ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ጽዲያ 2018 መንግስቲ ኢህወደግ ኣብ’ቲ ን20 ዓመት ምስ ኤርትራ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጠልቦ ብዘይ ቅድመ ኲነትን ብዘይ ወዓል ሕደርን ንትግባረኡ ክንሰርሕ ተዳሊና ኣለና ምስ በለ፡ እዚ ኣበሃህላ ሃንደበትነት ነይርዎ’ዩ።

ድሕሪ ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት’ሞ “ኣይሰላም ኣይኲናት ዝብል ስም ዝተዋህቦ ኲነት ስዒቡ ዝቐረበ ሓሳባት ብምንባሩ፡ ነዚ ጉዳይ ጥልቕ ኢሎም እናተኸታተልዎ ዝጸንሑ ኣጸናጸንትን ተመራመርትን ምዕባሌታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይተረፈ ሓዊስካ ውሳነ መንግስቲ ኢህወደግ ከምዝገረሞም ይዛረቡ።

ይኹን ‘ምበር መንግስቲ ኢህወደግ ይኹን ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ “ዘ ሄግ” ዝተወሰነ’ሞ ጸገማት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንሳእን ንሓዋሩን ከደቅስ ተባሂሉ ዝተመሓላለፈ ይግባይ ዘይበሃለሉ ብይን ንምኽባር ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ስራሕ የለን። ከም ሳዕቤን ናይ’ዞም ክልተ ወገናት ዘይግሉጽነት ምበኣር እዚ ኣስታት 1000 ኪ/ሜ ዝዝርጋሕ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስታት ድሕሪ ሓደ ዓመት ኢህወደግ ድልውነቱ ንትግባረኡ ምግላጹ፡ ይትረፍ ዶብ ክንጸር ንዕኡ ዝምልከት ምንቅስቓስ ዝበሃል ነገር’ውን የለን።

ናይ ኢህወደግ ድልውነት ንትግባረስ ታክቲክ’ዩ ነይሩ ዝብሉ ኣይተሳእኑን። መሬተይ ብስርዓት ወያኔን ዘራያት ወያኔን ተታሒዙኒ ብምባል ፖለቲካውን ቁጠባውን ጎሮሮ ሃገር ዓጽዩ ክቑዝም ዝጸንሐ ህግደፍ ነቲ ዝተፈጥረ ሓድሽ ጻውዒት ናብ ተግባር ዝደፍእ ንጥፈታት ከርኢ ነይርዎ። ጉዳይ ዶብ ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ ቅሩባት ኣብ ዝኾንሉ ‘ምበር፡ ሓደ ንበይኑ ዝፈትሖ ኣይኮነን። እቲ ሓደ ንመሰረታዊ ፍታሕ ቅሩብ ኣለኹ እንተደኣ ኢሉ ካብኡ ንላዕሊ እንታይ ክገብር ይጥለብ። ብሓደ ኢድ ምጥቓዕ ኣይከኣልን።

ንኢትዮጵያ ግን ኣይሓሰማን። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ናይ ኢህወደግ ብዘይወዓል ሕደር ንትግባረኡ ድልውነት ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሚዛን ረኺባትሉ’ያ። ነቲ ናይ ኢህወደግ ድልውነት እቲ ሓደ ሽነኽ ተሓዊስዎ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ከኣ፡ ኢትዮጵያ ብባሕሪ፣ ወደባት፣ ደሴታት ኤርትራ ክጥቀም ዕድል ክፈጥራላ’ዩ። ገለ ወገናት ንኮሸምሸም ኢሳያስ መሰረት ብምግባር፡ መስመር ኣየር ኤርትራ ብመስመር ኣየር ኢትዮጵያ ክወሓጥ’ዩ። ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ከኣ፡ ብሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ክትካእ’ዩ እናበሉ ክዛረቡ ይስምዑ’ዮም።

ኩነታቱ ኣዝዩ ዘስደመሞም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን እዚ ኩሉ ጉያ ጉያ ኣበይ ንምብጻሕ’ዩ? ኢሎም ክሓቱን ክግረሙን ተራእዮም’ዮም። ዶባት’ባ ልክዕ ብመሰረት ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን ይመልከት። መበኣሲና ዶብ’ዩ ዶ ይበሃል ኣይነበረን? ኣብ ዝብልሉ ዘለው ታሪኻዊ ህሞት፡ ባዕሉ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጉዳይ ዶብ ዝበሃል ናይ ሕጂ ዛዕባና ክኸውን የብሉን። ንምምልካቱ ተባሂሉ ሕጂ ዘብ ዘብ ዝበሃለሉ ምኽኒያት ኣይረኣየንን። ናይ 480 ሚሊዮን ህዝቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታዊ ውሕስነትን ቁጠባዊ ውህደት’ዩ ከገድሰና ዘለዎ ምባሉ፡ ህግደፋውያን ዝተረሰዐ እንተመሰሎም ንሕና ኣይረሳዕናዮን።

ኣንቱም ሰባት ኣነ’ሞ ሓያል ስግኣት ኣለኒ። ሃገረ ኤርትራ፡ ሓድነት ህዝባ፣ መሬታዊ ልኡላውነታ ብኽድዓት ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ኮይኑ ይረኣየኒ ኣሎ። ኣብ ዘዘለናዮ ኮይና ሓርነትና ንምርግጋጽ ኣብ እንደኽመሉ ዘለና ወቕቲ፡ እታ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ደሚና ዘምጻእናዮ ነጻነት ርኢና ከይንስእና የሰክፈኒ።

ኣብ’ዚ መዳይ ብዘይካ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ውሑዳት መጋበርያታቱን ብጋህድን ብስውርን ዝሰርሑ ሓይልታት ምህላዎም’ዩ። ኣመሪካ፣ ንግስነት ስዑዲያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካብ’ቶም ብቐዳምነት ክጥቀሱ ክውቀሱ ዘለዎም ሓይልታት ደገ ኮይኑ ይረኣየኒ። ኣብ’ዚ ብስም ሃገር ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝግበር ዘሎ ርክባት፡ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ክስማዕ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ሆይሆይታ፡ ነጸብራቕ ኢድ ኣእታውነት ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ሓይልታት’ዩ ክትብል ዘድፍር’ዩ።

እዞም ወገናት ማለት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብሃብቲ ዝሓበጡ’ዮም። ንከም ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስስዑት ዝኸምኡን ብመቕሽሽ ኣብ ቃሕታኦም ከውዕልዎም ከኣ ዝገርም ኣይኮነን። ብህይወትን መጻኢ ዕድልን ህዝብታት ኤርትራ ምዃኑ ግን ዝደቅስ ኣይኮነን።

እቲ ዘይሰማዕናዮን ዘይረኣናዮን ምስጢራት ገዲፍካ፡ እቲ ብተግባር ክኸውን ዝረኣናዮ ንኣብነት ሽልማት ጉነዖታት ምትብባዓት መርኣያ ናይ ከም’ዚ ዝበለ እምነትን ኣካይዳን’ዶ ኣይኮነን? ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ባዕሎም “ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓለም ባንክ ንኢትዮጵያ ክንድ’ዚ ዝኣክል ቢሊዮናት ዶላር ለጊሱላ። ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ማለት ኣይ ኤም ኤፍ’ውን ከምኡ ክንድዚ ዝኸውን ገንዘብ ተመባጺዑላ። ናይ ሃገራት ወሽመጥ ሓባራዊ ባንክ ከምዚ ገይሩ፡ ኮሚሽን ልምዓት ኣፍሪቃ 100 ሚሊዮን ዶላር ኣፍሲሱ ክብሉና እንከለው’ኮ ነገር ይድርጉሕሉና’ዮም ዘለው።

ድሕሪ’ዚ ክመጽእ ክሳማዕ ትጽቢት ዝግበር፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ዘላቂ ሰላም ኣብ ምትእምማን፡ ኣብ ትሕቲ ክብረት ልዕልና ሕጊ፡ ኣብ ፍትሒ ‘ምበር፡ ኣብ ገንዘባዊ ወይ ነዋታዊ ኣይምርኮስን’ዩ። ምኽንያቱ ገንዘባውን ነዋታውን ክንዲ ዝተረኽበ ይረኸብ ይትረፍ ነዞም ብደምን መስዋእትን ሃገሮም ነጻ ዘውጽኡ ኤርትራውያን ነዞም ሃገሮም ስኢኖማ ዘለው ፍሊስጤማውያን’ውን ዘተዓሻሹ ኣይከውንን። ( ጣህራን ታይም ከም ዝጸብጸቦ)

ጣህራን ታይም ሓቁ ኣሎ። ፍልስጤማውያን ክንደይ ግዜ ጨርቅን ወርቅን ዘይተዋህቦም።ንልዕሊ 70 ዓመታት ዝደለይዋ ዝተሳቐዩላ ዝሞቱላ ኣካሎም ዝጎደሉላ ሃገሮም ፍልስጤም ግን ረኺቦማ’ዶ? ኣይረኽብዋን። ኣይኮነን ክረኽብዋ መመሊሳ ትርሕቆም ዘላ’ያ ትመስል። እዚ ከኣ ኣየውርድ ዘብል’ዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ ብኣንክሮ ክንከታትሎ ይግበኣና። ካብ’ዚ ንፍልስጤማውያን ዝወሃብ ገንዘባውን ነዋታውን ደገፍ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት ክንመሃር፡ ስለዚ ከኣ ክንጥንቀቐ ኣለና። ከሎ ገና ክንፈልጦ ክንዳለወሉ ዘለና መሰረታዊ ሓቂታት ኣሎ። ንኢሳያስ ምትብባዕ ምሽላም ገንዘባውን ነገራውን ጸጋታት ምልጋስ …ወዘተ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ‘ምበር ንዓና ከም ህዝቢ ዘይጠቕመና ምዃኑ። መተካእታ ተነፊጉና ዘሎ መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላትን ብክቡር ናይ ህይወት ዋጋ ዝተረኽበት ሃገርናን ክኸውን ከምዘይኽእል።

ኩሉ ብግዳም ዝግበር ናይ መን ከማኻ ከማኹም ንውልቀ ሰባት መጎሳ፡ ንልኡላዊ ግዝኣትና፣ ማያዊ ባሕርና፣ ደሴታትና፣ ወደባትና፣ ክሊ ኣየርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ከይኸውን ጥንቃቐ ምግባር የድልየና። ብሕቡር ድምጺ ኣይፋል ክንብል ኣለና። ከም’ዚ ዓይነት ናይ ጠቕመ ፈሊጣውያን ዕንደራ፡ ሃገራዊ ሰላም ዘይኮነ ሃገራዊ ህውከት’ዩ ዘምጽእ። ብኹለንተንኡ ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ’ዩ። ውጹዓትን ብዙሓትን ኤርትራውያን ንጠልቦ ሃገራዊ ዘቤታዊ ማሕበረ ፖለቲካዊ ሰላምን ምርግጋእን ዘስእን ከይኸውን ምክትታልን ዘድሊየና ይመስለኒ።

ንቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ግን ኣብ’ቲ ክምስገን ዘለዎ ነመስግኖ። ናቱ ኣይንኽላኣዮ። ናይ ፖለቲካዊ እሱራት ፈቲሑ። ንሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ ምሕረት ገይሩ። ተቓወምቱ ህላዊኦም ኣሚኑ ኣብ ፖለቲካ ሃገር ክነጥፉን ክሳተፉን ፈቒዱ። እቲ ንዓመታት (ኣብ 2020) ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ መታን ከም’ቲ ዝድለ ቆጸራኡ ኣኽቢሩ ንክሰላሰል ሓደ “ሃገራዊ ናይ ምርጫ ቦርድ” ክቐውም ገይሩ ..ወዘተ ኩሉ’ዚ ኣዝዩ ደስ ዘብል’ዩ። ምስ ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ ፖለቲካዊ ኮሸምሸም ግን፡ ንከታተሎ ጥራሕ ዘይኮነ ብእሩም ሓላፍነታዊ ኣገባብ ንበድሃዮ።

ንሕና ኤርትራውያን ኢና። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ምሕደራ የቐንዝወና። ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ለውጢ ከኣ ተስፋ ዝበና ሰብ ቤት ኢና። ኣብ’ዚ ውሽጢ ሓደ ዓመት ግን ይትረፈ ክንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ለውጢ ክንርኢ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ዝኸፍአን ዘሰክፍን ኢና ንዕዘብ ዘለና።  ስለዚ ንኢሳያስን መኻይዱን ምምጓስ፡ ብገንዘብን ዓይነትን ምሕጋዝ ንኹነታትና ከጋድዶ ደኣምበር ክሕሾ ንርኢ የለናን። መሰረታዊ ፍታሕ፡ ካብ ለገስቲ ገንዘብን ወደስቲ ውልቀ መላኽን ዘይኮነ፡ ካባና ካብ’ቶም ውጹዓትን ብዙሓትን ኤርትራውያን ክመጽእ ዘለዎ። ምኽንያቱ ሰላም ኣብ ዘይብሉ ፍትሕን ፍትሓዊ ሕቶን ጎሲኻ ዘላቂ ሃገራዊ ሰላም ክመጽእ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

                                             ካብ ተስፉ ዮውሃንስ ኣጥባራ ሱዳን

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 06-05-2019