ጅግንነት ደቂ ኤረይ ኣለዎ ሐለፋ

ክነዘንቱ ዶ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ

ንዓና ንተዛረብቲ ጥራይ ገዲፋ

ጅግንነትኩም ንዓኹም ደጊፋ

ምሳኹም ተነጽፋ ድያ ተሪፋ‘‘

ስዉኣት ብጾትና ኣብ ጎቦ ኣብ ሩባ

ዝፈሰሰ ደምኩም ኣብቊሉ ዕባባ‘‘

ሽሕ ይምቱ ክንዲ ሽሕ ኣይሙት

ጃንዳ ህግደፍ ካብ ቀደሞም ኣራዊት

ኣብ ቃሕ ዝበሎ እንዳ ሸርጠጠ ክርቢት

ክንዲ ሽሕ ተሳኢኑ ዓዲ ጀጋኑ ትጽልምት‘‘

ኣጆኻ ስነ ጥበባዊ ዓንዲት ዑቕባይ

ጸላዕላዕ ኣቢልካዮም ንዛህላይ ማህላይ

ምስ መራሒኦም ኣስመራ ዕባይ

ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር ካሕዳይ

ኣለዋና ኣለዉና ዝብሉ ሰዓረዩ ሽመይ‘‘

ስዉኣት ብጾትና ኣብ ጎቦ ኣብ ሩባ

ዝፈሰሰ ደምኩም ኣብቊሉ ዕባባ

ኤርትራ ግና ኣይቐሰነት ምስ ህዝባ‘‘

ጅግንነት ኤርትራዊያን ንሃጸይ ምስ ኣንፈርፈረ

ንስዕረት ሃይለ ስላስየ ዘቃላጠፈ ጀናኑ ደቂ ኤረ

ኢሰያስ ብኣስራተ ካሳ ደገፍ ረኺቡ ምስ ተሐበረ

ኣስላምን ክስታንን እንዳበለ ንክፈላልየና ምስ ገዓረ

ውጽኢት ቃልስና ኣብ 20 ዓመቱ ከይንርኢ ፍረ

ምስ ወያነ ኮይኑ ይሁዳዩ ዶብናን ርስትናን ዘድፈረ‘‘

ኣንጎድጉዶ ዓንዲት ኮርዒዳ

ኮኾብ ናይ 2020 ውሰዳ

ንሱ ወ ከዳዕ ከም ዩሁዳ

ክወርድ ከሎ ንሜዳ

ነርዎ ወ ሕቡእ ኣጀንዳ‘‘

ክሳብ ማዓስ ብሽም ሰማእታትና ክትሽቅጡ

ዓወት ንሐፋሽ እንዳበለ ንዓዲ ምስ ኣተወ

ብዓወት ንሐፋሽ መሰል ሰማእታትና ዝጨወ

ንጀጋኑ ስንኩላን ዳግማይ ስንክሉ ዝገበረ ወ

ኣይከሰርናንዩ ዝበለ ሐፋሽ ከምዘይ ተበጀወ‘‘

ዩሁዳ ልኡኽ ኣስራተ ካሳ እወ ንሱ

ንተሐኤ ናይ ኣስላም ውድብ ኢሉ ከሲሱ

ንደቀባት ኣስላምን ክስታንን ኢሉ ኣፋሊሱ

ድሕሪ ነጻነት ብባድመ ኣሳቢቡ ዳባትና ኣፍርሱ

ደም ንጹሃት ህዝብን መንእሰያትን ኣፍሲሱ‘‘

ካብ ዓለምና ፈልዩና ማዕጾና ዓጽዩ

ኢድ ደቀባት ብደም ኣጠልቕዩ

ናትና ተመሲሉ ኣብ ህድሞና ኣድብዩ

ን29 ዓመት ንኤርትራዊያን ኣድምዩ‘‘

ኮኾብ የማነ ብሽም ሰማእታትና ዝቓኒ

ኣይመርጽ ኣምረጽ ስደተኛ ገርካኒ

ልሳን ውጽዓት የማነ ነይርዎ መምዘኒ

ኢሉና ነሩ ያዋህ ኤርትራዊ ስምዓኒ

ዓፍራ ከይትረግጽ መሲሉካ እምኒ‘‘

ምክልኻል ሐይልታት ኣብልዎ ድፍእ

መንእሰይ ንነብስኻ ሞ ሐራ ኣውጽእ

ንኣብ ኣንደር ዘሎ እሱር ሐራ ክተውጽእ

ምስ ወሰንካ ኢኻ ንህዝቢ ሐራ ተውጽእ

ምስ ወሰንካዩ ለውጢን ሐርነትን ዝመጽእ‘‘

ምስ ጸበቦም ንዓዋተ ይዝክሩ

ብኣዳልን ብቶጎሩባን ይግዕሩ

መራሒ ጃንዳ ጽንሕ ኢሉ

ኣይከሰርናን ይብል ዶብ ሰጊሩ‘‘

መንዩ ንሱ ደም ዝቀለቡ ከም ቁርዲድ

ደም ንጹሃት ጀጋኑና መዓስ ይሰድድ

ብደገን ብውሽጥን ምስ በልና ብድድ

ንከዳዓት ኣብ ሕጊ ኣቅሪብና ንፈርድ‘‘

ሽዑ ዋጋ ናይ መስዋእትነት

ኤርትራዊ ባይቶ ብማእከልነት

ብመኣዲ ሾሞንተ ምስ ቆመት

ባርነት ምስ ከይተተከኤ ብሐርነት

ክኸውን ዩ ናይ ዘለኣለም ቅሳነት‘‘

ስዉኣት ብጾትና ኣብ ጎቦ ኣብ ሩባ

ዝፈሰሰ ደምኩም ኣብቊሉ ዕባባ

ኤርትራ ግና ኣይቐሰነት ምስ ህዝባ‘‘

ሰማእታትና ንሃገሮም ንሂወቶም ዝመነኑ

ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ጀጋኑ

ኤርትራ ንኤርትራዊያን ኢሎም ዝተበጀዉ

ከዳዓት ደቂ ሃገር ናብ ሕጊ ምስ ቀረቡ

ኣስማቶም ኣብ ሐወልቲ ክንርእዮ ኢና ወቂቡ‘‘

ክሳብ ማዓስ ብሽም ሰማእታትና ክትሽቅጡ

ካብ ራስ ቄሳ ክሳብ ራስ ዲሜራ ብምድሪ

እወ ኤርትራዊያን ኢና ደቂ ቀይሕ ባሕሪ

ወዲ ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽዩ ወትሩ ነባሪ‘‘

ታሪኾም ናብ ውሉድ ወለዶ እንዳ ሰገረ

መንዩ ንሱ ኣይከሰርናን ዝብል መልሕሱ ዕረ

ዕንደራ ጃንዳ ህግደፍ ምስ ኮነ ነበረ ያ ነበረ

ተሰንዱ ክነብር እዩ ታሪኽ ጀጋኑ ደቂ ኤረ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።