ምሁር ዝብል ኣምር ከም ኣምር ብህዝብታት ኤርትራ ዝወሃቦ ናይ ክብሪ ሚዛን ዝለዓለ’ዩ። ኣብ ክልኦት ህዝብታት’ውን ተመሳሳሊ ቦታ’ዩ ዘለዎ። ህዝብታት ኤርትራ ንትምህርቲ ዘለዎም ኣወንታዊ ባህግን ንምሁር ዝህብዎ ናይ ክብሪ ሚዛንን ከኣ፡ ካብ ሰናይ ድሌት ዝብገስ ኣድናቖትን ክብርን ዘይኮነስ፡ ትምህርትን ምሁርን መፍትሒ ጸገም ዝኸውን ሓሳባት ዘመንጩ፡ ሓደሽቲ ነገራት ንምምሃዝ ዘኽእል መሳርሒ’ዩ ካብ ዝብል ቅኑዕ ርድኢት ዝብገስ’ዩ። ሰብ ክመሃር ከመራመር ኣለዎ፡ ምሁር ድማ ዝግበኦ ምሁራዊ ሞያዊ ክብሪ ክረክብ ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ፊደል ዝቖጸረ (ምሁር) ካብ’ቲ ዘይተማህረ ሰብ ናይ ተፈጥሮ ፍልልይ ስለ ዘለዎ ኣይኮነን።

እንታይ ደኣ፡ ምሁር ስለዘንብብ ዝመራመር ኣብ ነገራት ዘለዎ ርድኢት ወይ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ፡ ካብ’ቲ ፊደል ዘይቆጸረ (ብተለምዶ መሃይም ተባሂሉ ዝግለጽ) ዝሰፍሐ፣ ዝዓሞቐ፣ ዝበሰለ፣ ናብ ሓቅን ስነ-ፍልጠትን ዝቐረበ’ዩ ካብ ዝብል ኩርናዕ ዝነቅል’ዩ። ቀዳሞት ወለድና ኣብ መንጎ ፊደል ዝቖጸረን ዘይቆጸረን ወይ ኣብ መንጎ ዝተማህረን ዘይተማህረን ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ “ ዘይተማህረ ኣየድሕን ዘይተወቕረ ኣየጥሕን” ክብሉ ብምስላ ገሊጸሞ’ዮም።

ኣብ መንጎ ምሁርን ዘይምህሩን ዘሎ ፍልልይ ግን ብልክዑ ክተሓዝ ኣለዎ። ካብ’ቲ ጭቡጥ ሓቂ ሚዛኑ ዝወረደ ዝተዛበዐ፡ ነቲ ሓደ ምንም ኣልፍጦ ዘይብሉ ባዶ፡ ነቲ ካልእ ከኣ ዝኾነ ጉድለት ዘይብሉ ብሱል ዝብል ግጉይ ኣረዳድኣ ከይህሉ ምጥንቃቕ ኣድላዪ’ዩ። ምኽንያቱ ፈደል ዘይቆጸረ ወይ ብተለምዶ መሃይም ተባሂሉ ዝግለጽ ሰብ ዝጠቕሞ ዝጎድኦን ኣይፈልጥን ኣይሓስብን ቅኑዕ ልቦና የብሉን ማለት ኣይኮነን። ከመይ የፍሪ- እንታይ የፍሪ፣ ከመይ ይሸይጥ-ይሽምት፣ከመይ ይመሓደር-ይነባበር፣ ከመይ ይዳንን ይዳነን ብደረጃኡ ናቱ ዝኾነ ፍልጠትን ብቕዓትን ኣለዎ’ዩ።

ዘይተማህረ ፈደል ዘይቆጻረ ውልቀ ሰብ ኮነ ሕብረተ-ሰብ፡ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ህይወቱ ክመርሓሉ ዝኽእል ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ ፍልጠት ኣለዎ። ካብ ዕለታዊ ምንቅስቓሱ ዝረኽቦ ፍልጠት ኣለዎ። ካብ ህጻንነት ክሳብ ሽምግለና ኣብ ዘሎ ጸጋ ዕድመ ዝረኽቦ ኣገዳሲ ተመክሮ ኣለዎ። ከም ሰብን ከም ሕብረተ-ሰብን እቲ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ዝረኽቦ ትምህርቲ ኣለዎ ….ወዘተ።

በዚ ዝተገልጸ ረቛሒታት ኣቢሉ ከኣ ንልግሲ ተፈጥሮ ናብ ጠቕሙ ንምቕያር እናተቓለሰ ህይወቱ ይመርሕ። ይወልድ ይዝምድ። ደቁ ተኸናኺኑ የዕቢ ናብ ቁም-ነገር የብጽሕ። ኣፍራይነቱ፡ ኣጠቓቕማኡን ደረጃ መነባብሮኡን ንምምሕያሽ ወትሩ ይጽዕር። ታሪኽ ይሰርሕ፡ ታሪኽ የውርስ። ከም ሕብረተ-ሰብ ከኣ ኣወንታዊ ክብሩን ባህሉን ዓቂቡ ብምትኽኻእ ይቕጽል።

ቀዳሞት ወለድና ከይተማህሩ ምሁራት ኣቢሉ ዘግልጾም ኣብ በበይኑ ከባቢታትን ማሕበራዊ ውዳቤታት ካብ’ዚ ዘመናዊ ሕግታትን መምርሒታትን ዝበሃል ዘሎ ዝበልጽ እንተዘይኮይኑ ዘይንእስ፡ ዝመሓደርሉ ዝዳነይሉ ዝተጻሕፈን ዘይተጻሕፈን ገዛኢ ባህላዊ ሕግታት ዝነበሮም ለባማት’ዮም ነይሮም። ቅንዕና ዝማእከሉ ብዘይ ኣድልዎ ብሓባር ብፍትሒ ናይ ምምሕዳርን ምንብባርን ልቦና ቀዳሞት ወለድና፡ ዋላ ከይሰርሕ ብወግዒ ዘይኮነ ብሰላሕታ ንምህሳሱ ይስራሕ እንተሃለወ፡ ኣሰሩ ግን መሊኡ ዝጠፍአ ኣይኮነን ህልዊ’ዩ። ንኣብነት ባህላዊ ሕጊ እንዳባ፡ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ስርዓቱን። ካብ ቅኑዕ ልቦና ዝብገስ ባህላዊ ሕግታትን ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓትን ንበይኑ ንኣድላይነት ትምህርትን ምርምርን ስለ ዘይምልስ ግን፡ ወትሩ ንትምህርትን ምሁርን ዝለዓለ ቦታ ክወሃቦ ይረአ።

ኣድላይነት ትምህርቲ ምርምርን ምሁራዊ ዓቕምን ኣብ ርእሲ’ቲ ሰብ ብምዃን ብተፈጥሮ ዝተዋህበ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ፣ ካብ ዕለታዊ ንጥፈታት፡ ሓደ ሰብ ካብ’ቲ ካልእ ዝርከብ ፍልጠት፡ ብውጥን ዝምራሕ ተወሳኺ ናይ ኣእምሮ ሃብቲ ዘጎናጽፍ ጸጋ’ዩ። ካብ ግምታዊ ኣፍራይነትን ምሕደራን ናብ ዝተጨበጠ ሓቂ ዝቐረበ ውጽኢት ምርምራዊ መጽናዕቲ ስለዝኾነ፡ ዝያዳ መታን ክሰርሕ ንምሁር ክፍሊ ምትብባዕ ክብሪ ሚዛን ክወሃቦ ኣብ ቦትኡ’ዩ።

ይኹን ግን ሕብረተ-ሰብ ንትምህርትን ምሁራትን ክብሪ ሚዛን ክህብ፡ ከተባብዕ እንከሎ፡ ብውጽኢቱ ኣወንታዊ ሞሳ ክረክብ እናተጸበየ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ሓደ ሰብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዝለዓለ ናይ ደረጃ ሊቅነት ይብጻሕ ብውሕዱ እንጀራ እንተዘየምጺኡ፣ ፈውሲ እንተዘይምሂዙ፣ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ንምጥያስን ንምስፋሕ ዝሕግዝ ናይ ሓሳብ ኣበርክቶ ዘይገብር እንተደኣ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕኡላውነት ህዝብን ልዕና ግዝኣተ ሕግን ዘይእምን ዘየኽብርን እንተደኣ ኮይኑ፣ ብኣንጻሩ ምሁራዊ ሓላፍነቱ ዘንጊዑ፡ በይናዊ ውልቀ ክብረ ዝናኡ ዘገድሶ ፈታዊ ነብሱ፡ መሲሉ ሓዳሪ፡ ብጉልባብ ስውኣትን ልኡላውነትን ኣገልጋሊ ውልቀ ሰብን ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለን እንተኾይኑ ግን፡ ኣማን ብኣማን ንዕኡ ዝምጥን መልሲ “ ምሁር ማሃይም” ዝብል’ዩ።

መሰረታዊ ተልእኾ ምሁር ኣብ’ቲ ቀንዲ ዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ ውጽኢታዊ ምዃን ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ግን ዝተወልደሉ ዝተማህረሉን ዝኽበረሉን ሕብረተ-ሰብ ካብ መቑሕ ድሕረት ሓራ ክወጽእ ምግባር፣ ካብ ያታዊ ኣገባብ ማእቶት ናብ ብውጥን ዝምራሕ ዘመናዊ ኣገባብ ማእቶት፣ ካብ ዘይደሞክራስያውን ዘይሕጋውን ውልቀ ሰባዊ ኣገዛዝኣ፡ ናብ ደሞክራስያውን ሕጋውን ምሕደራ ክሰጋገር፡ ረብሓን መሰልን ዝበዝሑ ህዝብታት ንምርግጋጽ ብእምነትን ብተግባርን ዝሰርሕ፡ ንመላኺ ኣገዛዝኣን ኣተሓሳስባን ብወግዒ ዝኹንን ደሞክራስያዊ ምሁር ኮይኑ ምስ ዝርከብ’ዩ። ብሓጺሩ ኣድላይነት ትምህርትን ምሁርን ኩለንተናዊ መነባበሮ ሕብረት ሰብ ምምሕያሽ’ዩ፡፡ መሰል ዜጋታትን ማሕበራዊ ውዳቤታትን ብሕግን ብርትዕን ክዳነን ክሕሎን ምጥባቕ’ዩ።

ኤርትራ ሃገርና ድማ ዋላ ትማሊ ካብ’ቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ብሰንሰለታዊ ግዳማዊ ሓይሊ ዝተገዝአት፡ ህዝባ ድማ እምቢ ንመግዛእቲ ብዝብል ኣብ መሪር ነጻነታውን ሓርነታውን ቃልሲ ተጸሚዱ ዝጸንሐ፣ ሎሚ ድማ ኣብ ትሕቲ ፍጹም መላኺ ጉጅለ መሰሉ ተገፊፉ ብምህላው፡ ናይ ምምሃርን ምምርማርን ዕድል ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ ዘይብሉ እንተኾነ፡ በብደረጃኡ ብዙሓት ምሁራት ዘለውዋ ሃገር’ያ።

ብዝሒ ዘይኮነ ዓይነታዊ ምሁር ስለ ዝድለ፡ ካብኡ ናብኡ ድማ ልኡላውነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝጣበቕ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝጠልብ ኣዝዩ ተኣፋፊ መድረኽ ብምህላውና ግን፡ ኤርትራውያን ምሁራት እንታይ ይሓስቡ እንታይ ይገብሩ ኣለው ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተረፈን። ገለ ኣብ ምሁር ወይ ሊቅነት ዝምደቡ ወገናት፡ ተልእኾኦም ዘንጊዖም ወይ ባህሪኦም ኣገዲድዎም ውጹዓት ንዘልዕልዎ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ዘቆናጽቡ ብትሕቲ ሃገርነት ዝኸሱ፡ ንፍጹም መላኺ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ዝውድሱ ዘቀናጅው ናይ ጥፍኣት ኣሳሰይቲ ኮይኖም ክዋስኡ ንዕዘብ’ሞ ንግረም። ለካ ቀዳሞት ወለድና ከም’ዚ ዝብለ ውዱቕ ኣረኣእያ ምስ ኣጋጠሞም’ዮም “ካብ በዓል ድግሪ በዓል ድጉሪ” ዝበሉ ክንብል ንግደድ።

ካብ ኤርትራዊ ምሁር ዝግበር ትጽቢት፡ ንህዝብታት ኤርትራ ካብ ዝሓልፍዎ ዘለው ዝሓመቐ መነባበሮ ኣውጺእካ፡ ናብ ዝማዕበለን ዝተመሓየሸን ህይወት ክሰጋገሩ ምግባር’ዩ ክበሃል እንከሎ፡ መን’ዩ እቲ ምሁር? ርእሰ ነጻነት ዘለዎ ድዩ ዘይብሉ? ምስ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ዝተኣሳሰረ፡ ህዝባዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ደሞክራስያዊ ድዩ ወይስ ሓፈሻዊ ኣብ ትሕቲ ምሁር ዝብል ኣምር ዘጽለለ? ብኣንክሮ ክምዘን ደሞክራስያዊ ምሁርን ሃገራዊ ምሁርን ፈሊኻ ክቕመጥን ይግባእ።

ብዓይኒ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ዝጥለብ ወይ ዝስፈር ምሁር፡ መጀመርያ ንገዛእ ርእሱ ካብ ድሕረትን ድሑር ሕብረተ-ሰብኣዊ ሕማማትን ሓራ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ማለት ካብ በለጻዊ ኣካይዳ ዝወጽአን ህዝባውን ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ዝወነነ ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ ንገዛእ ርእሱ ካብ ባርነታዊ ኣተሓሳስባ መቑሕ ዘይወጽአ ምሁር ህዝቢ ካብ ሓቀኛ ምሁር ዝጽበዮ ሕቶ ክምልስ ኣይክእልን።

ሎሚ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ተሃዋሲ ወይ ኣሻቃሊ’ዩ ኢልካ ጥራሕ ትሓልፎ ኣይኮነን። ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊ መሬትን መንነትና ዓቂብና ንቕጽልዶ ኣይንቕጽል ኣብ ገምገም ገደል ኢና ንርከብ ዘለና። ከምኡ ዝገበረ ጸረ-ህዝቢ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ’ቲ ፊደል ዘይቆጸረ (ብተለምዶ መሃይም) እቲ ምሁር ኣካል ኣቐዲሙ ብገምጋም ክፈልጦ፡ ከቃልዖ፡ ቅድሚት ተሰሊፉ ክቃለሶ’ዩ ትጽቢት ዝግበር። ከምኡ ዝገብሩ ኣብነታውያን ሓላፍነታውያን ምሁራት’ውን ኣለው።

ብኣንጻሩ፡ 28 ዓመት ውሒድዎም ኤርትራ ሓዳስ ሃገር’ያ። መንግስቲ ኤርትራ ልምዲ ዘይብሉ ሓድሽ መንግስቲ’ዩ። ባዶ ካዝና ዝተረከበ መንግስቲ’ዩ። ብምኽንያት ፖለቲካዊ ብቕዓቱን ህዝባዊ ሓልዮቱን ብዙሓት ጸላእትን ተጻባእትን ዘለውዎ ደሞክራስያዊ መንግስቲ’ዩ። ስለዚ ዝበለና ንስማዕ። ዝኣዘዘና ኣሜን ኢልና ንቀበል። ኣይንዓንቅፎ። ሓሲሙና ጠሚና ጸሚእና ኣይንበል። መንግስትና ንዝሃበና መሰል ደሞክራሲ ነመስግን ንሓሉ። መንግስትና ንዘቕርቦ ሃገራዊ ጻውዒት ተቐቢልና ልኡላውነትና ካብ ተጻባእትን ጸላእትን ንምክልኻል ንመስዋእቲ ንቀዳደም እናበሉ ከይተሰከፉ ዝሰብኩ፡ ብስመ ምሁራት ንምሁራዊ ክብሪ ዘዋርዱ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኢና።

ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ዝበዝሕ ህዝቢ ካብ ነጻ ተመክሮኡ ህግደፍ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ባህሪኡ’ዩ ዘለዎ? ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣበይ’ዩ? ፈራሕ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባሩ ካበይ ይብገስ? ግቡእ ኣገንዝቦ ኣብ ዝሓዘሉን ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ትካላቱ ንምውጋዱ ውዳቤታቱ ኣብ ዘሐይለሉ ዘሎ ወሳኒ ወቕቲ፡ ኣቐዲሞም ብገምጋም ክበጽሕዎ ዝግበኦም ነቲ ኣብ ባይታ ብዓይኖም ዝሪእዎ ዘለው ምንባብን ምቕባልን ኣብይዎም ብናይ ይበተኹ ዓጽሮሞታዊ ግብረ መልሲ፡ ትማሊ ሎሚ ጽባሕ ኩሉ ግዜ ምስ መንግስትና። “ንሕና ንሱ” ክብሉ ትሰምዕ’ሞ ኣማን ብኣማን “ካብ ምሁር መሃይም” ይሰውራ ትብል።

                                     ካልኣይ ክፋሉ ይቕጽል

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 15-04-2019