ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ
ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
ገብሪሂወት ማሐሪ ዓሪፍካ ዶ
ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ከበዶ
ንዓዲ ቀይሕ እንዳ ጥመተ ብማዕዶ፣
ተጋደልት ተሐኤ ንደርጊ ከሊኦም ሩፍታ
ኣብ 75 ካብ ቋሐይቶ ብማዕዶ ክትጥምታ
ሐርበኛ ተቃሊስካ እወ ንኤርትራ ንነጻነታ፣
ኣፋል ኢሉ ንጎባጢት ኢትዮጵያ
ንሰርጀንቲ ናይ ፖሊስ ምስ ደርበያ
ካብ ዓዲ ቀይሕ ንቋሐቶ ዝደየበ ብጉያ፣
ምስቶም ንነጻነት ኣንጊሆም ዝወፈሩ ጀጋኑ
ምስ ብጾቱ ዝሐርነ ኣብ ኣኽራናት ቋሐይቶ
ንሐርበኛ ዝተቃለሰሉ ዓደቡኡሃ ምስ ሐርበቶ
ንወደቦይ መሐሪ ዓለም ብገፋሐ ዝጸበበቶ
ካብ ተበገስካስ ኣብቲ ገፊሕ ሰማይ እቶ፣
ሐደ ካብቶም ኣብ ቋሐይቶ ዝጸንሑኻ
ወየ ዕጫ ሐርበኛታት ብጾት በጺሑኳ
ንወደባት ሐመድ ዓዲ ቀይሕ ዝሐረመካ
ወየ ወየ ኣብ ሃገር ጀርመን እታ ዝዕቆበትካ
ወየ ወየ ኣብ ካሰል ካብ ኮነ ሐመድ ድበኻ፣
ኣይጠዓመንን እሞ ይብል ኣለኹ ወየ ወየ
ብማዕዶ ክፋነወካ እንዳበልኩ ሐወየ ሐወየ
ወየ ብሰላም ዕረፍ ሐርበኛ ኣያየ ኣያየ፣
ንሙሉኣት ስድራ ቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሊ ይግደፈልኩም ንመዋቲ ንገብሪሂወት መሐሪ ድማ እቲ፣የዋህ ኣምላኻና ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፣በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ኡሉም ጀርመን።