“ሎሚ ዓመት 2,296 ተመሃሮ ካብ ኮለጃት ተመሪቖም”። እዚ ብረቡዕ 7 ነሓሰ 2024 ካብ ዝወጸ፡ መበል 33 ዓመት ቁ 293 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደ ኣርእስተ ዜና እዩ። ኤርትራ ሃገር‘ምበር ወረዳ ኣይኮነትን። እቲ ህዝቢ ድማ ልዕሊ 9 ብሄራት ዘለውዎ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝብታት‘ምበር ናይ ሓደ ወረዳ ህዝቢ ኣይኮነን። እተን ኣመሪቐን ዝበሃላ ዘለዋ ኮለጃት ከኣ በቲ ንገዛእ ርእሱ መንግስቲ’የ ኢሉ ዝገልጽ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝውነና ትካላት‘ምበር፡ ናይ ብሕቲ ኮለጃት ኣይኮናን።
በዚ መሰረት ሽዱሽተ ኮለጃት 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ክበሃል እንከሎ እንታይ የመልክት? ምዕባሌ ስርዓተ ትምህርቲ’ዶ ወይስ ውድቀት? ኣብ’ተን ዝማዕበላ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከይከድና፡ ኣብ ቀረባ ጎሬባብትና ብፍላይ ከኣ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ብድሕረትን ድኽነትን ክወራዘየለን ዝስማዕ ሃገራት፡ ብመንግስቲ ካብ ዝውነና ኮለጃትን ዩኒቨሪሲቲታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ኮለጅ ዓመታዊ ብውሕዱ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ተመሃሮ ኣብ ዝምረቕሉ ወቕቲ፡ 6 ኮለጃት ኤርትራ 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ዝብል ዜና ምስማዕ የሰንብድ። ብመደብ ንህዝብታት ኤርትራ ንምድንቋር ይስራሕ ከም ዘሎ የረጋግጽ።
እቲ ዜና ቀጺሉ “ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዝርከባ ሽዱሽተ ኮለጃት ሃገርና ሎሚ ዓመት ካብ 13 ሓምለ ክሳብ 3 ነሓሳ 2024 ኣብ ዘካየዳኦ ስነ-ስርዓት ምረቓ 2,296 ተመሃሮ ብናይ ድሕረ ምረቓ፡ ዲግሪን ዲፕሎማን ከምኡ’ውን ብቀዳማይ ዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቐን”። “በዚ መሰረት ኮለጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን 736 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን፣ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ 350 ብዲግርን ዲፕሎማን፣ ኮለጅ ምህንድስናን ተክኖሎጂን ማይ ነፍሒ 381 ብዲግሪን ዲፕሎማን፣ ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ 275 ብናይ ድሕረ ምረቓ ዲግሪ፡ ቀዳማይ ዲግርን ዲፕሎማን፣ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ ነፍሒ 260 ብዲግሪ፣ ኮለጅ ምድላው መማህራን ኣስመራ ድማ 294 ብናይ ድሕረ ምረቓን ዲፕሎማን ኣመሪቐን ኣለዋ” ዝብል ኣስፊሩ ይርከብ።
ኣብ ትሕቲ ዝንቡዕ ናይ ምምሃርን ምስትምህራን ፖሊሲ፣ ኣብ ትሕቲ ዝተበሃልካዮ ግበር ናይ ራዕዲ ኣገዛዝኣን ዓሚቕ ድኽነትን ዝነብር ስነ-ኣእምሮ፣ ሞያዊ ክብርን ግቡእ ክፍሊትን ብዘይረኽቡ መማህራን ዝወሃብ ትምህርቲ ጽፉፍን ዓይነታውን ውጽኢት ከም ዘይርከብ እሙን’ዩ። ኣብ ዓቐን ወይ ብዝሒ ናይ’ቶም ተመሃሮ መሰረት ገቢርና እንተገምጊምና ከኣ፡ ሃገርና ኤርትራ ካብ ሃገራት ዘይኮነ፡ ካብ ናይ ብሕቲ ትካላት ትምህርቲ ንኢሳ ምህላዋ ንምርዳእ ይከኣል። እቲ ዝተባህለ 2,296 ናብ’ተን ሽዹሽተ ኮለጃት ምስ እንካፍሎ ነፍስ ወከፍ ኮለጅ 382 ተመሃሮ ኣመሪቓ ኣላ ማለት’ዩ።
ሓንቲ ኮለጅ ናይ ክልተ፡ ሰለስተ ድዩ ሓሙሽተ ዓመት ዝወስድ ዓይነታት ትምሀርቲ ዝተኸታተሉ፡ ዓመታዊ ክልተ ሽሕን ልዕሊኡን ተመሃሮ ክትቅበል፡ ክትምህርን ከተመርቕን ይግባእ ነይሩ። ግን ከኣ ኣይኮነን። ነፍስ ወከፍ ሓላፍነት ዝስመዖ ኤርትራዊ ዜጋ ድማ፡ ከምኡ ዘይኮነሉ ምኽንያት፡ ካብ ቁጠባዊ ዓቕሚ ምንኣስ ድዩ? ጽበት ኮለጃት ድዩ? ዋሕዲ መማህራን ድዩ? ተመሃሮ ስለዘየለው ድዩ? ወይስ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝኽተሎ ዘሎ ቀታሊ ትውልዲ ዝኾነ ፖሊሲ ዝብል ሕቶ ብምልዓል ክግምግም፡ ክትንትን ምስጢሩ ብመረዳእታ ክፈልጥ‘ሞ ንምቕያሩ ብሕራነ ክቃለስ ይግባእ።
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ነቶም ተመሪቖም ዝበሃሉ ዘለው ተመሃሮ፡ ኣብ’ቲ ኮለጃት ኣብ ጉዳይ ማሕበራዊ መነባብሮኦም ከመይ ጸኒሖም፡ ዝተዋህቦም ትምህርቲ ኣብ ኣተሓሳስባኦም ዓይነታዊ ለውጢ ዘምጽእ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ገምጋምን ሚዛንን ንዓታቶም ገዲፉ፡ እንቋዕ ናብ’ዚ ኣብቀዓኩም እንቋዕ ሓጎሰኩም ይብሎም። ብሃገር ደረጃ እሞ ካብ ሽዱሽተ ኮለጃት 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቕና ዝብል ዜና ግን ንህዝቢታት ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ውድቀት ስርዓተ ትምህርቲ’ዩ። ደግሓኤ እዚ ውድቀት’ዚ ካብ ቁጠባዊ ዓቕሚ ምንኣስ፣ ጽበት ኮለጃት፣ ሕጽረት መሳለጥያ፣ ዋሕዲ መማህራን ዘይኮነ፡ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ብኹሉ ሸነኹ ናይ ምድቓቕ፡ ምድካይ፡ ምብትታን ብመደብ ካብ ዝሓዞ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ዝብገስ’ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለዎ።
እዚ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ’ዚ ናይ ግድን ክቕየር ኣለዎ። እቲ ፖሊሲ ክቕየር ድማ በዓል ቤት ናይ’ቲ ፖሊሲ ዝኾነ ገዛኢ፡ በተሓሳስባን ብተግባርን ክውገድ ኣለዎ። ካብ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዝምንጩ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ምልላይን ምኹናንን ቀዳማይ ስጉምቲ’ዩ። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባኡን ፖሊሲታቱን ብምውጋድ፡ ዝሓሸን ዝማዕበለን ስርዓተ ትምህርቲ ክህልወና ምግባር ናይ መወዳእታ ሸቶ ክኸውን ይግባእ።
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
16 ነሓሰ 2024