Four OrganisATIONSኣብ ታሕቲ ኣስማተንን ክታመንን ኣንቢረን ዘለዋ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብመሰረት ዕድመ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበር ሕትመትን ትምህርትን ኤርትራ፡ ካብ ለካቲት 2020 ጀሚረን ብደረጃ መሪሕነታዊ ኣካላተን ርክባት ከካይዳ ጸኒሐን። እዚ ርክባት መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታትን ተበግሶታትን፡ ከም ዋዕላ ሚኒሶታ፣ ንቕሎ ኣዴታት፣ ጠለባትን ምትብባዕን ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኰይኑ፡ ብትሕዝቶኡ ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን እዋንዊ ጠለባቱን ዝገምገመ፡ ንተመክሮታት ደምበ ተቓውሞ ኣወንታውን ኣሉታውን ጐድንታቱ ብወድዓዊ መንገዲ ዝዳህሰሰ ነበረ። ኣብ ጉዕዞ ምይይጣቱ ከኣ፡ ናብ ምዕዋት ሓባራዊ ዕዮ ዘድሃበ፡ ናይ ሓድሕድ ምክብባር ዝዓዘዞን፡ ዘይኣግላሊ መንፈስ ዝሰረጾን ኰይኑ ክቕጽል ጸኒሑ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ልዝብን ምርድዳእን፡ ዝተጠቕሳ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ዝስዕብ ሓባራዊ ውሳኔታት ብምሉእ ድምጽን ዕግበትን ኣጽዲቐን፤  ዝያዳ ንምንባብ ኣብዚ ምሉእ ሓሳብ'ዚ ብድርብ ጠውቑ(ቓ)