ንነጸነት ንዓመታት ዝኸርተቱ

ገለ ሰንኪሉ ገለ በጅዩ ሂዎቱ

ድሕሪ 30 ዓመት ተዓዊቱ

ማፍያዊ ጉጅለ 29 ዓመቱ

ብኢዱ ስልጣን ዓትዒቱ

ህዝቢ ዓገብ ከይብል ተለኺቱ‘‘

 ኣበይ ኣለዉ ጽንዓት ሐበን ዝተጸዉዑ

ዋርሳይ ኣቦን ኣደን ደም እንዳ ነብዑ

ጀብሃ ግንባር ነበር እዚ እንዳ ሰምዑ

ዓቢ ኑኡስ ነበረ ያ ነበረ ዘውግዑ‘‘

ሱሳ ሐሊፍናዮ ቀሪብና ንሰብዓ

ኣደታት ጀጋኑ ደም እንዳ ነብዓ

ወርጠበ ሎሚ ምስ ኮነ ዘርባዕባዓ‘‘

ንሕድሪ ስዉኣት ካብ ጠለሙ ጭፍራ

ህዝባ ካብ ጃንዳ ህግደፍ ክኸውን ሐራ

ደቂ ሱሳ ደቂ ሰብዓ ስለ እታ ኤርትራ

ዕድመና ክንመልሶ ዶ ናብ ደቂ ዕስራ

ኣዕዋፍ ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ

ኣብ ገጠር ከተማ መዝሙር ሐርነት ክዝምራ‘‘

ንሑቡኣት ህግደፍ ክተናዝዙ

ደቂ ኤረ ክንዲ ሽሕ ክትመዙ

ንበትሪ ኣብ ፍርቃ ኣይትሐዙ

ናይ ሐሶት ጀጋኑ ኣፎም ክሕዙ‘‘

ካብ ዘረባ ክንሰግር ናብ ግብሪ

ዑፈይ ንመለይ ሕዝኪ ብረሪ

ብሕጓ ኣቲኺ ንህዝቢ ሐብሪ

ኣለዋና ኣለዉና ኢልኪ ጨድሪ‘‘

ብግዲ ኣይንኣምንን እንቢ

ክፈርስዩ ናይ ህግደፍ ዕርዲ

ኤርትራ ንደቀባታ ንደቂ ዓዲ

ንጃንዳ ህግደፍ ናብ ፍርዲ‘‘

ንተንቤባይ ምስ ጃንድኡ ብዱላ

ኣሻሐት ሙሩጻት ዝወደቑላ

ኤርትራ ዘይትረኽቦ ዘይብላ

ኣይከሰርናን እንተበለ ብደበላ

ህግደፋዊያን ኮቦሮ ሒዝካ ዝላ

ምስ ወግሔ ኣኪብካ ናብ ሸላ‘‘

መንዩ መሪሕ ሃገር ኤርትራ ኢሉ

ንተንቤናይ መን ቆጽሊ ኣውዲቑሉ

ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ግንባር ተባሂሉ

ብሽም ዲሞክርስን ፍትሕን ጠቕሊሉ

ንባይቶ ህ,ግ,ደ,ፍ ኣፍሪስዎ ባዕሉ‘‘

ንብዓት ሐርገጽ እንዳ ነብዔ

ንደቀባት ኤርትራ ዘዘንገዔ

በየናይ ቅዋምዩ መራሒ ዝተጸወዔ

ቅድሚ ጀበርቲ ንራሻይዳ ምስ ሰርዔ

ዕላሙኡ ሃረሙ ኣፍልቡ ዝወቕዑ‘‘

ደቀባት ኣለና ኣይሐዘናን ጋህሚ

ትም ዝበሉ ሎሚ

ሃገር እንዳ ወሐጣ ሰልሚ

ካብ ተረፍ መረፍ ጉጅለ ጠላሚ

ካባኹም ለውጢ ምጽባይ ሕልሚ

ኒሕ ኣሎ ኣይተጸንቀቐን ቲ ዓቕሚ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ብኣባል ተ,ሐ,ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።