዞም ዓናትር ኢና በሃልቲ ዘይተረደኦም ድማ ሓደ ሓቂ ኣሎ። መንእሰያት በዞም በተሓሳስባ ዝጠስጠሱ ውልቀ መለኽቲ ብናይ ቃላት መብጸዓ እናተጠበሩ ክቕጽሉ ዘይኽእሉ ምዃኖም’ዩ። መንእሰያት ሎሚ ተክኖሎጂ ዝዓጠቑ እኹል ምንጪ ሓበሬታ ኣብ ሰዓታትን ዕለታትን ዘይኮነ ኣብ ደቓይቕ ዝረኽቡ፡ ክውድቡ ክወዳደቡ ጸገም ዘይብሎም ናይ ለውጢ ሓይሊ’ዮም። ንመለኽቲ ከመይ ከም ዘምበርክኽዎም ድማ ቅድም ክብል ኣብ 2011 ኣብ ጽዲያ ዓረብ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ከኣ ኣብ ልዕሊ መለኽቲ ስርዓታት ዑመር ኣል በሽርን ዓብደል ዓዚዝ ቡታፍሊቃን ኣመስኪሮም’ዮም።

ልዕሊ ኩሉ ግን ይብል ሓደ ማርቆስ ፔየሪኒ ዝተባህለ ኤውሮጳዊ ተመራማሪ፡ ጨቆንቲ ስርዓታት ሶርያ፣ ግብጺ፣ ኤርትራ ፈጺሙ ዘይስቆሮም ዘይርድእዎ ጉዳይ ኣሎ። ጽምኣት ደሞክራሲ፡ ትጽቢት ማሕርነታዊ ፖለቲካዊ ህይወት፣ ሃረርታ ፍትሒ፣ ኣድማሳዊ ጠለብ ምዃኑ። ንሓደ ሂብካ ነቲ ካልእ ዘይንፈግ ምዃኑ። ኣብ’ቲ ሓደ ነጊሱ ኣብ’ቲ ካልእ ተጸምም እናበልካ ነዊሕ ርሕቀት ዘየኽይድ ምዃኑ።

ሻራን ግሪኖም ዝተባህለ ካልእ ናይ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት መምህር ብወገኑ፡ መለኽቲ ብሰናይ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ይእለዩ ማለት ዘበት’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣይተራእየን። ሕጂ ኣብ መዋእልና ኣይግበርን። ንቕድሚት’ውን ክግበር’ዩ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ መለኽቲ ስነ-መጎት ሓይሊ ‘ምበር፡ ስነ-መጎት ሓይሊ ሓሳብ ፍትሒ ደሞክራሲ ልዕልና ህዝቢ ከመንጩ ኣይኽእልን ይብል።

ካልእ ሓይም ማልካ ዝተባህለ ወሃቢ ርእይቶ ድማ፡ ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ሰፋሕቲ ጂኦግራፊካዊ ዞባታት ኣብ መንጎ መለኽትን መንእሰያትን ገፊሕ ወለዶኣዊ ሃጓፍ ተፈጢሩ ኣሎ። ብዕድመ እንተመጺእካ እቶም መለኽቲ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝገዝኡ’ዮም። ርብዒ ዘመን ድማ ሓደ ወለዶ’ዩ። ሓደ ወለዶ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ለውጢ ብድሌትን ዊንታን ውልቀ መራሕቲ ተመሪሖም ክነብሩ ገዛእ ርእሱ ዝፈጥሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺ ከም ዘሎ ዘከራኸር ኣይኮነን። ኣብ ዕጥቆም እንተመጺእካ ድማ መለኽቲ ሓውን ዓረርን ዝዓጠቑ ንቕተሎ ‘ምበር ንምሃሮ ንምሓሮ ዘይፈልጡ’ዮም። እቶም መንእሰያት ድማ ሳይንስን ተክኖሎጂን ዝዓጠቑ፡ ገና ዘይተበከለ ዘይደንዘዘ መሃዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ ብልሕን ቆራጽነትን ዘለዎም’ዮም። ተመልከቱ እቲ ምንሕና ገፊሕ’ዩ። ህይወት ድማ ዘኽፍል’ዩ ክብል ድማ ይገልጾ። ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ከመሃርሉ ክውደብሉ ኣወንታዊ ታሪኽ ክሰርሕሉ ዝድርኽ ርእይቶን ተመክሮን ኮይኑ ስለ ዝተሰመዓኒ ድማ’የ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ተርጒመ ዘቕርቦ ዘለኹ።

                                               ትርጉም ዓ-ኢ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 01-05-2019