ኩሉ ነገር ዕውት ክኸውን ወይ ዘዕግብ ፍረ ክህብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብኸመይ ዝበለ መስርሕ ሓሊፉ ኣበይ ክበጽሕ’ዩ ብሃታሃታ ዘይኮነ ብኣፍልጦ ክተሓዝ ኣለዎ። ካብ መጀመርያኡ ብመጽናዕቲ ብኣፍልጦ ብውጥን እንተተ ታሒዙ፡ ዋላ መስዋእቲ ይብዘሓዮ ዕለተ ዓወት’ውን ይንዋሕ ውጽኢቱ ዝመቀረ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን። ብኣንጻሩ እቲ መደብ ዋላ ቅኑዕ ይኹን ኣብ ኣተሓሕዛ “ ቆልዓ ይወለድ ብዕድሉ ይዓቢ” ዓይነት፡ ከም እንደነገሩ ወይ ወጀሃላ ወይ እውን ብስምዒት ብገበረኒ ክገብር ተራ ህልኽ ክዕመም እንተተፈቲኑ ግን፡ ዝነበረካ ለኪሙ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ኣቐዲምካ ምርዳእ መግለጺ ብሱል ኣእምሮ’ዩ።

ስነ-ፍልጠት ንወዲ-ሰብ ኣካል ኣምሳል ማሕበራዊ እንስሳ’ዩ ኢሉ’ዩ ዝገልጾ። ካብ’ቶም ካልኦት እንስሳታት ዝፈለየሉ ምኽንያት’ውን ይሕብር’ዩ። ንሳቶም ይብል ስነ-ፍልጠት፡ ንጽባሕ ኢሎም ክሓስቡ፡ ታሪኾም ክዕቅቡ፣ ወለደኦም ክቖጽሩ ዘይኽእሉ፡ ካብ ውልደቶም ክሳብ ዕለተ ሞቶም፡ ንልግሲ ተፈጥሮ ከም ዘለዎ ከይወሰኹ ከይቀነሱ፡ ናይ መልክዕ ኮነ ናይ ትሕዝቶ ለውጢ ከይገበሩ’ዮም ዝጥቀምሉ።

ወዲ-ሰብ ግን፡ ልዑል ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎ ፍጡር ስለ ዝኾነ፡ ብታሪኹ ክግደስ፡ ክፈልጥ ዝጽዕር ዝዕቅብ፣ ንጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ እንታይ ክኸውን ይኽእል ኢሉ ዝሓስብ ብእንተ… ዝዳሎ፣ ንልግሲ ተፈጥሮ ከም ዘለዎ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣመሓይሹ ክጥቀም ዝኽእል’ዩ።

ንኣብነት ካብ ኣትክልቲ ወይ ኣእዋም፡ ዓይነታት ክዳን መድሓኒት፡ ወረቐት፣ ካብ ኣዝርእቲ እንጀራ፣ ካብ እንስሳ ንሰብነቱ ዘድልዮ መዓዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ፣ ካብ ሓመድ፡ እምኒ፡ ንመጽለሊ ዝኸውን ገዛ፡ ንመጎዓዝያ ከም መኪና፡ ባቡር፡ ኣየር፣ መጋየጺታት፣ ከምኡ’ውን ካብ ማይ፡ ጸሓይ፡ ንፋስ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ኣገዳሲ ካብ ዝኾነ ቀረባት ሓደ ሓይሊ ጸዓት ዘመንጭወሉ ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎ ፍጡር’ዩ ክብል ይገልጾ።

ወዲ-ሰብ ንምንባር ዘኽእልዎ መሰረታዊ ጠለባት ንምምላስ ዕድመ ህጻንነት ወዲኡ ዓጽሙ ኣሪጉ ዓዲ ክሳብ ዝውዕል ይዓብን ይንእስን ይፈኩስን ይኸብድን እንተዘይኮይኑ ኣብ ስራሕ ምስተጸምደየ’ዩ። ይኹን ‘ምበር እቲ ነብሱ ክኽእል ዝገብሮ ሓርኮትኮት ዕንቅፋት ዘይብሉ ሰቲ ብሰቲ ኣይኮነን። ብኽልተ ምኽንያት ከቢድ ብደሆ የጋጥሞ’ዩ። ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ካብ ውሽጡ ዝወጽኡ ስሱዕ ባህሪ ዘለዎም ጉጅለታት ወይ ውድባት ዝፈጥርዎ ዕንቅፋትን። ብባህሪ ዝመጽእ ሓደጋ፡ ከም ምዝባዕ ኣየር ዝጠንቁ ደርቂ ጥሜትን ዓጸቦን፣ ካብ ዝተለምደ ዝተፈልየ ውሑጅን ሕቦቡላዊ ንፋስን፣ ምንቅጥቃጥ መሬትን ካብ ከርሲ ምድሪ ዝምንጩ እሳተ ጎሞራን ካልእን ..ወዘተ’ዩ።

እዚ ናይ ተፈጥሮ መጥቃዕቲ መብዛሕቲኡ ብዘይተዳሎ ብሃንደበት ዝኽሰት ሓደጋ ብምዃኑ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምምካቱ ከቢድ’ዩ። ካብኡ እቲ ንምዕጋቱ ወይ ምቁጽጻሩ ዝቐለለ ምዝባዕ ኣየር ዝኸሰተሉ ኩነታት’ዩ። ምዝባዕ ኣየር ዋላ’ኳ ተለዋዋጢ ባህርያት ዘለዎ እንተኾነ፡ ብምክንኻን ኣግራብን ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣቢልካ ንምክልኻል እቲ ዝቐለለ’ዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ካልእ ግን ዓሚቕ ምርምራዊ መጽናዕትን ረቂቕ ውጽኢት ቴክኖሎጂን ዝሓተት ስለ ዝኾነ፡ ብፍላይ ነዞም እሱራት ድሕረትን ድኽነት ዝኾና ክፍለ ዓለማት ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ኮይኑ ግን እዚ ሳሕቲ ዝኸሰት ብምዃኑ ሓደ ጽቡቕ ሸነኹ’ዩ።

ገለ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝወጽኡ ጉጅለታት፡ ካብ ስሱዕ ባህሪኦም ነቒሎ, ዝፈጥርዎ ዕንቅፋት ግን፡ እንተተገሪህካሉ እናሳቐየካ ዝነብር፣ እንተነቒሕካሉን ቅልጽምካ ኣሕቢርካ እንተገጢምካዮን ከኣ፡ ክዕጸፍ ክብዳህ ዝኽእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ካብ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝፈኾሰ’ዩ። ሰብ ዝሰርሖ ዕንቅፋት መብዛሕቲኡ ግዜ ብኣፍልጦን ብዝተወደበ ኣገባብን ዝፍጸም’ዩ። ናይ ሓንቲ ልኡላዊ ሃገር ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ናይ ካልእ ልኡላዊት ሃገር ህዝቢ ዘይኮነ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ልዕልነት ብምርግጋጽ፡ ንዝበቖልሉ ህዝብን ኣብ ቀረባ ርሕቀቶምን ክኒዮኡን ዘለው ህዝብታትን ብሓይሊ ብምጭፍላቕ፡ ቁጠባዊ ምንጪ ንምኽዕባት፡ ንምውላልን ዕላማ ዝገበሩ ብደረጃ ጉጅለ ድዩ ውድብ ዝተኣኻኸቡ ሰባት፡ ምስምስ ፈጢሮም ብመደብ ሰላም ብምህዋኽ ሓድነት ናይ ህዝብታት ብምዝራግን ብምድኻምን ዝፈጥርዎ ዕንቅፋት ብዙሕ ግዜ ብተግባር ተራእዩ።

እዞም ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓ ዝማእከሎም ብደረጃ ጉጅለ ድዩ ውድብ ዝተኣኻኸቡ ሰባት፡ ነቲ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰሉ ገፊፎም፡ ቁጠባዊ ምንጭታቱ ተቖጻጺሮም ብሓይሊ ዝገዝእዎ ህዝቢ፡ መጀመርያ ወገኑ መሲሎም፡ ህዝባውያን መሲሎም፡ ደሞክራስያውያን መሲሎም፡ ሕጋውያን መሲሎም’ዮም ዝቐርብዎ። ንሕና ንዓኻን ስለኻን ክንብል ዝመጻእና ኢና። ካብ ድሕረትን ድኽነትን ኣናጊፍና ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክትዋሳእ፡ ወሳኒ ናይ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣንካ ክትከውን ምሉእ ነጻነት ሓርነት ከንጎናጽፈካ ኢና እናበሉ’ዮም ዝሰብኩ።

ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራዊ መትንታት ሃገር ምሉእ ንምሉእ ኣብ ቁጽጽርና ኣትዩ’ዩ ኣብ ዝብልሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ግን፡ ናብ ዝተበሃልካዊ ግበር ኣስገዳዲ ውሳኔ ይሰጋገሩ። ካብ እንክብገሱ ውሑዳት’ዮም። ዕላማኦም’ውን ናይ ውሑዳት ረብሓ ምርግጋጽ ማእከሉ ዝገበረ ስለዝኾነ፡ ሽዑ ንሽዑ’ዮም ምስ ኣብዘሓ ህዝቢ ኣብ ግጭት ዝኣትው።

ነዚ ዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዶ ሓሶት ከነረጋግጽ ርሑቕ መንገዲ ተጓዒዝና፡ ማህደራት ታሪኽ ምግልባጥ፡ ተሞክሮ ካልኦት ምሕታት ኣየድልየናን። ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ሕጋዊ መርተዖ ዘለዎ ሕቶ ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ካብ ጎበጣ ግዳማዊ መግዛእቲ ምሉእ ንምሉእ ሓራ ንምግባር ወጺኡ ክንሱ፡ ኣብ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ብልሳኑ እንታይ ይብል ብተግባር እንታይ ይፍጽም ኔይሩ? ድሕሪ ብሓይልን ብሕግን ምልጋስ ግዳማዊ መግዛእቲ ኣብ መጀመርያ 90ታት እንታይ መብጸዓ ኣትዩ? ድሕሪኡ ዘሎ ዓመታት’ከ እንታይ ኮይኑ? ሕጂ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ’ከ ብጭቡጥ እንታይ ይገብር ኣሎ? ብምንጽጻር ኣዕጋቢ ፖለቲካዊ መልሲ ንምርካ ይከኣል’ዩ።

ናይ ሎሚ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት፡ ነቲ ብግዳማዊ መግዛእቲ ስለዝተገፋዕካ ነጻ ከውጸአካ’የ፡ ሓርነታዊ መሰል ከጎናጽፈካየ ዝብሎ ዝነበረ ህዝቢ፡ ብተግባር ኣብ ምሉእ ሕቶ ሃገራዊ ነጻነት እምነት ዘይብሉ ብዘምስል፡ ደስ እንክብሎም ከም ተመን ብበትሪ ዝቕጥቅቱ፡ ካብኦም ፈንተት እንተኢልካ ከኣ ተኲሶም ዝቐትሉ ትእዛዝ ምፍጻም ‘ምበር ንምንታይ ስለምንታይ ዘይፈልጡ ሓይሊታት ሰዲዱ፡ ኣብ ንእዲ ሕጹነት ዝጸንሑ መርዑ ኮነ፡ ናይ ሰለስተ ኣርባዕታ ኣወርሕ ሓራሳት ገፊፉ የሰልፍ ነይሩ። ካብ መጀመርያ 90ታት ድማ ብዝኸፍአ መልክዑ ብሓይሊ ምስላፍ ቀጺልሉ። ፋሽሽታዊ ተግባሩ ከኣ ኣመስኪሩ። ዘይትግበር ሓንሳብ ምስ ሰማዕካዮ ብኡ ንብኡ ሃፊፉ ዝጠፍእ ብዙሕ ናይ ክንገብር ኢና ሕልማዊ እንጀራ ይስንክት ኔይሩ።

ኣብ ህዝብታት ኤርትራ ኣኽብሮት ዘይብሉ ክንሱ፡ ብዶብን ባድመን ጉልባብ ገይሩ፡ ንልቢ ግሩሃት ኣሸፊቱ ሰብኣውን ነዋታውን ዓቕሚ ሃገር ንከንቱ ክጠፍእ ገይሩ። ህዝብን ሃገርን ካብ ሃንደበታዊ ዘይፍትሓዊ ኣብራሲ ኲናት ዶብን ባድመን ዝተፈጥረ ቁስሊ ከይሓውዩ፤ ዶብና ከይተጠረረ፡ ልኡላውነትና ከየውሓስና ዝኾነ ይኹን መደባት ሃገራዊ ልምዓት ኣይካየድን ብዝብል፡ ዝነበረ ምንጪ ቁጠባዊ ክነጽፍ፡ ዓያዪ ጉልበት መሪርዎ ክስደድ፡ መሬት ብኹለንተንኣ ማለት ብስእነት ሰብ፣ እንስሳ ዘቤት፣ ኣግራብ ክትዓርቕ ንኹሎም ህይወታውያን ዝሰማምዕ ምዑዝ ኣየር ዝተዓደለት ሃገር ክንሳ፡ ወጅሃ ተደዊኑ ንምንባራ ዘይተመኒ ምድረ ባዳ ቀይርዋ።

እዚ ኹሉ ዕንወት ክበጽሕ ገይሩ ከይሓፍር ድማ፡ ካብ 20 ሰነ 2018 ንደሓር ንኹሉ’ቲ ምስ ዶብን ባድመን ተኣሳሲሩ ልኡላውነትና እንተዘይ ኣውሓስና ሞይትና ንርከብ ክትብል ዝጸንሐት ልሳን፡ ብዘይ ዝኾነ ሕፍረት ጉዳይ ዶብን ባድመን ንኡስን ዘይመሰረታውን’ዩ። ሕጂ ካብኡ ዝዓቢ ን480 ሚሊዮን ህዝብታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ዛዕባ’ዩ ዘገድሰና ዝብል ንልኡላውነት ህዝብን ሃገር ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ክውድቁ ገይሩ ይርከብ።

ብመንነቶም ብሃገራውነቶም ዝግደሱ ኤርትራውያን ድማ በቲ ዝተፈጥረ መንገዲ ክድዓት ሰንቢዶም፡ ሓፊሮም። ተቖጢዖም ከኣ። ብዙሓት እንተስ መንገዲ በለጽ መሪጾም እንተስ ብፋሽሽታዊ በትሪ ህግደፍ ራዕዲ ኣትይዎም፡ ስቕታ መሪጾም ዝጸንሑ፡ ገለ ከኣ ካብ ሕማም ኣምልኾ ተበጊሶም ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክዕንቅፉ፡ ብናይ ጸለመ ኣስማት ካብ ህዝቢ ንምንጻል ክጉስጉሱ ጸሓይ ዝዓርቦም ዝነበረ ወገናት ከይተረፉ “ይኣክል” ክብሉ ይስምዑ ኣለው።

ይኣክል፡ ድሕሪ ደጊም ኣይንዕገስን ኣይንዕሾን ኣይንስከመካን ካብ እንግድዓና ውረድ ዝብል’ዩ፡ ትሕዝቶ ናይ’ቲ መልእክቲ ኢልና እንተወሲድናዮ፡ እዚ መልእኽቲ’ዚ ክሰምር ድሕሪ ይኣክል እንታይ የድልዮ ኣድቂቕካ ምርኣይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ይኣክል ንመበራበሪ መን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣሎ ንመላለዪ ኣገልጊሉ ኣሎ። እዚ ኣወንታዊ’ዩ። ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ድማ’ዩ። ብጭርሖ ይኣክል ድሕሪ ምብርባርን ምልላይን’ከ እንታይ’ዩ ዝግበር? ናበይ’ዩ ዝኽየድ? ብኸመይ’ዩ ዝኽየድ ካብ ስምዒታዊ ረስኒ ብዝደሓነ ብዝሰኸነ መንፈስ ክግምገም፡ ህዝባዊ ዝኾኑ ደሞክራስያዊ መትከላት ተነጺሮም ክቕመጡ፣ ንምዕዋቶም ድልውነት ክረጋገጽ፣ ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብ ብግቡእ ተሰሪዑ ክስነድ ኣለዎ።

ናይ ይኣክል ጭርሖ ኣብ ጉዳዮም ናይ ጓና ኣገንዝቦ ሒዞም ደቂሶም ካብ ዝነበሩ ገለ ወገናት ክበራበሩ ነብሶም ክፍትሹ ኣነውን ኣለኹ ኢሎም ብድምጽን ምስልን ክላለዩ ብምግባሩ፡ ኣወንታዊ ግደ ኣበርኪቱ ኣሎ። ማሕበራዊ መሰረቱ ዘይፍለጥ፡ ናብ ዝበዝሑን ዝተወጽዑን ህዝብታት ዘለዎ ውግንና ብወግዒ ዘይነጸረ፡ ብጽገናዊ ለውጢ ስልጣን ተማቒሉ ንስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ከም ዘለዎ ክቕጽል ዝደሊ ድዩ ወይስ፡ ስማዊ መንግስቲ ምስ ኩሉ ትካላቱ ተወጊዱ፡ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ተተኪኡ ልኡላውነት ህዝብን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ምሉእ ንምሉእ ዝረጋገጸሉ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ዝጠልብ፡ ብግቡእ መሊሱ ብስጡም ውደባ እንተዘይተሰኒዩ ግን፡ ተበታቲንካ “ይኣክል” ስለ ዝበልካ ጥራሕ ዝመጽእ ቁም-ነገር ኣይህሉን።

ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኖም ብልሳኖም ኣነ ህዝቢ’የ ደላዪ ፍትሒ’የ እናበሉ፡ ግን ከኣ ምስ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ በረኣእያኦም ዘይተፋትሑ ወገናት ከም ዘለው ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህግደፍ ዘሕለፍዎ ግዜ፡ ልዕሊ ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፣ ልዕሊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፣ ልዕሊ ህዝባዊ ስልጣንን ህዝባዊ ክብርን ዝሰርዑ ብተግባር ኣለው’ዮም። ጸረ-ህዝቢ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ ብመርተዖ ብስነ-ፍልጠታዊ ፖለቲካዊ ተንታን እንክህረም ጸላዕላዕ ዝብሎም፡ ነቲ ኩምራ ገበን፡ በቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ዝተመዝገበ ድሙቕ ዓወትን ዘኹርዕ ሃገራዊ ሓርበንነትን ሸፋፊኖም ተሓታቲ ኣልቦ ከትርፍዎ፡ እዚ ውድብኮ መስዋእቲ ከፊሉ ሃገራዊ ነጻነት ዘምጸአ’ዩ ብዝብል ክከላኸልሉ ዝፍትኑ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብመንገዲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣቢልካ ዝተመዝገበ ወተሃደራዊ ዓወትን ዝተኸፍለ መስዋእትን ብዘይ ዝኾነ ኢንታ ብሃገር ደረጃ ብኽብሪ ክዕቀብ ዘለዎ ናይ ኩሎም ህዝብታት ኤርትራ ሃብቲ’ዩ። ይኹን ግን ናይ ትማሊ ወተሃደራዊ ሓርበኝነትን ሎሚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ማሕበራዊ ውዳቤታትን ዝፍጸም ዘሎ ቅጥዒ ዘይብሉ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባራትን ተወዲኑ ማዕረ ማዕረ ክኸይድ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሎሚ ብዝፍጽሞ ዘሎ ጉድለታት ጌርካ ካብ ስልጣኑ ክውገድ ኣለዎ ትካላቱ ክፈርስ ኣለዎ ማለት ቅኑዕ ኣይኮነን። ናይ ትማሊ ኣብ ጸብጻብ ኣትዩ ምሕረት ክግበረሉ ኣለዎ። ኢሳያስ ምስ ኣብ ቀረባኡ ዘለው ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ሰባት ጥራሕ’ዮም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ። ንሶም እንተለጊሶም ህልዊ መንግስቲ ኤርትራ ገለ ገለ ምትዕርራይ ጌርካ ክቕጽል ኣለዎ።

ነቶም ዕላማ ኣልቦ እኩባት ሰብ ብረት ድማ (ብናቶም ገምጋም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ) ከም ትካል ክፈርስ ኣለዎ ማለት ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ሓደጋ ምእታው’ዩ። ሃገራዊ ድሕነት ብዙሕ ተሞክሮ ዘለዎ ትካል ስለ ዝኾነ ከም ዘለዎ ክቕጽል ይግባእ። ሚኒስትሪ ዜና ክፈርስ የብሉን። ቁጠባዊ ትካላት ኮነ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከም ዘለዎ ክቕጽል ጸገም የብሉን ዝብል ርእይቶታት ሓደገኛን ጸረ-ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ለውጥን ስለ ዝኾነ ብጭርሖ ይኣክል ከይሕባእ ክፍተሽ ክግምገም ኣለዎን ይግባእን።

ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ካብ ቀደሙ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ባህሪ ኣይነበሮን። ሕጂ ድማ ምሉእ ንምሉእ ብሓይሊ ሓሳብ ኣብ ዝተሳዕረሉ፡ ብኹለንተንኡ ኣብ ዝመሽመሸሉ መድረኽ፡ ናይ ግድምና ገድሊ ልዕሊ ህዝባዊ ክብሪ ዘገድሶምን ዝሰርዑን ካብ ግብራዊ ዕለታዊ ተሞክሮኦም ዘይመሃሩ ዘይጸረዩ ናይ ፖለቲካ ዝራባዓት፡ ምስቲ ውጹዕ ንጹህ ሕልና ዘለዎ ናይ ለውጢ ሓይልታት ተመሳሲሎም ዓንቃፊ ተራ ዝጻወትሉ ሜዳ ከይረኽቡ፡ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ንህዝብታት ኤርትራ ተጸጊኑ ክቕጽል ዘለዎ ፈታዊ ድዩ ወይስ ካብ መሰረቱ ከም ስርዓት ኣልጊሱ ብዝፈጸሞ ገበን ክሕተት ዘለዎ ጸላኢ? እቶም ደለይቲ ለውጢ’ኸ ብኸመይ ኢና ብሓባር ክንስርሕ ንኽእል? ተነጺሩ ናብ ተግባር ክእቶ ኣለዎ። ከም’ቲ ብግቡእ ዘይተቓነየ ክራር ዘየሳዕስዕ፡ ኣንፈቱ ዘይተነጸረ ፖለቲካዊ ተቓውሞ’ውን ኣብ’ቲ ዝድለ ዓወት ስለዘየብጽሕ፡ ካብ ተደጋጋሚ ጌጋን ፍሽለትን ንምድሓን መልእኽቲ ይኣክል ካበይ ናበይ ብመንጽር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመርን መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጥን ተቓኒዩ ክኸይድ ኣለዎ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 29-03-2019