ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ዝበዝሕ ህዝቢ ካብ ነጻ ተመክሮኡ ህግደፍ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ባህሪኡ’ዩ ዘለዎ? ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣበይ’ዩ? ፈራሕ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባሩ ካበይ ይብገስ? ግቡእ ኣገንዝቦ ኣብ ዝሓዘሉን ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ትካላቱ ንምውጋዱ ውዳቤታቱ ኣብ ዘሐይለሉ ዘሎ ወሳኒ ወቕቲ ደው ኢሎም ሓቂ ክቕበሉ ድልዋት የለውን። ኣቐዲሞም ብገምጋም ክበጽሕዎ ዝግበኦም ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ብዓይኖም ዝሪእዎ ዘለው ምንባብን ምቕባልን ኣብይዎም፡ ብናይ ይበተኹ ዓጽሮሞታዊ ግብረ መልሲ፡ ትማሊ፡ ሎሚ፡ ጽባሕ ኩሉ ግዜ ምስ መንግስትና። “ንሕና ንሱ” ክብሉ ትሰምዕ’ሞ ኣማን ብኣማን “ካብ ምሁር መሃይም ይሰውራ” ትብል ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ኔርና። ካልኣይ ክፋሉ እነሆ፡ ሰናይ ንባብ።

ገድልን ተጋዳላይን ከም ኣምር ረዚን መልእኽቲ ዝሓቖፈ’ዩ። ደስ ስለ ዝበለካ ብድድ ኢልካ ትፈጥሮ ወይ ትጽንበሮ ዘይኮነ፡ ካብ ፖለቲካዊ ዓፈና፣ ቁጠባዊ ምዝመዛ፣ ምምሕዳራዊ ኣድልዎ፣ብሄራውን ሃይማኖታውን ወጽዓ …ወዘተ’ዩ ዝብገስ። ሸቶኡ ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ዓፈና፣ ቁጠባዊ ምዝመዛ፣ ምምሕዳራዊ ኣድልዎ፣ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ጾታውን ወጽዓ ምንጋፍ’ዩ። ከም ውልቀ ሰብ ኮነ ከም ሕብረተ-ሰብ ብእኩብ ብዘተኣማምን ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ወናኒ ነብስኻ ምዃን’ዩ። ዝተረግጸ ባህልኻ፡ ቋንቋኻ ዝተረሰዐ ወይ ብመደብ ክርሳዕ ዝተደልየ ታሪኽካ ምዕቃብ’ዩ። እኩብ ድምር መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላትካ ካብ ሰናይ ፍቓድ ውልቀ ሰባትን ፖለቲካዊ ውድባትን ዘይኮነ፡ ካብ ናተይ ኢልካ ትኣምነሉ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም ምርካብ’ዩ።

ኣብ ግዜ ሞግዚታዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ መጀመርያ 40ታት ከም ዝጀመረ ዝንገረሉ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ መንቀሊኡ ጭቡጥ ወጽዓ፡ ሸቶኡ ኸኣ ዋናኒ ሃገርን ሓርነታዊ መሰልን ንምዃን’ዩ ነይሩ። እቲ ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ምንቅስቓስ ማሕበር ሸውዓተ (ሓረካ)፣ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ 1961 ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ኣብ መወዳእታ 60ታትን ኣብ መጀመርያ 70ታትን ብውዲት ዝተወልደ ህዝባዊ ሓይልታት፣ ክሳብ 1991 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ዝተጨጭሑ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፣ ኣብ መጀመርያ 80ታት ካብ ዘይደሞክራስያዊ ዓመጻዊ ኣካይዳ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተበገሰ ሃይማኖታዊ ውድባት፣ ግዳማዊ መግዛእቲ ተሳዒሩ ልኡላውነት ሃገር ሕጋዊ መደምደምታ ድሕሪ ምርካቡ፡ ጸረ-ህዝቢ ዘቤታዊ ምሕደራ ህግደፍ ዝፈጠረን ብሄራዊ ውድባት፡ በርገስ ማሕበራትን ካልኦት ሓደሽ ፖለቲካዊ ውድባትን፤ ስነ-ሓሳቦም፡ መልክዕ ውደባኦምን ዋዕን ስፍሓትን ንጥፈታቶምን እንታይን ከመይን’ዩ ብዘየገድስ፡ ወጽዓ ዝወለዶም መሰል ዝሓቱ ውድባትን ምንቅስቓሳትን’ዮም።

እዞም ካብ ቅድሚ ነጻነት ዝነበሩን ድሕሪኡ ዝተፈጥሩን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ ርእይቶኦም ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ዝተገርሐ ድዩ ኣይኮነን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ንውጹዓት ወገናት ዝውክሉ’ዮም። ይውሓድ ይብዛሕ ካብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝውክልዎ ህዝቢ ኣለዎም። እወ ልክዕ ኣለኻ/ኹም ደርባዊ ወጽዓ ኣለና። እወ ብብሄርና፡ ብሃይማኖትና፡ ብጾታና፡ ብቦታና ኣድልዎ ይበጽሓና ኣሎ፡ ንግፋዕ ንሳቐ ኣለና። እወ ሓቅኻ ተጠቀምቲ ናይ ሃገራዊ ሃብትና ኣይኮናን። እወ ሓቅኻ ወነንቲ ነብስናን ተዋሳእቲ ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ጉዳይናን ኣይኮናን። እወ ሓቅኻ/ኹም ከም ካልኣይ ዜጋ ኢና ንቑጸር ዘለና። እወ ሓቅኻ/ኹም ዋጋ ዝኸፈልናሉ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰል ብህዝባዊ ሕጊ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ሰናይ ፍቓድ ውልቀ-ሰባት፡ ብምጽወታ ወይ ብሞቕነን እናተቐበልና ኢና ህይወትና ንመርሕ ዘለና ዝብል ደጋፊ ኣለዎም። መሰልና ብቃልስና ነኽብር ኣጆኹም ኣጆና ዝብሉ፡ ነቲ ዝተገልጸ ናይ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ብህይወት፡ ብጉልበት፡ ብፍልጠት፡ ብገንዘብ ደው ዘበልዎ፡ ክቕጽል ባይታ ዝኾንዎ ዜጋታትን ህዝብታትን ዘለውዎ ጸረ ወጽዓ ዘትከል ፍትሒ ድማ ዘናዲ ቅኑዕን ቅቡልን ኣማራጺ ዘይብሉ ምንቅስቓሳት’ዩ።

እቲ ነዚ ወጽዓ’ዚ ወጊድ ኢሉ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ከምጽእየ ኢሉ መቃለሲ ውድብ ዝፈጥር ወይ ኣብ ዝተፈጥረ ውድብ ኣትዩ ዝዋሳእ ተጋዳላይ ተልእኾኡ ብግቡእ ክፈልጥ ኣለዎ። ገድሊ ከም ስሙ ገድሊ ስለዝኾነ፡ ዕድመ ንእሰነቱ፣ ውልቀ ማሕበራዊ ድሌታቱ፣ ኣካሉ፣ ህይወቱ ክግብረሉ ብንቕሓት ብሰናይ ፍቓዱ፡ ኣነ ተጎዲአ ተሰዊአ ድሕረይ ዘለው ይጥዓሞም ኢሉ ንዝተጸንበሮ ቃልሲ፡ ካብ ፍትሓዊ፡ ደሞክራስያውን ሕጋውን ግሉጽ መዕቀኒታት ወጻኢ ክመዝኖ፡ ክዛመዶ፣ ከመሓድሮ፡ ክፈርዶ ኣይግባእን።

ጸረ-ወጽዓ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ፡ ንወጻዒ፣ ዓማጺ፣ ኣድላዊ፣ ትምክሕተኛ፡ ጸቢብ ወይ በለጸኛ ኣረኣእያ ብንቕሓት ክዋጋእ፡ ክገርሕ ክብድህ ‘ምበር፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ከሳሲ የብሉን። ተወጺዐ ኢሉ ጸረ ወጻዕቲ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ንካልኦት ብዓይኒ ትምክሕቲ፡ ጽበትን በለጽን ድሑራት ኣረኣእያታት ገይሩ ዝፈርድ እንተደኣ ኮይኑ፡ መጨፍለቒ ዝኸውን ጉልበትን መሳርሕን ዝሰኣነ ዓማጺ’ምበር፡ ደላዪ ፍትሒ ደላዪ ደሞክራሲ ወዲ-ህዝቢ ተጋዳላይ ኣይኮነን። ክኸውን’ውን ኣይክእልን። ወጻዒ ገባቲ ኣድላዊ ባህሪ ወኒኑ እናሃለወ፡ ብትምክሕተኛ ፖለቲካዊ ሓይሊ ተበዲለ፡ ተገፊዐ፡ ተወጺዐ ፍትሓውን ደሞክራስያውን መሰል ክረክብ ይጋደል ኣለኹ ክብል ኣየጸብቐሉን።

እቲ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ባህሪ ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ዝቀያየር፡ እንተደሊኻ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ክትከውን፡ እንተዘይደሊኻ ትምክሕተኛን ጸቢብን ኣረኣእያ ክትለብስ፣ “ንሳ ምሳይ ልባ ምስ ደበሳይ” ከም ዝበሃል ብልሳንካ ኣብ ደምበ ውጹዓት፡ ብባህሪኻ ኣብ ደምበ ወጻዕቲ ክትከውን ዘፍቅድ ኣይኮነን። ርግጽ’ዩ ብዙሓት ሰባት ክሳብ’ውን ፖለቲካዊ ስርዓታት ብዙሕ ግዜ ካብ’ቲ ሓደ ደምበ ናብ’ቲ ካልእ ክግዕዙ ከወላወሉ ሕልናኦም ብነገራዊ ሃብቲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርዱ ሰሚዕናን ኣስተብሂልናን ኢና። ቅኑዕን ቅቡልን መሰረታዊ ባህሪ ደቂ-ሰባት ግን ሓደ ‘ምበር ክልተን ሰለስተን ኣይኮነን። ስለዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ መንነት ዘይወነነ ገድልን ተጋዳላይ፡ ንግዝይኡ ንገለ ግሩሃት ከደናገር ይኽእል ይኸውን። ብዝተናወሐ ግዜ ግን ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ምቅልዑ ኣይተርፍን።

ሓደ ሓቀኛ ህዝባዊ ተጋዳላይ ዓመጻዊ ፍርድን ምሕደራን ኣብ ዝኾነ ሰብኣዊ ፍጡር ክበጽሕ የብሉን ዝብል ንጹር ተሪር መርገጽ’ዩ ክዕጠቕ ዘለዎ። ፍትሕን ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣብ ኩሉ ብማዕረ ክሰርሕ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ ፖለቲካዊ እምነት’ዩ ክውንን ይግባእ። ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዕጥቁ ገይሩ ዝቃለስ ተጋዳላይ፡ ዓመጻዊ ፍርድን ምሕደራን ኣብ ርእሲኡን መቕርቡን ክፍጸም እንከሎ ጸላዕላዕ ዝብሎ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክፍጸም እንከሎ ዘየሕሞ ወይ ንሱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት በረኣእያን ተግባርን ዓመጻዊ ፍርዲ ክህብ እንከሎ፡ ከም ቅኑዕ ቅቡል ተግባር ዝፍጽም ዘሎ ጌይሩ ዝወስዶ እንተደኣ ኮይኑ፡ ጸረ ወጽዓን ወጻዕትን ደው ዝበልኩ ተጋዳላይ’የ ክብል ዘኽእሎ ሞራል የብሉን። ስለምንታይ ኣብ ውሽጡ ፍትሒ የለን። ደሞክራሲ የለን። ወገን ውጹዓት ዝኾነ ሕልና የለን።

ፍትሒ፡ ደሞክራስን ልዕልና ሕግን ተነፊገ ኢሉ ንምርካቡ እናተጋደለ፡ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ንዘልዕሉ ካልኦት ወጹዓት ሓሳቦም ዘይሰምዕ ዘየኽብር ዘናሹ ብትሕቲ ሃገርነት ሰሪዑ ክጽልኡ ክንጸሉ ዝከኣሎ ኩሉ ዝገብር ስሙ ‘ምበር ናይ ተጋዳላይ ባህሪ ዘይብሉ ሰብ’ዩ። ይረደኣዮ ኣይረደኣዮ ምግዳሉ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብዘይምውናኑ ብኹለንተንኡ ዝኸሰረ ሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ምግዳል ወይ ተጋዳላይ ምዃን ካብ ቤተሰብካን ከባቢኻን ርሒቕካ ጠመጃ ምስካም፡ ንጸላኢኻ ተኲስካ ምቕታል ማለት ጥራሕ ኣይኮነን። ዝተሰከምካዮ ተተኳሲ መሳርሒ ፖለቲካ ምዃኑ፡ ክንዲ ዝተኻእለ ንጸላኢኻ ብሓይሊ ሓሳብ ኣዕጊብካ ፈታዊኻ ምግባር ከም ዝከኣል፡ ፍትሓዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ብስለት ከም ዝሓትት ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ።

ንስለ ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ህዝባዊ ፍትሒ፣ ምኽባር ልኡላውነት ህዝብን ሕግን፣ ህዝባዊ ልምዓትን ዕቤትን ኣንጻር ዓመጽን ዓመጽትን ምግዳል ሓደ ካብ’ቶም ንጥዑይ ኣእምሮ ዘቕስኑ ኣወንታዊ ታሪኽ ዝስንዱ ቅቡላት ተግባራት ወዲ-ሰብ’ዩ። እዚ ግን ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ ክኸውን የብሉን። ጸረ ዓማጺ እንተኾይንካ ኣንጻር ኩለ-መዳያዊ ዓመጽን ዓመትን ኮይንካ ክትርከብ የድሊ። ፍትሓዊ እንተኾይንካ ኣብ ኩሉን ወገን ኩሉ ብዱልን ደላዪ ፍትሕን ኮይንካ ክትርከብ ይግባእ። ጸረ ዓመጽን ዓመጽትን እናጨራሕካ ዓማጺ፣ ብዛዕባ ፍትሕን ደሞክራስን እናጨራሕካ፡ ጸረ ፍትሕን ጸረ-ደሞክራስን ክትከውን ኣይግባእን።

ንኣብነት ሓደ ወዲ ከበሳ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ይግደስ’የ እናበለ፡ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብሄረ-ኩናማን ካልኦትን ዝፍጽሞ ኣድላዊ ምሕደራ ዘየቐንዝዎ እንተኾይኑ ከቢድ ጸገም’ዩ። እቶም ዝተወጽዑ ዝተገፍዑ ህዝብታት ዘቕርብዎ ሕቶ መሰልን ሕቶ ደሞክራስን ክብደት ሂቡ ዘይርእን ናብ ፍትሕን ፍትሓዊ ሕቶን ዘይውግን ንህዝቢ ኤርትራ ሃገረ ኤርትራን ይፈቱን የኽብርን’የ ዝብል ኤርትራዊ፡ ወይ ኮነ ኢሉ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ሓቢኡ ክኸይድ ዝፍትን’ዩ፡ ወይ ከኣ ነገራት ተደዋዊስዎ ኣሎ ማለት’ዩ። ብዝኾነ ብልሳኑ ጸረ- ምልኪ’የ ደላዪ ፍትሒ እናበለ፡ ውጹዓት ዜጋታት ብሄራት ሃይማኖታዊ ትካላትን ካልኦትን መሰሎም ንምኽባር ውድብ መስሪቶም ብምቅላሶም ከም ከዳዓት ትሕቲ ሃገራውያን ሽዩጣት ኢሉ ዝኸስስ ዘጸልም እንተደኣ ኮይኑ፡ ሽዑ ንሽዑ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይግደስ፡ ካብ ናይ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ዝሓይሽ ኣረኣእያ ከምዘይብሉን ዘረጋግጽ’ዩ።

ዘቤታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ማሕበራዊ ውዳቤታት ኤርትራ ብደይ መደይ ዝፍጽሞ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዒታት እናረኣየን እናሰምዐን ኣብ ክንዲ ዓገብ፡ ሃገር ቅድሚ ኩሉ፡ ንሕና ምስ መንግስትና እናበለ ዝጭርሕ፡ ኣብ ገድሊ ብረት ታሓንጊጡ ዝጸንሓሉ ዓመታት ኣናቖጸረ ኣነኮ እናበለ ፍትሓዊ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ርእይቶ ከም ዝወነን ኣብ ኤርትራ ከም ዘንገሰን ዝንየት ካባኻ/ካባኹም የድሕነና ዘብል ባዶነት’ዩ።  ንሓቀኛ ገድልን ተጋዳላይ ምርኻስ’ዩ።

ዕጥቂ ሓቀኛ ተጋዳላይ ካላሽኑ፡ ጋምባሌኡ፡ ጀብጀቡ፡ ግድምናኡ ኣይኮነን። ዕጥቂ ሓቀኛ ተጋዳላይ ፖለቲካዊ ዕላማኡ ካበይ ናበይ ብኸመይ ብግቡእ ምፍላጥ’ዩ። ህዝባዊ ኣረኣእያ፡ ህዝባዊ ወገንነት፡ ህዝባዊ ትሕትና ዝተላበሰ ፖለቲካዊ እምነት ምውናን’ዩ። ህዝባዊ ክብርን ትሕትናን ዘይብሉ ካበይን ብኸመይ መጺኡን ከይተረደአ መንግስቲ ኣዚዙ፡ ሃገር ልዕሊ ኩሉ እናበለ ብዝሓዞ መሳርያ ተመኪሑ፡ ንወለዱ ዘከላብት ዝሃርም፡ ፖለቲካ እንዶ ንዘይብሎም ጨላቕ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ተኲሱ ዝቐትል፡ ኣብ ርሑቕ ስደት ኮይኑ እዚ ኹሉ ደኺምና ደሚና ዘምጻእናያ ሃገር፡ መንግስቲ ከጽርፉ ጸጊቦም ሓንቂቖም እንቋዕ ኮይኑ ..ወዘተ ዝብል መርሆ ኣልቦ ብድሑር ናይ ትምክሕቲ፡ ጽበትን በለጽን ኣረኣእያታት ዝተለውሰ ስሉብ ሕልና ዘለዎ ተጋዳላይ ካብ ምዃን ደጊምና ደጋጊምና ይሰውርና።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 19-04-2019