ሕጂ ውን ብውድብ ተሐኤ ዳግማይ መጸዋዕታ

ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክንወርድ ኣብ ባይታ’’


ናይ ሰለስተ ጎራሐት ተዋስኦ

ንህዝቢ ኤርትራ ክነጥፍኦ

ሕልምታቶም ንመን ይጠፍኦ’’

 

ኤርትራዊያን ከም ዓለምና ርስትና ብግብሪ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣለና ወ ኣፍደገ ባሕሪ

ጉጅለ ኢሰያስ ዝጠለሙ ናይ ጀጋኑ ሕድሪ

ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን ነባሪ’’

 

ዋህዮ

ኣብ መንጎ ደቀባት ሐዊ ምእጓድ ሕደግዮ

ዋህዮ

መልሐስኪ ሐሶት ካብ ምንዛሕ ኣርምዮ

ዋህዮ

ንህዝቢ ኤርትራ ብእዋኒ እቅሬታ ሕተትዮ’’

 

ምስ መራሕቲ ህግደፍ ሃውቲታ

ወያ ዋህዮ ሽማ ለዊጣቶ ብዋልታ

ንጽንተት ዓደቦ ትብል ኣላ ቱታ’’

 

ተዛረብቲ ብሌን ዶ ክብለኩም ተዛረብቲ ትግረ

ተዛረብቲ ትግርኛ ዶ ክብለኩም ተዛረብቲ ሳሆ

ተዛረብቲ ኩናማ ዶ ክብለኩም ተዛረብቲ ሕዳረብ

ተዛረብቲ ዓፋር ዶ ክብለኩም ደቀባት ኤርትረያ

ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ ብስኒት ጉየያ

ኤርትራ ካብ ጥንቲ ብደቀባታ ወትሩ ኩርዕቲ እያ

ካብ ርስትናንን ባሕርናን ኣይንህብን ዋላ ኩባያ’’

 

ብ66 ዝተሰለፈ ኢሰያስ ጸረ ገድሊ

ንኣስላምን ክስታንን ብሃይማኖት ክፈላሊ

ተጋደልቲ ነበር ዶ ክብለኩም ካድራት ገድሊ

ወሲንና ኣይከኣልናን ንጉጅለ ህግደፍ ክንኣሊ’’

 

ዘይቀንእ ኣይወለድ ድዩ ዝተባህለ ደቂ ኤረይ

ኤረይ እንዳ ፈለጥክዮ.ቲ.ቆለይ ቲ ሕማመይ

ጭርሖና ከምቲ ናይ ትማሊ ንመሰለይ ባዕለይ’’

 

ስለምንታይዩ ፍትሐዊ ቃልሲ ዘይተዓወተ

ህዝቢ ኢደይ ኢድካ ኢሉ ስለ ዘይመከተ

ሐርበኛ ቀላሲ ሲኢኑ ከም ጅግና ዓዋተ’’

 

ኣንፈትና ክተስሕቱና ህርዲግ ኣይትበሉ

ዕድመን ጥዕናን ዝሃቦ ዘበለ ኩሉ የርክበሉ

ምስ ወግሔ ኣብ ቅድሚ ሕጊ የለን ኣሉ

ህግደፍ ምስ ፈረሰ ንህዝብና ክወግሐሉ’’

 

ትማሊ ምስ ህወሐት ሎሚ ምስ ብልጽግና

ምግምጣል ያኣክል ኢድኩም ኣክብልና

ብደገን ብውሽጥን ብስኒት ምስ ተበገስና

ዓሕ እንዳበሉ ዝጽበዩ ኣለዋና ኣለውና

ንለውጢ ጸረ ህግደፍ ኤርትራዊያን ባዕልና’’

 

ገ እንዳበሉኻ ዶ ትጋገ’’ሕቶ መንዩ ቲ ጅግና’’እቲ ኣብ ባይታ ሐንጺጹ 30 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ በዓቲ ዝተሐኤ ዶ’’ እቲ ትእዛዝ ተቀቢሉ ሰራዊት መሪሑ ታሪኽ ሰሪሑ ምስ ብጾቱ ዝተሰወኤ ዶ’’እቲ ምስ ኢሰያስ ኮይኑ ንጅግንነት ኤርትራዊያን ከዲዑ’’ምስ ጉጅለ 15 ዓገብ ዘይበለ’’ ብኢሰያስ ጀነራል ምስ ተረሮቕሔ’’ህዝቢ ክባታተን ኣገልጋሊ ኢሰያስ ኮይኑ ብውግእ ወረ ውግእ ን32 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘሰከሔ’’ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ ሞ ጸግዒነት ገዲፍና ሐቂ ንፍቶ።

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ኣገልገልቶምን’’ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም ብ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 16 01 2024።