ዕለተ ነጻነት፡ ብነጻነት ‘ምበር ንህዝቢ ብጅሆ ሒዝካ ኣይኽበርን፡-

Veröffentlicht: Mittwoch, 22. Mai 2019 Geschrieben von ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ Drucken E-Mail

ብመን ዝበሃል ውድብን መን ብዝበሃል ሰብን ተመሪሑ ብዘየገድስ ዕለት 24 ግንቦት 1991 ውጽኢት ናይ ነዊሕ ዓመታት ህዝባዊ ቃልስን ክቡር ሓርበኛዊ መስዋእቲ ደቂ-ህዝብን ዝተረኽበት ብምዃና፡ ካብ ኩለን ሃገራዊ በዓላት ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ታሪኻዊት መዓልቲ’ያ። 24 ግንቦት 1991 ናይ’ቲ ካብ 40ታት ዝጀመረ ታሪኻዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ሕጋዊ መርተዖ ዝነበሮ፡ ግን ከኣ ብደገፍ ነናቶም ረብሓታት ዝነበሮም ርእሰ ሓያላን ሃገራት፡ ብንሕና ንበዝሕ ንዓቢ፡ ድሌትና እንተገበርና መን ይኽልክለና ትምክሕታዊ ዕንደራ፡ ብሓይሊ ተጎቢጡ ዝነበረ ሕቶ ሃገራዊ መንነት፡ ዘተኣማምን መልሲ ዝተረኽበላ፡ ንቀጥታዊ መግዛእቲ ኮነ ግዳማውያን ዓንገልቲ፡ ድሕሪ ደጊም ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን’ያ ኢድኩም ኣክቡ እግርኹም ኣውጽኡ ዝብል ሕጋዊ መኸተምታ ዝተግብረላ ዕለት ብምዃና፡ ክኒዮቲ ኣብ ኣደራሻት ተኣኪብካ ዝጉየል፡ ዝዕለልን ዝጭራሕን ኣብ ኣእምሮ ነፍስ ወከፍ ንጹህ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ሰፊራ’ያ።

24 ግንቦት መልሲ ህዝባዊ ሕቶ ዝተረኽበላ ዕለት ብምዃና ህዝባዊት ሃገራዊት በዓል’ያ። እቲ ዝተናወሐ ህዝባዊ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ህግደፋዊ ውልቃውን ጉጅላውን ሕቶ ንምምላስ ዕላማ ገይሩ ኣይተበገሰን። ከም ኩሉ ኣብ’ቲ መድረኽቲ ዝዋሳእ ዝነበረ ዜጋ፡ ምስ ኩሉ ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ብደም ንጹሃት ዝጨቀወ ተሳትፎ ነይርዎ ‘ምበር፡ ብፍሉይ በይናዊ ኣምራርሓ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን መጋበርያኡ ስማዊ ውድብ ህግደፍን ቃልስን መስዋእትን ዝተረኽበት ዕለት ኣይኮነትን። ስለዚ ከኣ ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ናይ ህዝብታት ኤርትራ ሃገራዊት በዓል ‘ምበር፡ ናይ ህግደፍ ጉጅላዊ በዓል ኣይኮነትን። ክትከውን’ውን ኣይትኽእልን።

ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቅድሚ ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ጀሚሩ ብዙሕ ወጻኢታት ሰሊዑ ብዘይትግበር ጭርሖን ናይ ቃላት መብጸዓን ሆታን ዕልልታን የሕልፋ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ። ብተግባር ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ኤርትራ እንታይ ይፍጽም ነይሩ’ውን ካብ ኩሉ ስውር ኣይኮነን። ብባህርን ብተግባርን ጸረ-ምሉእ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ክንሱ፡ ልዕሊ ካልእ ኤርትራዊ፡ ሓለፋ ከም ዝደኸመ፡ ከም ዝደመየ ስለዚ ከኣ ጉዳይ ኤርትራ ንዕኡ ጥራሕ ከም ዝምልከት ብዙሕ ክሰብኽ ተሰሚዑ።

ብሓጺሩ ንህዝቢ እናድከየ እናበተነ እናሳቐየ ብስም ስውኣት እናሸቀጠ ብጉልባብ ምዕቃብ ነጻነትን ምኽባር ልኡላውነትን ንየወሃት ገደናግር ጸኒሑ። ካብ መፋርቕ ዓመተ 2018 ንነጀው ግን ሓቀኛ መንነቱ ንብዙሓት ኮለል ኢሉ ዝረአ ገሃድ ኮይኑ። ኢሳያስን ስማዊ ውድቡ ህግደፍን ጸረ-ህዝቢ፣ ጸረ-ሃገር፣ ጸረ’ዛ ክብርቲ ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ምዃኑ ክሃድመሉ ብዘይኽእል ተቓሊዑ። ልኡላውነት ህዝቢ ጨፍሊቑ ኣብ ልኡላውነት ግኡዝ መሬት ይሕባእ ነይሩ። ድሕነትን ክብረትን ወዲ-ሰብ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ክንዲ ዝብል፡ ድሕነትን ክብረትን ሃገር ይብል ነይሩ። ንብዙሓት ድማ ኣደናጊሩ ጸኒሑ። ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ከም ዝተባህለ ግን፡ ግዜ ንኹሉ ቀላሊዕዎ።

ህግደፍ መን’ዩ? ናይ መን’ዩ? እዚ መሪሕነት ናይ መን’ዩ? እንታይ’ዩ ዕላማኡ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ክለዓል ኮይኑ። ካብ 20 ሰነ ናይ 2018 ንደሓር ብወግዒ ዝበሎ፡ ብናቱ ውክልና ካልኦት ንህዝቢታት ኤርትራን ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራን ኣመልኪቶም ዝተዛረብዎን ኣደይብካ ኣውሪድካ ደሚርካ ቀኒስካ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ስኽፍታ ኣእትዩ ምህላው ፍሉጥ’ዩ። እንታይ’ዩ ዝብልን ዝገብርን ዘሎ? ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና? እምበር’ዶ ናብ ዕዳጋ ኣየውረደናን? እዚ ኩሉ ዓመታት ተቓሊስና። እዞም ኩሎም ውጉኣት ሓርነት ኣካሎም ዝጎደልሉ። እዞም ኩሎም ሓርበኛታት “ዓወት ንሓፋሽ” እናጨርሑ ብፍጹም ሃገራዊ ሓርበኝነት ዝወደቕሉ ክቡር ዕላማ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ? ጋዶ! ዘይበሉን ዘይሰንበዱን እቲ ሓደ ሰብን ንኸብዶም ዝሓደሩ ውሑዳት መጋበርያታትን ጥራሕ’ዮም።

እነሆ ድማ ሕጂ ካልእ ተወሳኺ ስኽፍታ ዝፈጥር ዘስደምም ንጥፈታት የርኢ ኣሎ። መጀመርያ ነቲ ደም፡ ኣካልን ህይወትን ዝኸፈለ በዓል ቤት ናይ’ታ ሃገር፡ ናይ’ቲ ቃልስን ዓወትን ንዝኾነ ህዝቢ፡ ንመበል 28 ዓመት 24 ግንቦት ዕለተ ነጻነት ንምጽንባል ክንድ’ዚ ገንዘብ ክፈል ዝብል መምርሒ ኣውሪዱ ከሰራጥዮ ጸኒሑ። ቀጺሉ ከኣ፡ ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ከይወጽኡን ናብ ኤርትራ ድማ ከይኣትውን ከልኪሉ። ነቶም እኩባት ሰብ ብረት መታን ዕረፍቲ ከይረኽቡ ሓንሳብ ኣብ ምኹስታር ጽርግያ ካልእ ግዜ ከኣ ኣብ ድፋዕ ኩዒትካ ድፈን ከምኡ’ውን ካብ ዝለመድዎ ቦታን ዝተላለይዎ ሕብረተ-ሰብን ክርሕቁ፡ ከይቀስኑ ክሳቐዩ ክገብር ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን።

ስለዚ ከኣ ናይ ሎሚ ዘመን ጽብል ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ካብ’ተን ዝሓለፋ 27 ዓመታት ብዝኸፍአ ህዝቢ በዚ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ጀሆ ኣብ ዝተታሕዘሉ፡ ኩሉ ማሕበራዊ ንጥፈታቱ ኣብ ዝተገደበሉ፡ በቶም ብባርነት ዘግልግሉ ዘለው እኩባት ሰብ ብረት በዚ ከይትሓልፍ ከይትወጽእ ግዳይ ማእሰርትን መግረፍትን ኣብ ዝኾንሉ፣ መንግስታዊ ራዕዲ ኣብ ዝተፈጥረሉ፡ ህዝቢ ንጽንብል ዕለተ ነጻነት ንጎኒ ገዲፉ እንታይ ክኸውን’የ፡ መጻኢ ዕድለይ ዕድልና እንታይ’ዩ? ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ዝኣተወሉ ወቕቲ’ያ ትዝከር ዘላ። “ዘበን ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ” ከም ዝበሃል ብሰንኪ’ዚ ጸረ-ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ህዝቢ ንሃገራዊ ነጻነቱ ኣብ ክንዲ ብሰናይ ድሌቱ ከከም ዓቕሙ ሕጉስ ኮይኑ ዝጽንብላ፡ ብጅሆ ታታሒዙ የሕልፋ ኣሎ። ንህዝቢ ብጅሆ ሒዝካ ጽንብል ሃገራዊ ነጻነት የኽብር ኣለኹ ማለት ፖለቲካዊ ዓጀውጀው ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ ነጻነት ብነጻነት ‘ምበር ንህዝቢ ብጅሆ ሒዝካ ኣይኽበርን። ንህዝቢ ብጅሆ ሒዙ ሃገራዊ ነጻነት ይጽንብል ኣለኹ ዝብል መንግስቲ ድማ ንገዛእ ርእሱ’ውን ካብ ራዕዲ ነጻ ዘይወጸ’ዩ። ህግደፍ ህዝቢ ዘርዕድ ዘሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ነብሰ ምትእምማን ስለ ዘጥፈአ ስለ ዝረዓደ’ዩ።    

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 20-05-2019