ተሞክሮ ሰውራ ኤርትራ ከም ዘራጋግጾ ሕቶ ሓድነት ማእከላይ ዕላማና’ዩ እናተባሃለ ኣብ ተግባር ግን ውድባት  ኤርትራ ጸረ-ገድሊ፡ዓማ ሓራዲት ቀንጻሊት እናተባሃሃላ እየን መጺኤን ፡፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ክልተ ዓበይቲ ውድባት ዝነበራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን «ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጻውርን’ዩ »ዝብል ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ ነይሩ ፡፡ዋላኳ ኣብ ናይ ተሓኤ ኣብ ካልኣይ ሃ/ ጉባኤ እቲ ጸረ-ሰውራ ዝብል ጌጋ ምዃኑ እንተተገምገመ ኣብ ባይታ ግን እቲ ሽም እናተጥቕማሉ እየን ቀጺለን፡፡

ኣብ ሕቶ ሓድነት ክልቲኡ ውድባት ዝተነጸረ ፖሊሲ ዋላ እንተዘይነበረን ፡እታ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ኣድሓርሓሪት እናተባሃሃላ እየን ሓሊፈነኦ፡፡ብዛዕባ ክምስረት ዘለዎ ዝምድናን ኣመልኪተን ድማ፡-

ብወገን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ «ብምህሃድ ሓሊፍካ ናብ ሓደ ምምጻእ » ዝብል ኮይኑ፡ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ኣብቲ እዋን’ቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ « ንሕና ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ስለ ዘለና ሓድነት ክንገብር ኣይንኽልን» ብዝብል እቲ ተቓራሪብካ ምስራሕ ናይ ልቢ ስለዘይነበረ፡ እቲ ርኽክባትይኹን ተሓጋጊዝካ ንጸላኢ ምውቓዕ  ዝብል፡ ጅምር -ጥፍእ እናበለ ፡ዝኸይድ ስለዝነበረ፡ብሰንኪ ዘይብቑዕ ኣታኣላልያ መራሕቲ ውድባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኵናት ሕድ-ሕድ ተኻይዱ ፡ኣብ መወዳእታ ብስንኪ ህ.ግንባርን ህውሓትን ሓባራዊ ምሕዝነት ገይረን እቲ ውግእ ስለ ዝቐጸለ ፡ብቐነዱ ካኣ ብሰንኪ ሕመቕ መሪሕነት ተሓኤ ገዚፍ ሓይሊ ተሓኤ ናብ በረኻታት ሱዳን ክትኣቱ ተገዲዳ፡፡

እቲ መዐቀኒ ብወታሃደራዊ ሓይሊ ስለዝነበረ ምስ ኩለን ሃገራውይን  ሓይልታት  ከመይ ሓቢርካ ትሰርሕ ዘብል ኩለን እተን ውድባት ጸጸረን ይድርብያ ዘይኮነ፡ ነተን ካልኦት ውድባት ናብአን ክኣትዋ ዳኣምበር ብሓባር ከመይ መስአን ይቃለሳ ይሪኣ ስለዘይነበራ፡ እቲ ስምምዕ መብዛሕኡ እዋን ብተናጸል እንተዘይኮይኑ ብሓባር ዝሪኣሉ ኣይነበረን፡፡ ኣብ 1980 ግን ኣብ ቱንዝያ ንካልኦት ውድባት ዝሓወሰ ዘተ ተኻይዱ ነይሩ፡ እዚ ብኣውንታ ዝረአ ኮይኑ ግን ካኣ ኣይቐጸለን፡፡

ኣብ ውሽጢ እተን ውድባት እውን ብሰንኪ  ደሞክራስያዊ ኣታኣላልያ ስለዘይነበረ፡እናሻዕ ምፍንጫላት ነይሩ እዩ፡፡ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ግዜ ግን እንተወሓደ ኣብተን ካብ ህ.ግ. ወጻኢ ዝነበራ ውድባት ክዛተያን ፍልልያተን ብግቡእ ኣቐሚጠን፡ በቲ ዘራኽበን ክቕጽላ ይውስና ነይረን ፡ግን ካኣ ናብ ዝተጨበጠ ስሙር ግንባር ሰጊረን ከምቲ ዝድለ ለውጢ ኣየምጻኣን፡፡

ካልእ እውን ኣብዚ ከይተጠቅሰ ዘይሓልፍ ገለ-ውድባት ስሉሳዊ ሓድነት ገይርና ኢለን ይተኣኻኸባ ግን ካኣ ፡ቦታ ሓላፍነት ምክፍፋል መስበጽሓ ምኹራይ ናይ ሓለፍቲ ምስ ኮነ እቲ ምትእኽኻብ ከይተዓወተ ተሪፉ፡፡ እዚ ግቡእ ናይ ስሙር ግንባር መንገዲ ተኸቲለን ስለ ዘይከዳ እዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ መጀመርትኡንኹለን ውድባት ኣይጸዋዓን፡ብናይ ወጻኢ ድፍኢት ዘቖመን እዩ ነይሩ፡፡

* ኣብ ከባቢ1985-86 ንዳሓር ዘሎ ግዜ ግን እንተዋሓደ ኣብተን ካብ ህ.ግ.ወጻኢ ዝነበራ ውድባት ክዛትያን ፍልልያተን ብግቡእ ኣቐሚጠን፡ በቲ ዘራኽበን ዝተወሰነ ስርሓት ይሰርሓ ነይረን ፡ ግን ካኣ ናብ ዝተጨበጠ ስሙር ግንባር ሰጊረን ከምቲ ዝድለ ለውጢ ኣይምጽኣን፡፡

ህ.ግ. ካኣ ብዓቢኡ እቲ ናይ ተሓኤ «ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን እዩ» ዝብል  ዝነበረ  ብዝኸፍአ ኵናት ሕድ-ሕድ ዝተሰነዮ ምስ ውድባት ክሳብ መወዳእታ ቀጺላቶ፡፡ድሕሪ ውድቀት ደርጊ እውን ህ.ግ. ነቲ ናይ ውድባት ብናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም ዝብል ስለዘይተቀበለቶ፡ እተን ብተቓውሞ ዝቕጽላ ዝነበራን ዘለዋን ውድባት ፈተነታት ስሙር ግንባር /ኤርትራዊ ግንባር ንሃገራዊ ቻርተር /ኤመሃቻ/ ተጀሚሩ ፡ቀለሙ ከይነቀጸ ፡ዝተወሰና ናብ ኣስመራ ክኣትዋ እንከለዋ፡እተን ዝተረፋ ውድባት ካኣ ንዝተወሰነ ዓመታት ቀጺለን እኳ እንተነበራ ፡ ዝተፈላለየ ምኽንያት እናሃባ እቲ ግንባር ኣይቀጸለኦን፡ ከይተዓወተ ተሪፉ፡፡

* ኣብ 1999 እውን ሃገራዊ ምሕዝነት ዝባሃል፡ክሳብ ውልቀ-ሰባት ዝሓወሰ ፡ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ ምስ ክንደይ ዓንፍቀፉ ፡ ናብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዝባሃል ተሳጋጊሩ ካብ ብዙሓት ስቪል ኣባላት ዝተሳተፍዎ በጺሑ ፡፡ብድሕሪኡ እውን ምስ ገለ ውድባት ተሓባቢሩ ክሰርሕ ጀሚሩ እኳ እንተሎ፡ብውሽጣዊ ፍልልያት፡ማለት ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ናብ ትግራይ ኣትዩ ምውቕዑ ፡ኣብ ሰለስተ ተኻፋፊሉ፡እቲ ሓደ ሸነኽ «ወያነ ናብ ኤርትራ ኣትያ ክትወቅዕ እንተተበጊሳ ዋላ መንግስቲ ህግደፍ ምልካዊ ይኹን ኣብ ጎኑ ክነስለፍ ኢና» ዝብል፡ምስ ጸላኢ ዝወገነ ርአይቶ ኣስሚዑ፡

እቲ ካልኣይ ሸነኽ ፡« ንሕና ንወያነ ኣይንድግፍ ንህግደፍ ክልቲኦም ናይ ውሽጣዊ ጉዳዮም ዘበገሶ ውግእ እዩ»ክብል እንከሎ፡

እቲ ሳልሳይ ሸነኽ ካኣ  ዝኾነ ንፍትሒ ዝጭፍልቕ ኣብ ዘይምልከቶ ጣልቓ ዝኣተወ ንህግደፍ ብምኹናን፡ ናይ ዶብ ጉዳይ ስምምዕ ኣልጀርስ ክትግበር ዝተቐበለ እዩ፡ኣብ ሰለስተ ኮይኑ ተፋፊሉ ፡፡ ክሳብ ሕጂ’ውን ነዚ ብግቡእ ኣማሓዲሩ ፡መወገኒ ክገብረሉ ስለዘይካኣለ እቲ ግንባር ኣብ ሓውሲ ደውታን፡ ኣብ ዘይኣድማዒ ኩነታት ኣትዩ  ይርከብ፡፡

* እተን ካልኦት ውድባት እውን ካብ 2002 ንድሕሪት ዘሎ ግዜ፡ብስም ሃገር ምድሓን ዝብል ንፖለቲካዊ ሃልኪ ቀጻልነት ዘይብሉ፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምድስካል ዝብልን ገለ ውድባት ካኣ ምስ ዝኾነ ሓድነት ምግባር ፡ክሳብ ሓደ ውድብ መግባር ተገይሩ ፡ነዊሕ ከይከደ ካኣ ዳርጋ መብዛሕትኡ ነናብ ዝነበሮ ውድባቶም ተመሊሶም ዘይቅኑዕ ናይ ሓድነት መንገዲ ስለዝነበረ ፈሺሉ እዩ፡፡

* ኣብዚ ቀረባ ግዝያት እውን እቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኻ ምድስካል ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ምህናጽ ዝብል ዘይቁኑዕ ፈተነ ንኩሉ ሃገራዊ ሓይልታት ዘየሳትፍ መንገዲ ስለዝነበረ ኣይተዓወተን ፡፡ስለምንታይ ግን ሕጂ’ውን ዝሓለፈ ከይተገምገመ ፡ኣብቲ ዝሓለፈ ይደጋገም ዝብል፡ ብወገነይ፡ብልክዕ እቲ ከመይ ገይረካ ብሓባር ትቃለስ፡ንፍልልያትካ ብኸመይ ተማሓድሮ፡ስለ ምንታይ ይፈሽል ኣሎ ዝብል ፡ቅኑዕ መንገዲ ስለዘይሓዘ እዩ እብል ፡፡ከምኡ ካኣ ንውድቀትካ ምቅባል ከም ስዕረት ገይሮም ስለዝርእይዎ ፡፡

* ኩሉ ግዜ ሃገር ንምድሓን ተባሂሉ ብእንተሰለጠ ዝስራሕ ስለዝኾነ፡

*እቲ ብኣፍ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ኣብዝሓ ሰልፍታት /ፓርትታት / ዘፍቅድ ስርዓት ክትከል ዝብል ሕጂ ውድባት / ግንባራት / ፍልልያተን ከመሓድራ ዘይምብቃዕ ምኽንያት፡መንጸብረቕታ፡ናይ ሎሚ ፡ናይ ጽባሕ እዩ፡፡

* ካብ ብሕጂ ነዚ እንተዘይተገዚኤናሉ፡ ጽባሕ ፡ እቲ ስርዓት ምስ ወደቐ’ኸ ከመይ ኢሉ ሽዕኡ ፉሉይ ባህሪ ክጽእ ይኽእል ?

* ፍልልያትካ እናማሓደርካ ፡ግን ካኣ ህዝቢ ክፈልጦ ምግባር ናይ ደሞክራሲ ሓላፍነታዊ ብዝኾነ መግለጺ እዩ፡፡ምኽንያቱ ህዝቢ፡ኣማራጺ ክርኢ ክኽእል እንታይ እዩ ፍልልየን ክፈልጥ ኣለዎ፡፡

*ኣብ መንጎኻ ዘሎ ፍልልይ፡ ካልኣዊ ክሳብ ዝኾነ ከም ጸላእቲ ምርእኣይ ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዝሃስ’ዩ ፡፡ብኣንጻሩ ካኣ፡ናብ ጸላኢ ዝወገነ ፡ምንቕስቓስ ከይንጎድል ተባሂሉ ተናሓሒፍካ ምኻድ ነቲ ቃልሲ ኣዝዩ ዘልምሶ እዩ፡፡

* ብገለ ኣካላት ካብ ህግደፍ ዝኸፍአ ስርዓት ኣይመጽእ እዩ ዝብል እውን ይስማዕ’ዩ ፡እዚ ነቲ ንሶም ዝደልይዎ ጥራሕ ንምትግባርን ምሽፋንን’ዩ ፡ካልእ ህግደፍ ከይመጽእ እንታይ ውሕስነት ኣሎ ?

* ናይ ቀረባ ናይ ብዙሓት ሃገራት፡ ቱንዝያ፡ግብጺ፡ ሊብያ፡የመን፡ስርዓት ናይ ምቅያር ከምዝተራእየ ለውጢ ከምዘይምጽእ እዚ ንዓና ዓቢ ተሞክሮ እዩ፡፡ምኽንያቱ ናይ ሰባት ምቅያር እምበር ናይ ኣታሓሳስባ ለውጢ ኣይመጽእን ፡፡

* ሕጂ ካኣ፡ነተን ናይ ኣቐዲመን ዝጸንሓ ውድባት እናነቀፉ፡ግን ካኣ ንውድባት ቀሪቦም ኩላትና ብሓባር ብኸመይ ንሰራሕ፡ኣብከነዲ ምባል፡ካብቲ ናይ ህ.ግ.ዘይፍለ  «ኩሉ ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ሰራዊት » ዝብሎ ዝነበረ ፡ሎሚ እውን ናባና እተዉ እምበር፡ ኩሉ ይምልከተኒ ዝብል ኤርትራዊ ባዕሉ ተማኻኺሩ፡ ሰፊሕ - ዘተ ገይሩ ከመይ ተዋሃሂዱ ይሰርሕ  መንገዲ እንተዘይሒዙ፡ ሕጂ’ውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ዋጋ ከኽፍል’ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ሕማቕ ኣንፈት ከየምርሕ ክረአ ዘለዎ’ዩ ፡፡እዚ ከምዚ ዓይነት ናባና እተዉ ዝብል ናይ መለኽቲ ባህሪ መቐጸልታ ናቶም ስለ ዝኾነ ፡ህዝብና ብንቕሓት ከስተብህለሉ ኣለዎ እብል ፡፡

       ሓቐኛ ሓድነት ሓይሊ እዩ !!

            ካብ ተኽሉ ቀሺ