ዶባት ከም ቃሕታኻ ምዕጻውን ንምኽፋትን ፖለቲካዊ ሃላልነት’ዩ።

ብዘሕፍርን ዘሰቅቕን ኩነታት ብውዲት ተጠናኒጉ ዝርከብ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት፡ ካብ ወርሒ ናብ ወሒ፡ ካብ ዓመት ድማ ናብ ዓመት ካብ ጉድለቱ እናተማህረ እናተኣረመን ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ዝግስግስ፡ ፍጹም ሓላፍነት ብዘይስመዖ ብገባሪ ሓዳግነት ሓደ ሰብ ዝዝወር ጉጅለ ውሑዳን መሊሱ

ኣብ ዓዘቕቲ ይኣቱ ኣሎ። ታሪኽ ከም ዝምህረና ሕብረተ-ሰብ ሓደ ግዜ ኣብ ዝበጽሖ ደረጃ ምዕባለ ጋም-ማን እናበለ ዝነብር ዘይኮነስ ማዕባሊ’ዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን’ውን ብተመሳሳሊ በተሓሳስባ እናተኣረመን እናማዕበለን ብኣካል እናገዘፈን እናሰፍሐን ብሞራል ምቖት እናረኸበ ከም ዝኸይድ’ዩ ትጽቢት ዝግበር።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ብመንጽር’ዚ ዝተጠቕሰ ናይ ምዕባለ ለውጢ ምስ ዝረአ ግን ኣዝዩ ዘሕፍር ዘተሓሳስብ ዘቐንዙ ፖለቲካዊ ሃለዋት’ዩ። ብውሽጣዊ ምዕባሌኡ ዘይኮነ፡ ብመግዛእቲ ጥልያን ምስ ዘመናዊ ሕርሻን ፋብሪካታትን ዝተላለየ፡ ህርኩት ባህሊ ስራሕን ምሃዝነትን ዘማዕበለ ህዝቢ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ መጀመርያ 40ታት ኣብ ትሕቲ ሞግዚታዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣትዩ። ምስ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ተላልዩ።

ከም መግለጺ ስልጡን ኣተሓሳስባኡ ድማ ብዝተዋደደ መልክዕ ንዝተጎብጠ ሕቶ ሃገርነትን መንነትን ንምምላስ፡ 20 ዓመት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ እዚ ቅኑዕን ስልጡንን ኣፈታትሓ ግርጭት’ዚ ብትምክሕተኛታት ገዛእትን ተበራረይቲ ርእሰ ሓያላን ዓንገልቶምን ሰማዒ እዝኒ ስኢኑ፡ ፖለቲካዊ ጭቆና፡ ማእሰርትን ሞትን ምስ በዝሐ ከኣ፡ ናብ ብረታዊ ተጋድሎ ተሰጋጊሩ። 30 ዓመት ብዘይ ዕረፍቲ ደማዊ ኲናት ኣካይዱ። ብሓይልን ብሕግን ብዓወት ዝተጸንበለ ሓርበኛ ህዝቢ’ዩ፡፡ እንተኾነ ግን፡ መደናገርቲ ጠቕመ ፈሊጣውያን’ምበር ቅኑዓት ሓላፍነታውያን ሕጋውያን ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ኣይረኸበን፡፡ ስለዚ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ሱር ዝሰደደ ድሕረትን ድኽነትን እናራገፈ ንቕድሚት ዝግስግስ፡ ኩሉ ነገር ተደዋዊስዎ መዋጽኦ ሓርቢትዎ ኩሉ ምዕባሌኡ ተዓጊሩ ንድሕሪት ይምለስ ኣሎ።

ምስ ዘመናዊ ሕርሻን ፋብሪካታትን ምስ ዝተላለያ ቀዳሞት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝስራዕ፣ ፍሉይ ህርኩት ባህሊ ስራሕ፣ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ እናተወራረሰ ዝመጸ ዘሕብን ዝተጻሕፈ ያታዊ መመሓደሪ ሕጊ ዘለዎ፣ ናይ ልዕሊ 50 ዓመት ፖለቲካዊ ዕጥቃውን ቃልሲ ተመክሮ ዝወነነ ህዝቢ፡ ኣብ ኣብነት ናይ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ሓባራዊ ናብራ ዕቤት ክኸውን ነይርዎ ግን ከምኡ ክኸውን ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ፡ ብውላድካየ በሃሊ መንግስታዊ ፖለቲካ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ጉጅለ፡ ናይ ኩሉ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን መመሰሊ ኮይኑ፡ ካብ መዓሙቕ ድሕረትን ድኽነትን ምውጻእ ስኢኑ ህዝባዊ ልኡላውነቱ ተደፊሩ፡ ቀጻልነቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ ኣሎ።

ብኣድኪኻን ከፋፊልካን ግዛእ ዝብል ድሑር ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝምራሕ፡ ብሰናይ ድሌትን ውሳኔን ሓደ ሰብ ድማ ዝዝወር ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ ብእምነት ክሕደት’ዩ ኣብ’ዚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ። ህዝቢ ካብ ዝተናወሐ ደማዊ ኲናት ናብ ዘተኣማምን፣ ብንቕሓት፡ ህዝባዊ ሕግን ህዝባዊ ደሞክራስን ዝሕሎ ሃገራዊ ሰላም ክሰጋገሮ እምነት ኣንቢርሉ፡፡ ዘዕበዮ ጡብ ዝነክስ፡ ዝበልዓሉ ጻሕሊ ድማ ዝሰብር ስቅያት ህዝቢ ዘሐጉሶ፣ ጽልእን ኲናት ምፍብራኽ ዝልምዓቱ ከሓዲ ጉጅለ ግን ንጥፍኣቱ ተዓጢቑ። ኣብ ክንዲ ዘኽብሮ ንዒቕዎ። ከም ህዝቢ ዘይኮነ ከም ኣብ ትሕቲ ናይ ሓደ ሃብታም ትካል ዝሰርሕ ውልቀ ሰብ፡ ደስ እንተይልዎ ክንቀሳቐስ ማዕጾ ይኸፍተሉ፡ ደስ እንተዘይልዎ ከኣ ከይቀሳቐስ ከይሰርሕ፡ ነቲ ዝኸፈቶ ማዕጾ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያታዊ ወግዓዊ ሓበሬታ ብምዕጻው የሳቕዮ ኣሎ።

ኤርትራ ሃገርና ተደኲናትሉ ዘላ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ወይ ከባቢ ናይ ኩሉ ቁጠባዊ ጸጥታዊ ስትረተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዓለማዊ መስመር መመሓላለፊ’ዩ። ኣየሩ ንኹሉ ፍጡር ዝሰማማዕ ከከም ድሌትካ ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ዝመስል ምዑዝ’ዩ። ብዙሕ ህዝቢ ምስ ዘለወን ዓበይቲ ሃገራት ዝዳወብ’ዩ። ተቐዲሑ ዘይውዳእ ሃብቲ ነዳዲ ምስ ዘለወን ሃገራት ብማያዊ ባሕሪ ብቐረባ ዝራኸብ’ዩ። ብናይ ዓለም ንግዳውን ጸጥታውን ጎሮሮ ክምሰል ኣብ ዝኽእል ክሳድ ዝርከብ’ዩ። ንበጻሕቲ ዝዕድም ታሪኻዊ ቦታት ከምኡ’ውን ብሓያል ምድረ በዳዊ ምቖት ኮነ፡ ቀዝሕን በረድን ንዝተጠቕዑ ሃብታማት መጻንሒ ዝኸውን ምቹእ ከባቢ’ዩ። ህዝብና ከም ህዝቢ ነዚ ብግቡእ ከተኣናግድ ዝኽእል ፈታዊ ጋሻን ፈታዊ ስራሕን’ዩ።

እዚ ኩሉ ዕድላት’ዚ ርጉእ፡ ደሞክራስያዊ፡ ፍትሓዊ፡ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ጥራሕ ዝሓትት ተሰሪሑ ዝተቐረበ እንጀራ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራ ግን እንተስ ከም’ቲ ገሊኦም ተዛረብቲ ዝብልዎ ዘይተዓደለ ዝተርገመ ኮይኑ፡ እንተስ ብፖለቲካዊ ድሕረት ተጠቒዑ ፈውሱ ርሒቕዎ ኣብ ኢዱ ኣብ ግዝኣቱ ዘሎ ስሩሕ እንጀራ ክበልዕ ኣይከኣለን። ናተይ ኢሉ ኣሚኑ ዝልእኮ እንከ ጥፍእ ዝቑርጥጦ ዝግስጾ መሪሕነት ኣይረኸበን። ምስ ጎረባብትን ዓለምን ዘራኽብ መዓጹን መስመራትን ከም ቃሕታኡ ዝዓጹን ዝኸፍትን መንግስታዊ ጉጅለ ዘሊሉ ኣብ ዝባኑ ተሰቒሉ ከም ቁርዲድ ይማጽዮ ኣሎ። ስለዚ ድማ ከም ህዝቢ ምስ ኩሉ ዓቕሙን ትሕዝቶኡን ወርቂ ተተርኢሱ ብሕሱም ድኽነት ይግረፍ ኣሎ። እዚ ብተግባር ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ሓቂ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራ ወርቂ ተተርኢሶም’ዮም ብድኽነት ዝቆራብዑ ዘለው።

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ብዶብ ተመኽኒዩ ዝተወለዐ ኣብራሲ ኲናት፡ በዚ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘይኮነ ዝገዝእ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ብመደብ ብውጥን ዝተወለዐ ኲናት’ዩ። ዕላማኡ ከኣ ንካልእ ዘይኮነስ ንህዝብታት ኤርትራ፡ ብነጻነትን ልኡላውነትን ኣደናጊርካ፡ ብድሕረትን ድኽነትን ኣማሲንካ፡ ብዛዕባ ከመይነት ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ክብረት ሰብኣውን ደሞክራስያንው መሰላት ከይሓስቡን ከይሓቱን ኣብ ዕለታዊ ዋኒን ጥራሕ ክጽመዱ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ’ዩ።

ኣዕናዊ ደማዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምሉእ ስዕረትን ውርደትን ጉጅለ ህግደፍ ተዛዚሙ። ናብ ሕጋዊ መስርሕ ኣምሪሑ፡ ኣብ ፈጽሚ ድማ በጺሑ እናሃለወ፡ ኣብ ተክኒካዊ ጉድለታት ተሓቢኡ፡ ኮሚሽን ዶብ ዝወሰነልና ልኡላዊ መሬትና ከይተረከብና፡ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝብል ሕቶ ክለዓል የብሉን። ቅዋም’ዶ ቅዋማዊ ስርዓት’ዶ ግዜኡ ኣይኮነን። ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት ዝበሃል የለን። ካብ ናብን ምንቅስቓስ ኣይፍቀድን። ስሩዕ ምምሃርን ምስትምሃርን ናይ ቀዳምነታት ኣይኮነን። ቀዳምነታትና ልኡላውነት ሃገር ምውሓስ’ዩ። መድረኹ ከኣ “ ኣይሰላም ኣይኲናት’ዩ” ብዝብል ኣስታት ን18 ዓመት ሃገር ከም ገዛ ምውት ክትዕጾ፡ ዜጋታት ከም ደቂ ምውት ክዝኽትሙ ገይሩ። ከም’ዚ ክገብር እንከሎ ድማ ሕግን ስርዓት ሸፋን ገይሩ ኣይኮነን። ብተግባር ብዝረአ ፋሽሽታዊ በትሪ ‘ምበር።

ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ፖለቲካዊ ጽገናዊ ለውጢ ካብ ኣይሰላም ኣይኲናት ናብ ምሉእ ክልተኣውን ዞባውን ሰላምን ቁጠባዊ ውህደትን ሰጊረ ኣለኹ ኢሉ። ንዓመታት ብዓመጽ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኬላታት ተኸፊቱ። ህዝቢ ድማ ውሕስነት ዘለዎ መተንፈሲ ዝረኸበ መሲልዎ ተሓጒሱ። ተዓፊኑ ዝነበረ ኣእምሮ ክበራበር ጀሚሩ። ተቖሊፉ ዝነበረ ልሳን እናተሰከፈ ክዛረብ ጀሚሩ። ብተኲስካ ቅተል ፖሊስን ተተኮስትን ተዓጺፈን ዝለምሳ ዝነበራ መሓውር ክንቀሳቐሳ ፈቲነን። ተፈላሊዩ ዝነበረ ስድራ ቤታት ተራኺቡ ብንብዓት እናተሓጽበ ተሓቛቚፍ ተሰዓዒሙ። ምሉእ ክኸነሉ ተመኒዩ። ነጋዶ ካብን ናብን ከከንዲ ዝዓቕሞም ሸቐጣት ሒዞም ክወናጨፉ ጀሚሮም። ብሕጸረትን ክብሪ ዋጋታትን ጫፍ በጺሑ ዝነበረ ዕዳጋታት ኤርትራ ከኣ እፎይ ኢሉ ክረጋጋእ ጀሚሩ።

ሓሳድ ኢደ-ወነናዊ ጉጅለ ግን፡ ከም’ቲ ብዘይሕጋውን ወግዓውን ኣገባብ ከም ቃሕታኡ ኣብራሲ ኲናት ዝወለዐ፣ ከም’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ጽገናዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ክኸፈት ዝገበረ፣ ተመሊሱ ነቲ ዝኸፈቶ ዶባዊ መስመራት ብዘይዝኾነ ወግዓውን ምኽንያታውን መረዳእታ ዓጽይዎ።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ በጋሚዶኣዊ ኣካይዳን ውሳኔን ነምለኽቲ ህግደፍ ኣንጸባራቒ ዓወት’ዩ። እንተነቶም ኬላታት ብምዕጻው ዝሓዘኑ፡ ብኽፋቱ ድማ ዝተሓጎሱ ቅኑዓት ወገናት ግን፡ ብሞራል ሃሰያ ብቁጠባ ክስራ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ማሕበራውን ንግዳውን ንጥፈታት ክልቲኣቶም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ‘ቶም ናይ ቀረባ ርሕቀት ዝርከቡ ኣሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከኣ ብፍላይ ፈጢርዎ ዘሎ ዕንወት   ብቐሊል ዝግምት ኣይኮነን። ስለዚ ዶባት ከም ቃሕታኻ ምኽፋትን ምዕጻውን ደው ክብል ኣለዎ። ምኽንያታዊ ሕጋዊ ኣገባብ ክኸተል ኣለዎ። ካብ ኢሳያስን ጉጅለኡን ምሕረት ምጽባይ ነምለኽቲ ህግደፍ ጥራሕ ክግደፍ ኣለዎ። ነዚ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ ንምእላይ ናይ ህዝብታት ኤርትራ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ውዳቤ፡ ውህደትን ውሳኔን ቅድሚት ከምጽእ ኣለዎ። ኣብ ኢድና ዘሎ ፍታሕ ካብ ጸላኢና ምሕረት ኣይንጸበ። ጸላኢ ጸላኢ’ዩ። ንጥፍኣትና ‘ምበር ንሰላምና ንልምዓትና ከም ዘይሰርሕ ኣስታት 30 ዓመት ብፋሽሽታዊ ምሕደራኡ ሕርሕራይ ገይሩ ነጊሩና’ዩ። እዚ ብግቡእ ክስቆረና ከሕርነና ኣነ ንመሰል ኣለኹ ባዕለይ ኢልና ክንብገስ ሞራላዊ ስንቂ ክኾነና ይግባእ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 24-06-2019