ምህንድስና (Engineering) ክበሃል እንከሎ ቀዲሙ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና ኣወንታዊ ገጹ’ዩ። ምህንድና ግን ክልተ ገጻት ዘለዎ ዓውዲ’ዩ። እቲ ሓደ ጾር ሕብረተ ሰባት ዘቃልል ሓቀኛ ልምዓታዊ ኣገልግሎት ዝህብ ምህንድስና’ዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ህልኽ ዝተሰረተ ናይ ጥፍኣት ምህንድስና።

ኒኩሎሳዊ ምህንድስና ናይ’ዚ ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። ኣብ ኣገልግሎት ሓይሊ ጸዓት ዝውዕል ኒኩሎራዊ ምህንድስና ንኣወንታዊ ህንጸትን ምዕባሌን ስለ ዝኾነ ቅኑዕን ቅቡልን ገይርካ ክውሰድ ይከኣል። ብኣንጻሩ ኣብ ውሽጢ ሰዓታትን መዓልታትን ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ካልኢት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ህይወታውያን ፍጡራት ዘጥፍእ መርዛም ኒኩሎራዊ ምህንድስና ግን ንብዙሓት ስግኣት ዝፈጥር ብምኻኑ ቅቡል ኣይኮነን ውጉዝ’ዩ።

መብዛሕቲኡ ውጽኢት ምህንድስና፡ ከም ስነ-ፍልጠት መጠን፡ ብዓይኒ ዝረአ፡ ብኢድ ዝድህሰስ ተግባራዊ ስራሕ ገይርና ኢና እንወስዶ። ምሕንድስና ግን መሰረቱ ሓሳብ’ዩ። እቲ ሓሳባዊ ምህንድስና ኣብ ህንጸት ትሕተ ቅርጻዊ ልምዓታዊ ኣገልግሎት (infrastructure) ማለት፡ ኣብ ዘመናዊ ጽርግያታት፣ ህንጻታት፣ ወደባት፣ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ዝተራቐቑ መራኸቢታት (information Technology) ፣ ምምዝማዝ ትሕተ ምድራዊ ጸጋታት፣ መድሓኒት፣ ዓይነታት መግብን መስተን፣ ኣልባሳት ….ወዘተ ዝነጥፍ፣ ወይ ከኣ፡ ኣብ ከም ህንጸት ልዕለ ቅርጻ (Super structure) ማለት ከም ፖለቲካ፡ ሕጊ፡ ባህሊ፡ ስነ-ጥበብ ዝነጥፉ ሞያተኛታት ዝሓቖፈ ምዃኑ ይፍለጥ።

ነዚ ደብዳቤ’ዚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ፡ ኣብ ኣእምሮ ውሑዳት ዘይኮኑ ኤርትራውያን ብሓፈሻ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ተዘሪኡ፣ በቚሉ፣ ዓንቢቡ፣ ፈርዩ፡ ሰብኣዊ ሕልናኡ ኣዘናቢሉ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ካብ ምህላው ናብ ዘይምህላው ዝደፍእ ዘሎ ፍርያት ህግደፍ ዝኾነ ሕሱርን ድሑርን ኣረኣእያ ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ገዛኢ ኮይኑ ዝርከብ ኣተሓሳስባ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መንነት ዘይብሉ፡ ኣብ ውልቀ ሰብ ዘምልኽን ንዕኡ ድማ ዘገልግል፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኩሉ ኣወንታዊ ታሪኽናን ክብርታትናን በሪዙ፡ ክንበታተን ዝገብር ዘሎ ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ናይ ጥፍኣት ምህንድስና ’ዩ።

ብዝተፈላለዩ ወገናት ተደጋጊሙ ክግለጽ ከም ዝጸንሐን ዘሎን እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ስልጣን ጨቢጡ ዝርከብ ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ናይ ጥፍኣት ምህንድስና፡ ከም ሓሳብ እንክጥነስ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ውልደቱ ካብ ህዝባዊ ሓይልታት (ሰልፊ ነጻነት)፣ ገበናዊ ዕቤቱ ኣብ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ ቀላሲኡ (Master mind) ምስጢራዊት ገበናዊት ሰልፊ፣ ድኽዑ ፖለቲካዊ ድሕረት፣ ስነ-ሓሳቡ ዝተፈልየ ርእይቶ ክትስዕር ኣካል ቀንጽል ዝብል ስነ-መጎት ሓይሊ ዝወነነ’ዩ።

እዚ ድሕሪ 1991 ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1994 ናብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዝብል ስሙ ምስቀየረ ዝተፈጥረ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ መሪሕነት፣ ሓድሽ ኢ-ሰብኣዊ ኣረሜናዊ ተግባር ኣይኮነን። እዚ ንልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ሃሪሙ፡ ንልኡላዊ መሬት ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ዝዋገ ዘሎ ከዳዕ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያ መሰረቱ ቅድሚ 1991 ዘሎ ታሪኹን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ምዃኑ ብንቕሓት ምርዳእን ምቕባልን የድሊ።

ብዝኾነ ምኽንያት ክንሰገሮን ክንክሕዶን ዘይብልና ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብገለ ሸነኹ ብዙሓት ብንጹህ ህዝባዊ ሃገራዊ ስምዒት ዕድመ ንእስነቶም ዘብለይሉ፣ ኣካሎም ዝጎደልሉ፣ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈልሉ፡ ከም ዜጋታት ከም ህዝቢ ወትሩ ክንኮርዓሉ ዝግባእ፡ ዘይሃስስ ዘሐብን ጀግንነት ዝተፈጸምሉ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ውድብ ምንባሩ’ዩ። ኣቦታትና፡ ኣዴታትና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብቅኑዕ ሕልናን ብመን ሕራይን ተባዕ ውሳኔን ሕቶ ሃገራዊ ነጻነት ንምምላስን መሰረታዊ ህዝባዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ህዝቢ ዝተረጋገጸላ ቅዋማዊት ኤርትራ ክውን ንምግባር ንዝኸፈልዎ ኩሉ ሸነኻዊ መስዋእቲ፡ እዞም ብህይወት ዘለና ናትና ምዃኑ ተቐቢልና ክንዕቅቦ ይግባእ።

ብመንገዲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣቢሉ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ዝተፈጸመ ጀግንነትን ዝተመዝገበ ድሙቕ ወተሃደራዊ ዓወትን ናትና’ዩሞ ብኽብሪ ንዓቅቦ ማለት ግን፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብፖለቲካዊ ደሞክራሲ መዳይ፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ባህሪ ዝነበሮ ውድብ’ዩ ማለት ከም ዘይኮነ ብጭቡጥ ምግንዛብ የድሊ። በፍጹም ህ.ግ.ሓ.ኤ ግልጹነት፡ ሓባራውን ማዕርነታውን ኣረኣእያ ዝወነነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ’ዩ ነይሩ ከስምዕ የብሉን። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንፍርዲ ዘጸግም “እቲ ሓደ ብጉርሑ እቲ ሓደን ከ ብገርሁ” ከም ዝተባህለ በዓል ክልተ ዕትብቲ’ዩ ነይሩ። ተዋጋኢ ሰራዊትን ሓፋሽ ውድባት ህይወቱን ገንዘቡን ዘይበቅቕ ቅኑዕ ውፉይ፣ እቲ ወሳኒ ጃንዳዊ ውዲታዊ መሪሕነታዊ ከኣ፡ ብትምክሕታዊ ኣረኣእያን ህርፋን ስልጣንን ዝሰኸረን፡ ብደም ንጹሃት ድማ ዝተሓጽበ’ዩ ነይሩ። ወሳኒ መሪሕነታዊ ጃንዳ ከም ወናኒ ብሕታዊ ንግዳዊ ትካል ኣብ ኩሉ ጉዳያት እቲ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ገባርን ሓዳግን፡ መሰረታት ከኣ ካብ ላዕሊ ዝወረደሎም ሰማዕትን ፈጸምትን’ዮም ነይሮም። ኮታ እቲ ሰውራ ፍትሓዊ ህዝባዊ ሕቶ ዘበገሶ ክንሱ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነትን መሰረታት ዝነበረ ዝምድና ማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘይኮነ ናይ ጎይታን ጊላን’ዩ ነይሩ። በዚ መንጽር እቲ ውድብ ከም ውድብ ህዝባውን ደሞክራስያውን ኣይነበረን።

እቲ መሪሕነታዊ ጃንዳ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ምህንድስና ተጠቒሙ’ዩ ሓታቲ ዘይብሉ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ፡

ሀ. መሪሕነታዊ ጃንዳ ቅድሚ 1991 ንመሰረታት ዘደናግረሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምህንድስና፡-

  1. ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያን ህዝብታት ኢትዮጵያን ፈላልዩ ብዘየርኢ፡ ኣብ ተራ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ዝተሰረተ፡ ኤርትራ ነጻ ምስ ኮነት ከም ክልተ ህዝብታትን ክልተ ልኡላውያን ሃገራትን፡ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ እናተመላላእና ሓቢርናን ተኸባቢርናን ክነብር ዘለና ጎሮቦባብቲ ምዃና ኣብ ጸብጻብ ዘየእተወ፡ ናይ ኩሉ ድሕረትናን ድኽነትናን ተሓታቲት ኢትዮጵያ ከም ዝኾነት ዝሰብኽ ኣስካሪ ጎስጓስ፣ ኢትዮጵያ (በቲ ንሱ ዝጥቀምሉ ቋንቋ ኣምሓራ) ካብ መሬት ኤርትራ ተጸራሪጎም ካብ ዝወጽእሉ ዕለት ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፉ ከይሰርሐ ካብ ወደባት ብዝርከብ ኣታዊ ቅሱን ህይወት ክመርሕ’ዩ።
  2. መሰረታት ማለት ተዋጋኢ ሰራዊትን ሓፋሽ ውድባትን፡ ብዛዕባ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ከመይ ክመጽእ ከም ዝኽእል፣ ድሕሪ ምብራር መግዛእታዊ ሰራዊትን ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ከም ህዝቢ ዝምረሓሉ፡ ብቐጥታን ብወከሉ ኣቢሉን ፖለቲካዊ ስልጣን ዝውንነሉ፡ ዜጋታት ብነጻነት ተወዳዲሮም ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝድይብሉ፡ እንከጥፍኡ ዝሕተትሉ፡ ካብ ጸጋታት ሃገር ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዝረጋገጸሉ፡ ህዝባዊ ቅዋማዊ ስርዓት ዝትከላሉ፡ ግቡኡን መሰሉን ዝፈልጥ ንቑሕ ሕብረተ-ሰብ ዝህነጸሉ ደሞክራስያዊ መስርሕ ዝጅምረሉ፡ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ መደባት ልምዓት ዝቕረጸሉ ንጹር ፕሮግራም፡ ስልትን ስትራተጂን ከይሓስቡን ከይመራመሩን ንሕና ናይ ተግባር ‘ምበር ናይ ዘረባ ኣይኮናን ዝብል ድሕሪ ኲናት ኣብ ሳዕስዒትን ድራማን ወርቃዊ ግዜኦም ከጥፍኡ ዝገብር፡ ናብ ወተሃደርን ወረ ወተሃደርን ዝዘንበለ ኣደንቋሪ ስብከትን ኣገባብን ይኽተል ነይሩ።
  3. ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብዛዕባ መሰል፡ ደሞክራሲ፡ ምስሊ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምዝራብ እዋኑ ኣይኮነን። ከምኡ ዓይነት ሕቶታት ናይ ምሁራት ኢና በሃልቲ ተወላወልቲ ዕላማ’ዩ። እዚ ከኣ ብሕጊ ዘሕትት ጸረ-ሰውራ’ዩ። ጠምየ ጸሚአ ዓሪቐ ኢልካ ምሕታት ነውሪ’ዩ። ተጋዳላይ ካብ መሪሕነት ዝወረደሉ ትእዛዝ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ተቐቢሉ፡ ሃገር ቅድሚ ኩሉ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ተሓንጊጡ ኣብ ዝተመደበሉ ብጽንዓትን ተወፋይነት ክደራገም ኣለዎ።
  4. ብዛዕባ ውድብ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ ኣንፈት ስልትን ስትራተጂን እንታይ ክመስልን ብኸመይ ክጎዓዝ ከም ዘለዎን ንመሪሕነት ዝምልከት’ዩ። መሰረታት ኣብ ዘይምልከቶ ክኣቱ የብሉን።
  5. ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣይኮነን ብደረጃ ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪ የብሉን። ኣብ ውሽጡ ዝለዓል ተቓውሞ ኣቐዲሙ መን፡ ምስ መን፡ ኣበይ፡ መዓስ ኣዳቒቑ ዝፈልጥ፡ ብኣካይዳ ኣባጎብዬ ዝኸይድ ኩሉ ዝከኣሎ “ብብልሒ መላጸ ዝሓለፈ” ምኩርን ደሞክራስያውን መሪሕነት’ዩ ብዝብል።
  6. ናይ ገዛእ ርእሱ መሰል ከኽብር ፋሕተርተር ዘይብል፡ ተበገስ እንክበሃል ናበይ ዘይፈልጥ፡ ፈጽም እንክበሃል ስለምንታይ ኢሉ ዘይሓትት፡ ንልዕሊኡ ዘሎ ሓላፊ ከም መንፈሳዊ ሓይሊ ዝፈርሕ ዘምልኽ፡ ብትሕቲኡ ብዘሎ ተጋዳላይ ብኡ መጠን ዝፍራሕ ዝምለኽ ብነብሰ ትሕተት ዝሳቐ ክንሱ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት መን ከማኻ፣ ተጸዋርነት መን ከማኻ፣ ተወፋይነት መን ከማኻ፣ ፍቕሪ ሃገር መን ከማኻ ብዝብል መደናገሪ ምህድስና ካብ መስመር ሓቅን መሰልን ወጺኡ፡ ተጋዳላይ ስለ ዝኾነ፡ ገዛእ ርእሱ ልዕሊ ህዝቢ ገይሩ ብምቕማጥ ቀዳማይ ዜጋን ወሳንን ገይሩ ክርኢ ዝገብር ኣዕናዊ ፖለቲካዊ ምህንድስና ይኽተል ምንባሩ።

ኣብ ውሽጢ ዘይደሞክራስያዊ በሓቲ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዓገብ ኣካይዳና ነስተኻኽል ካብ ቀንዲ ተልእኾና ወጻኢ ንኸይድ ኣለና፡ ናይ ሓደ ጉጅለ ልዕልነት ይስዕርር ኣሎ ዝብሉ ውሑዳት ንቑሓት ደቂ-ህዝቢ’ኳ ይረኣዩ እንተነበሩ፡ እቲ ኣብዘሓ ግን፡ ነቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘይመረጾ፡ ኣብ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ገባራይ ሓዳጋይ ዝኾነ ጉጅለ ውሑዳን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ፈላላዪ፡ ኣደንቋርን ኣርዓድን ሜላ፡ ብኣጋ ክነቕሓሉ ኣይፋልካን ክብሎን ክቆጻጸሮን ኣይከኣለን። ብሓቂ ንምዝራብ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን መሰረታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ብሓሳብን በተግባርን ኣባላት ሓደ ውድብ ዘይኮኑስ፡ እቲ መሪሕነታዊ ኣካል ጨካን ኣስራሒ፡ እቲ መሰረታት ከኣ ምስኪን ሰራሕተኛ ኮይኖም’ዮም ካብ በረኻ ዓዲ ኣትዮም።

ለ. መሪሕነታዊ ጃንዳ ድሕሪ 1991 ዘደናግረሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ምህንድስና’ኸ ከመይ ዝበለ’ዩ?

  1. ኤርትራ ካብ መግዛእታዊ ኣደራዕ ወጺኣ ሕጂ ዝተፈጥረት ውልዶ ሃገር’ያ።
  2. ናይ’ቶም ስለዛ ሃገር ክብሉ ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ሕድሪ ኣለና።
  3. ኤርትራ ሳላ መንግስቲ ዝኽተሎ ሓራ ፖለቲካዊ መስመር ዘደንቕ ቁጠባዊ ገስጋስ ተምዝግብ ኣላ።
  4. ህዝቢ ኤርትራ ንሃገርይ እንታይ ክገብረላ ‘ምበር ከም’ዚ ክግበረላይ ኣለዎ ኢሉ ዘይሓትት፡ ናይ ተጸባይነት ባህሊ ዘይብሉ ብጽፍሩ ዝሓድር፡ ካብ ካልኦት ህዝብታት ዝተፈልየን ንቑሕን ህዝቢ’ዩ።
  5. ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ዝተቐበለ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብድሌቱ ብሓደ ኢዱ ከላሽን ሒዙ ልኡላውነት ሃገር ይከላኸል፡ በቲ ካልእ ኢዱ ከኣ ዕርፍን ጭዃሮን ዓቲሩ ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ይረባረብ ኣሎ።
  6. ኤርትራ ብቑዑን ውፉይን መሪሕነት ዝተዓደለት ግን ከኣ፡ ካብ ዝጀመረቶ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ንምዕንቃፍ ዝሰርሑ፡ ከደዓት ደቂ ሃገር፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ተጻባእታን ጸላእትን ዘለውዋ ሃገር’ያ።
  7. ተጻባእትና ናይ ዓለምና ልዕለ ሓያልን ሃገራት’የን። ጸላኢትና ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ስርዓት ወያነ’ዩ። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምኽባር ልኡላውነት ሃገር።
  8. ሃገራዊ ግቡኡ ንዝገበረ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ክግበረሉ’ዩ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ከም መንግስቲ ከም ሃገር ብፕሮግራም ብፖሊስን ስትራተጂን ዓይኒ ሚዛን ዘይብሎም፡ ብትማሊ ነበርናን ገበርናን ሙዚቃዊ ድራማ ዝተዓጀበ ፖለቲካዊ ምህንድስና ዛጊት የደናገር ኣሎ።

ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ማለት ኣስታት 50 ዓመት ካብ ሕሉፍ ጉድለቶም ዘይመሃሩ፡ ንሰብኣውን ዜግነታውን መሰሎም ዘይከላኸሉ ምእዙዛት ስለ ዝረኸበ፡ ወሳኒ መሪሕነታዊ ጃንዳ፡ ምሉእ ንምሉእ ናብ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሩ፡ ምስ ስድራ ቤቱ መቕርቡን መጋበርያታቱን ኣብ ምቾት ይነብር ኣሎ። እቲ ኣብዘሓ ተዋጋኢ ሰራዊትን ውፉያት ሓፋሽ ውድባትን ነበር ከኣ ካብ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድብ ናብ ፍጹም ኣምለኽትን ኣገልገልትን ሓደ ሰብ ተቐይሮም ኣብ ምብትታን ህዝብን ምፍራስ ልኡላውነት ሃገርን ድግድጊት ተዓጢቖም ይሰርሑ ኣለው።

                                               ካብ ዛራ ማና

                                              08-06-2020