ያኣክል ኢልና ሱር ከይሰደደ

ዓገብ ኢልና መንእሰይ ከይተሰደደ

ኣንጊህና ንሕጊ ጫካ ከየሰወደ

ወላድ መኻን ከይኮነት ኤርትራዊት ኣደ’’

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመት ብደሙ

ኣብ መስከረም ዝተጠንሰ 91 ተዛዚሙ

ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ንሱ ስለ ዘይነበረ ሕልሙ

ብሕጊ ጫካ ንህዝብና 31 ዓመት ኣዳኺሙ’’

እወ ንዓድና ኤርትረያ

ኢሰያስ ምስ ጉጅሉኡዩ ኣባያ

ንድሕነት ህዝባ ንበል ጉያ ጉያ’’

ጉጅለ ኢሰያስ መተካእታ ደርጊ

ፋሽሽታዊ ህግደፍ ወትሩ ዘርጊ

ምምሕዳር ጭካ በረኻ ኣልቦ ሕጊ’’

ክሳብ ማዓስ ብጭፍራ ህግደፍ ክንዛረብ

ደንካልያ ኣከለጉዛይ ሰራየ ሐማሴን ንሕሰብ

ሰንሒት ሳሕል ሰምሃር ባርካ ሕጂ ክንላዘብ

ንድሕነት ህዝባ ኣብ ሐደ ባይቶ ንተኣከብ’’

ኢድ ለሚሳ ነዊሐ መልሐስ

ብክልተ ጎራሕት ኣትዩና ንፋስ

ህግደፋዊያን ሰዂዖም ትንፋስ’’

ነቶም ንጹር ዕላማ ዘለዎም ክተሰልክዩ

ገለን ብስዉር ምስ ጉጅለ ህግደፍ ይጎዩ

ገለን ብእዉጅ ምስ ጉጅለ ህወሐት ይዓዩ

ህዝብና ውዲታዊ ሐግዝ ኣይደልንዩ’’

ዘርእና ክንሐፍስ እንዳ ተጸበና ሐሪሩ

ጎዲሙ ዝነበረ ኣጽፋር ህግደፍ በሊሑ

ዝቀደመን ዝደሐረን ንምድኻምና ሰሪሑ’’

ኣብ ዳስ ህግድፍ ትስዕስዕ

እንዳ ረኤኻዮ ህዝቢ ክነብዕ

ተሐታቲ ምዃንካ ኣይትረስዕ’’

ንኣምለኽቲ ኢሰያስ ኣይትእመኑ

ጽጋና እንበር ለውጢ ዘይኣምኑ

ብሐደ መስከረም መዓስ ይሕበኑ’’

ሐደ መስከረም ኢልካ ቶጎሩባ

ደም ጀጋኑዩ ፈሲሱ ኣይኮነን ጸባ

ኤርትራ ብኢሰያስ መዓስ ዓንቢባ

ብህግደፍ ደም ይነብዕ ኣሎ ህዝባ’’

ፍትሒ ይንገስ እንቢ ንምልኪ

ተወሳኺ እንበር ኣይኮነን ወሳኒ

ሐደን መሰንቆ ህወሐት ይቓኒ

ገለን ምስ ጃንዳ ህግደፍ የዕነኒ’’

ሕልሚ ኢትዮጵያ ኤሊት ባሕሪ

ጠሊሙ ናይ ስዉኣትና ሕደሪ

ኣይከሰርናን ዝበለ ከዳዕ መዳናገሪ

ብዩሁዳ ኣስመራ ዕባይ ሲኢና ክብሪ

ኤርትራ ዓደይ መንገዲ ሐርነት ሐብሪ’’

ኤርትራዊያን ውሽጥኹም ፈትሹ

ብውዲታዊያን ታሪኽና ከይነባላሹ

ካብ ሑሉፍ ንመሃር ኣይንዓሹ’’

ብሐደ መስከረም ታሪኻዊት ዕለት

ኣብ ኣዳል ዝተወለዔት ሽግ ሐርነት

ንጀጋኑ ሰማእታትና ይግብኦም ክብረት

ቃልስና ቀጻሊ እዩ ካሳብ ፍጹም ዓወት’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን ገጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 12 09 2022