እዛ ዕለት'ዚኣ ክዝክራ እንከሎኹ፡ ብሕልና ናብ'ቶም ክልተ ብሉጻት መራሕትና ዕዝር እብል። ኩሉ'ቲ ኣብ ሞንጎና ኮይኖም ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ጅግንነታዊ ዕዮ፡ ብልሒ ኣማራርሓ፡ ኣብነትነት እዝክር። ንቕኑዕ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ሰውራና ንምዕዋት ምስ ወሰኑ፡ ንቕድሚት'ምበር ንድሕሪት ግልጽ-ምልጽ ከይበሉ፡ በጃ ህዝቦም ዝኾኑ መራሕቲ ደምሓኤ፡ ብጻይ ገብረብርሃን ዘርአ፡ ኣቦ-መንበር፣ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ም/ኣቦ-መንበርን ናይ ፖሎቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ።

ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ብናይ ጸጥታን ስለላን ማሓውሩ ኣቢሉ፡ ነዞም ክልተ መራሕትና ፈጺሙ ኣይደቀሰሎምን። ኩሉ ዝኽእሎ ፈተነ ኣካይዱ። ንብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ድማ፡ ብፉሉይ ይከታተሎ ነበረ። ኣብ ትግራይ እነካይዶ ምንቅስቓሳት፡ ከምዘይፍቀድ ቁርጽና ኣብ ዝፈለጥናሉ እዋን፡ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ብሕቡእ'ምበር ብቅሉዕ ክንቀሳቀስ ዘይክእለሉ ኩነታት ተፈጠረ። ብፍላይ ካብ 1994 ዓ.ም.ንደሓር።

ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ፡ ኣብ'ቲ እዋን'ቲ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዳር መስሪቱ ኣቦ ማንታ ህጻውንቲ ኮይኑ ብምንባሩ፡ ደሃይ ስድርኡ ክገብር፡ ኣብ ዘይመልአ፡ ጋቢ ተሸፋፊኑ፣ ጸልማት ከደነ፡ ሙሉቕ ኢሉ፡ ይቕልቀል ነበረ። ነዛ ጉዳይ'ዚኣ ዝፈለጠ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንሓንቲ ኤርትዊት ጎረቤት ስድርኡ ዓሲቡ፡ ብመርዚ ክተጥፍኦ ትልሚ ሓንጸጸ። እዛ ብጉጅለ ስለላ ኢሳያስ ዝተዓሰበት ሰበይቲ፡ ምቕልቃል ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ እናተኸታተለት ጸንሐት፤ ሓንቲ ምሸት ናብ ስድርኡ ምእታዉ ምስ ፈለጠት፡ ኣብ'ታ ትፈልሐሉ ዝነበረት ጸባ፡ ስድርኡ ከይረኣያ፡ መርዚ ኣእተወት። ጸባ ፈሊሑ፡ ወሪዱ፡ ተቐዲሑሉ ሰተዮ። ብሰንኪ'ዚ፡ ብተምላስን ዉጽኣትን ካብ ሞት ንስክላ እዩ ተሪፉ። ግን ከኣ ሓያል ጋስትራይት(ሕማም ጨጎራ) ሓዘቶ። እታ ነቲ ዝተዋሃባ ተልእኾ ዝፈጸመት ዕስብቲ ሰበይቲ፡ ዝተዋሃባ ዓስቢ ብርግጽ ዝፈለጥናዮ ኣይነበረን። ግን ከኣ፡ ናብ ዓዳ ምስ ከደት ኣብ ሓጺር እዋን ከም ዝሞተት ሰማዕና። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ስለላን ጸጥታን ጉጅለ ኢሳያስ፡ ብኣኣ ኣቢሉ ዝፈተኖ ምስጢራዊ ወንጀል ከይወጽእ፡ ህዝቢ ከይፈልጦ ንምቑጻይ፡ ዝተኣልመ ውዲት ምዃኑ፡ ንባህርያት ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝፈልጡ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝረዳድኡሉ ስልቲ እዩ።

ናብ'ታ በብዓመቱ ክዝክራ እንከለኹ፡ ብሕልና ኣዕርብ ተብለኒ ሰንካም ዕለት ከዘንትወልኩም። እታ ዕለት ከም ሎሚ፡ 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም. ናይ ምሸት እያ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለኩልኩዎ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ብውድብና ደምሓኤ ብሓፈሻ፡ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ብሉጻት መራሕትና ዘካይዱዎ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ድማ ብፍላይ፡ ሰለም ኣቢሉ ኣይፈልጥን። ብቐዳምነት ሰሪዑ ክሃድኖ ዝጀመረ ድማ፡ ንብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ እዩ። መሪሕነትና ድማ፡ ነዚ ሓቂ'ዚ ኣጸቢቑ ፈሊጡዎ ነበረ። ስለዝኾነ'ውን፡ ብጻይ ዘካርያስ፡ ንመቐለ ገዲፉ፡ ናብ ከተማ ደሴ ከደ። ኣብ ከተማ ደሴ ድማ፡ ካብ'ቲ ከተማ ንምብራቕ ሸነኽ ኣብ ዘሎ፡ ቅንጭብን ቀላሚንጦስን ዝበዝሖ፡ ካብ ማእከል ከተማ እልይ ዝበለ ከባቢ መሪጹ እዩ ክቕመጥ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብኡ ኮይኑ ድማ፡ ናይ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ(ደምሓኤ) መጽሄት ኣግእዞን፡ ናይ ምትእስሳር ኣግእዞ ርሂጸ በላዕ ኤርትራ(ምኣርኤ) መጽሄት ማዕበል ሸቃላይ ዝባሃላ ዕላዊ መጽሄታት፡ በብወርሑ የዳሉ ነበረ፤ ብተወሳኺ፡ ብሸነኽ ደቡባውን ምብራቓውን ሃገርና ዝካየዱ ውደባዊ ንጥፈታት ድማ፡ ብቐረባ ዝከታተልን ዝመርሕን፡ ውፉይ፣ ህርኩት ን18 ሰዓታት ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ዘሕልፍ ዝነበረ ብሉጽ መራሒና እዩ ነይሩ።

መሪሕነት ደምሓኤ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክንክተሎ ዝግባእ ኣገባብ ቃልሲ፡ ብቐጻሊ ከጽንዕ ጸኒሑ ነበረ። ብመሰረት'ዚ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1995 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ኮተቤ ዝባሃል ከባቢ፡ ብሕቡእ ኣብ ዘካየድናዮ 4ይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ንፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ ንምውጋድ ክንክተሎ ዝግባእ ቃልሲ፡ ብዝተናውሐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝስነ ክኸውን ከምዘለዎ ተወሰነ። ነዚ ውሳነ መሰረት ብምግባር፡ ጽፉፍ መጽናዕቲ ኣካይዱ፡ ዝጅመረሉ ኩነታት ክትልም ሓላፍነት ዝተቐበለ ኣካል ድማ፡ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ነበረ። ስለዝኾነ'ውን፡ ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ኣብ ውሽጡ፡ ዕዮ መቐላ ብምግባር ተዋፈረ። እተን እዋናውያን ዕማማት ኢሉ ዝሓዘን 1. ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝጅመረሉ ከባቢ ምጽናዕ 2. ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝዋፈር ሰብኣዊ ዓቕሚ ምድላው። 3. ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምጅማር ዘብቅዕ ዕጥቅን ካልእ ንዋትን ምድላው ዝብላ ነበራ።

ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ፡ ምስ'ቲ ኣቐዲሙ ብሓላፍነት ዝተሸከሞ ጽዑቕ ፖሎቲካውን ፕሮፒጋንዳውን ዕዮ ብተወሳኺ፡ ብደቡብን ምብራቓውን ሸነኽ ኤርትራ፡ ዕጥቃዊ ተጋድሎ ዝጅመረሉ ኩነታት ኣብ ምጽናዕ ዝተዋፈረ ጉጅለ፡ ብቐረባ ክከታተልን ኣማራርሓ ክህብን ዝተዋፈረ ነበረ። እዚ መደብ'ዚ ድማ፡ ምስኡ ብዝተመደቡ ካድራትን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰሪዕናዮም ኣሎና ብዝተባህሉ ባእታታት ክፍጸም ዝተተለመ ነበረ። ኣብ'ዚ ወፍሪ'ዚ፡ ብቐረባ ብብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ዝዋሃቦ መደብ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ድማ፡ "ተጋዳላይ" ነጋሲ ደስታ ነበረ።

ብምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ድማ፡ ኣቦ መንበር ውድብና ብጻይ ገብረብርሃን ዘርአ (ወዲ ዘርአ) ሓላፍነት ተሸኪሙ ዝንቀሳቐሰሉ ነበረ። ነዚ መደብ'ዚ ንምዕዋት ድማ፡ ብሑሞራ ሸነኽ ዝጀመሮ መጽናዕቲ ነበረ። ኣብ'ዚ መደብ'ዚ ክሳተፍ ጀሚሩ ዝነበረ ድማ፡ ኣብ ሑሞራ ዝቕመጥ ዝነበረ "ኣባል" ውድብና እንብሎ ዝነበርና፡ ኣቶ ፍስሃየ ሓድጉ(ወዲ ሓድጉ ነበረ።

ብጻይ ወዲ ዘርአ- ኣቦ-መንበር ውድብና፡ ብሑሞራ ዝጀመሮ ዳህሳስ፡ ብኣንቶረ ገጽ ንውሽጢ ሃገር ዕሙቕ ኢልካ መጽናዕቲ ከካይድ ከምዘለዎ ብምውሳን፡ ኣብ ከባቢ ፍርቂ ነሓሰ 1996 ዓ.ም. ዘድሊ ዕጥቅን መጠናዊ ስንቅን ሒዙ፡ ሻዱሻይ ርእሱ፡ ብለይቲ ብሽራሮ ኣቢሎም ንሙኩቲ ገጾም ተዋፈሩ። ኣብ'ታ ፈለማ ማዓልቲ ወፍሮም፡ ካብ ሸራሮ ምስ ወጹ፡ ሓደ "ኣባል" ሙሉቕ ኢሉ ጠፍኦም። ግን ከኣ፡ ገና ካብ መሬት ትግራይ ከይወጹ ስለዝነበረ፡ መንገዲ ቀይሮም ጉዕዞኦም ቀጸሉ። ብሙኩቲ ገጽ ኣቢሎም፡ ናይ'ቲ ከባቢ ኣቀማምጣን ምንቅስቓስ ሰራዊት ህግደፍን ከጽንዑ እናተዳለዉ፡ ኣብ ሞንጎ፡ ሓደ ተጋዳላይ ብሕማም ዓሶ ተታሒዙ። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ደሓን ዝተላለዩዋ ገዛ ገዲፎሞ፡ መጽናዕቶም ንምጥንኻር ናብ ከባቢ ሽላሎን ኣንቶረን ገጾም ተዋፈሩ። መዓልቲ ምጅማር ብረታዊ ገድልና ባሕቲ መስከረም እናቀረበ ከደ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ክሊ ኩነታቶም ኮይኖም ከብዕሉዋ ከም መደብ ዝሓዙዋ ነበረት። ብቐንዱ ድማ፡ ደሃይ ናይ'ቲ፡ ኣብ'ታ ገዛ ሓዲጎሞ ዝኸዱ ዝሓመመ "ተጋዳላይ" ክፈልጡን፡ ባሕቲ መስከረም ድማ፡ እኽብክብ ኢሎም፡ ኣብ'ታ ዝተኣማመኑላ ገዛ ብሓባር ክውዕሉ፡ መሬት ምስይስይ ምስ በለ፡ ብማሸላን ዑፉንን ድፍን ብዝበለ ግራውቲ፡ ከውሊ ገይሮም ናብ'ታ ገዛ ገጽ እናቐረቡ ከዱ፡፡ ግን ከኣ ሓድሽ ምንቅስቓስ ናይ ሰባት ተዓዘቡ።

ጉጅለ ስለላን ጸጥታን ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኢትዮጵያ መዐንደሪቶም ዝገበሩዋ እዋን እዩ ነይሩ። መራሕትን ካድራትን ውድባት ኤርትራ ድማ፡ ትሕተ ባይታ ኮይኖም ዝንቀሳቐሱሉ እዋን ነበረ። ካብ ኣዲስ-ኣበባ፡ ብኤምባሲ ዝዋፈር፡ ካብ መቐለ ቆንስላ ቤት-ጽሕፈት ድማ፡ ብኣብርሃለይ ክፍለ ዝዋፈር ናይ ስለላን ቅንጸላን ጉጅለ ህግደፍ፡ ላዕልን ታሕትን እናበለ፡ ዜጋታት ዝጨውየሉን ዝቕንጽለሉን እዋን ነበረ። ኣብ'ቲ ከባቢ'ቲ ከም ሕሱም ዝድለ፡ ሓደ ካብ'ቶም ላዕለዎት መራሕቲ ውድባት ድማ፡ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ፡ ካብ መቐለ ክሳብ ደሴ፡ ይንቀሳቐስ ኣሎ እናተባሃለ፡ መጻወድያ ይዳለወሉ ነበረ። ኣብ ውሽጢ ውድብና ድማ፡ ብቐንዱ ከም ካድራት እንፈልጦም፡ ግን ከኣ፡ ካብ ካልእ ተጋዳላይና፡ ዝተፈለዩ ክዳውንትን ስኒከር ጫማታት ብምልባስ ዝልለዩ፡ ብውሽጥና ድማ፡ ካበይ ኣምጺኦሞ እናበልና እንሓምዮም፡ ደፊርና'ውን እንሓቶም ዝነበርና፡ ዘየቕሰኑና ውልቀ ካድራት፡ ኣብ ከባቢ ብጻይ ዘካርያስ ነበሩ። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ እዩ፡ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ፡ ብ"ተጋዳላይ" ነጋሲ ደስታ፡ ሕቡእ "ኣባልና" ምሳኻ ክራኸብ ካብ ኤርትራ መጺኡ ኣሎ ተባሂሉ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ደሴ፡ ናይ ምሸት ቆጸራ ዝተታሕዘሉ። ማኣስ እዩ እንተኢልኩም፡ ምሸት 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም. ።

ምሸት 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም.፡ ብርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ከባቢ ሽላሎን ኣንቶረን ትዋፈር ምህላዋ ዝተፈለጠት፡ ብኣቦ መንበር ውድብና ብጻይ ገብረ ብርሃን ዘርአ ትምራሕ ጉጅለ(ኣሃዱ)ን፡ ኣብ ከተማ ደሴ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ፡ ዝተዋደደ ናይ ቅንጸላ ተግባር ንምፍጻም፡ ዝተጸንዐ መደብ ዝተዋሃበን ናይ ቅንጸላ ጉጅለታት፡ ዝተዋፈራላ ሰንካም ምሸት እያ ነይራ።

ዕላምኡ ድማ፡ ዘየሻሙን ንጹርን ነበረ። ንውድብና ደምሓኤ፡ ዓይና ዝኾኑ ክልተ ላዕለዎት መራሕታ ኣብ ሓንቲ ምሸት ብምንቋር፡ ካብ ፖለቲካ ኤርትራ ነበረት ንምግባር ዝዓለመ ሓደገኛ ወፍሪ እዩ ነይሩ። ግን ከኣ . . . እቲ ዝኾነ ዝስዕብ እዩ።

ብጻይ ወዲ ዘርአ ኣቦ-መንበር ውድብና፡ ዝመርሓ ኣሃዱ ከውሊ ተጠቒማ፡ ና'ብ'ታ ገዛ እናቐረበት ምስ ከደት፡ ኣብ ልዕሊ'ታ መዕረፊቶም ገዛ እትርከብ ንኡሽተ ኩጀት፡ ጉምቡሕ ጉምብሕ እናበሉ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ምህላዎም ተዓዘበት። ብጻይ ገብረብርሃን ድማ፡ መሬት ኣይደሓናን ዘላ ብምባል፡ ነታ ዝመርሓ ጉጅለ፡ ክተቡርኽ ኣዘዛ፡፡ እታ ጉጅለ ኣብሪኻ ድማ፡ ኩነታት ብቱኽረት ተኸታተለት። እታ ከባቢ ሰብ ገይራ ምህላዋ ብምስትውዓል፡ ነቶም ብዘራእቲ ዝተሸፈኑ ግራውቲ ከውሊ ብምጥቃም ኣርሒቖም ኣንሳሓቡ። ኣብ ዘተኣማምኖም ቦታ ኮይኖም ድማ፡ ነቲ ከባቢ እናተኸታተሉዎ ሓደሩ። ንጽባሒቱ ድማ እናተኸታተሉዎ ወዓሉ። እቲ ብሕማም ምኽንያት ኣብ'ታ ገዛ ገዲፎሞ ዝኸዱ "ተጋዳላይ" ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዝኸውን ዝላዓለ ግምት ኣሕደሩ። ስለዚ ድማ፡ ብጥንቃቐ ናብ'ቲ ቦታ ተጸጊዖም ከረጋግጹ ወሰኑ። እቶም ኣብ'ታ ኩጀት ጉምብሕ ጉምብሕ እናበሉ ክንቀሳቐሱ ዝረኣዩዎም ሰባት፡ መን ምዃኖም ድማ፡ ኣይሰሓቱዎምን፡፡ ግን ከኣ፡ እታ ዝሓሰቡዋ ስርሒት ምስ ፈሸለቶም፡ ባሕቲ መስከረም ከብዕሉ ናብ ቦታኦም ከምዝምለሱ ዝዓበየ ግምት ነበረ።

እቲ ኣብ ከተማ ደሴ ዝተዋደደ ናይ ቅንጸላ መደብ ግን፡ ብቐሊሉ ክስገር ዝኽእል ኣይነበረን። ናይ ብጻይ ዘካርያስ ቆጸራ ብሓደ ላዕለዋይ ካድር ዝተዋደደ እዩ ነይሩ፡፡ ቅድም ኢሉ፡ ''ተጋዳላይ'' ነጋሲ ደስታ፡ ናይ ባህሪ ጸገማት ከንጸባርቕ ጀሚሩ ብምንባሩ፡ ኩነታቱ ኣብ ሕቶ ኣትዩ ነበረ። ግን ከኣ፡ ነቲ ዝተዋሃቦ ምስጢራዊ ተልእኾ ክፍጽም እንተኾይኑ፡ ብመራሕትን ካድራትን ደምሓኤ፡ ተኣማንነት ክረክብ ነይሩዎ። ስለዚ ኣቐዲሙ ኣብ ቅድሚ ናይ ቀረባ መራሒኡ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ቀሪቡ፡ ተናዚዙ፤ ድኽመቱ ኣሚኑ፤ ርእሰ ነቐፌታ ገበረ፤ ስለዝኾነ'ውን፡ ብብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ዝሓሸ ተኣማንነት ኣሕዲሩ ነበረ። ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ'ታ ምሸት እቲኣ ዝመደባ ቆጸራ፡ ኣብ ጥርጣረ ኣይወደቐትን። ስለዚ ድማ፡ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ፡ ናብ'ታ ዝሓዘሉ ቆጸራ ከርክብ፡ ከም'ቲ ልሙድ፡ እታ ዝኽደና ጋቢ ተሸፊኑ፡ ከባቢ ሰዓት 7.00 ናይ ምሸት፡ ካብ'ታ ዝሰርሓላ ገዛ ወጺኡ ንከተማ ገጹ ተበገሰ። ካብ ከባቢ ገዛ ርሕቕ ኢሎም ተኸዊሎም ዝጽበዩዎ፡ ክልተ በላዕቲ ሰብ ናይ ቅንጸላ ጉጅለ ኣባላት ስርዓት ኢሳያስ ምህላዎም ግን ኣይፈለጠን። ኣብ ከባቢኦም ምስ ቀረበ ግን፡ ብዝሓዙዎ ድምጺ ዘይብሉ ብረት ቶኲሶም ኣውደቑዎ። ኣሸበሸብ ብሂወት ዝተርፈሉ ዕድል ከይፍጠር፡ ብሸሞንተ ጠያይት ቀንጸሉዎ። እዚ ዘሕዝን ግፍዓዊ ተግባር'ዚ ምስ ተፈጸመ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ደዊሎም ሓበሩና።

እዚ ኣብ ልዕሊ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ዝተፈጸመ ቅንጸላ ዝኣዘዙ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ናይ ቀረባ መሳርሕቱን ምዃኖም ዘይሰሓት እዩ፡፡ ነዚ ግፍዓውን ጨካንን ተግባር'ዚ ዝፈጸሙ ልኡኻት ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ቅንጸላ ተግባራት ኣብ ምፍጻም ዝዋፈር፡ ኮሎኔል ሽደን(ለምለም) መለስ ምስ ካልኣዩ ምዃኖም ተፈሊጡ እዩ። ነዛ ናይ ቅንጸላ ስርሒት'ዚኣ ዘዋደደ፡ "ካድር" ደምሓኤ "ተጋዳላይ" ነጋሲ ደስታ ድማ፡ ዝፈጸሞ ናይ ክድዓት ወንጀል ድቃስ ስለዝኸልኦ፡ ንግሆ ባሕቲ መስከረም 1996 ዓ.ም. ብሓደ ሺሕ ብር ኩንትራት መኪና ሒዙ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክጓዓዝ፡ እናተዳለወ እንከሎ፡ ኣብ ቁጽጽር ጸጥታ ፖሊስ ከተማ ደሴ ከምዝዋዓለ ፈለጥና። ድሕሪኡ ኣበይ ከምዘሎ ግን፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የልቦን።

እምባኣርከስ፡ 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም. ናይ ምሸት፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ከም ዓይኒ ብሌና እንርእዮም ዝነበርና ብሉጻት ጀጋኑ መራሕትና፡ ናይ ጥፍኣት ድግስ፡ ዝተዋደደላ ዕለት እያ። ብርግጽ ንሽዑ፡ ብጻይ ገብረብርሃን ዘርአ፡ ካብ'ቲ ናይ ጥፍኣት ደግስ ኣምሊጡ ወጺኡ እዩ። እታ ነታ ናይ መጽናዕቲ ኣሃዱና ክተሕቅቕ ዝተዳለወት ጉጅለ ድማ፡ ተልእኾኣ ፈሺሉ፡ ጥራሕ ኢዳ ዝተመለሰትላ ምሸት እያ።

በቲ ካልእ ድማ፡ ኣብ'ዛ ምሸት'ዚኣ ዝተዋደደ ቅንጸላ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዉፉይ፡ ዓብይ ትጽቢት ዘንበርናሉ፣ ደኺሙኒ ዘይፈልጥ፡ ብሉጽ ጅግና መስመራዊ መራሒና፡ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ፡ ብዘሰቅቕ ኣገባብ፡ ዝሰኣናላ፡ ወትሩ ዘይትርሳዓኒ መራር ዕለት እያ። ብሰንኪ'ዚ ሓደጋ'ዚ ኣብ ልዕሊ ደምሓኤ ዝወረደ ጉድኣት ድማ፡ ከቢድ እዩ። ኣዝዩ መሪር እዩ።

ኣብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ፡ ብጻይ ወዲ ዘርአ ዝመርሓ ጉጅለ፡ ጉዕዞኣ ጥንቁቕ፡ ስዳሮኣ ህዱእ፡ ዝመረጸቶ መንገዲ ድማ፡ ከውሊ ዝነበሮ ብምንባሩ፡ ካብ'ቲ ዝተጻወደላ መፈንጠራ፡ ብሰላም ክትወጽእ በቒዓ እያ። ካብ'ቲ ከባቢ ኣልጊሳ፡ ኣብ ቀረባ ርሕቀትት ኮይና ክትጸናጸን ድሕሪ ምሕዳርን ምውዓልን ድማ፡ ምሸት ባሕቲ መስከረም- 1996 ዓ.ም. ደሃይ ሕሙም "ተጋዳላይ" ጉርጃ(ኣናንያ) ንምፍላጥ፡ ናብ'ታ ገዛ ህሩግ በለት። ምስ'ቶም ስድራ ድማ፡ ተፋጠጥ ኮነ። "ተጋዳላይ" ጉርጃ፡ ኣብ'ቲ ገዛ ኣይጸንሖምን። ብውሽጦም ሰንበዱ። ግን ከኣ ከራጋግጹ ነይሩዎም። ብዛዕብኡ፡ ነቶም ስድራ ሓተቱ። ዘይገመቱዎ መልሲ ድማ፡ ረኸቡ። እቶም ስድራ፡ እቲ ዝገደፍኩሞ ብጻይኩም ብድሕሬኹም ኣይዋዓለ ኣይሓደረ፡ ሽዑ እንድዩ ደድሕሬኹም ዝኸደ። ኣከያይድኡ ግን፡ ናብ መንግስቲ እዩ ዝመስል በሉዎም።

ኣብ'ታ ምሸት'ቲኣ፡ 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም. ተጻዊዱ ዝነበረ ድብያ፡ ከዳዕ "ተጋዳላይ" ጉርጃ(ኣናንያ) ብዝሃቦ ሓበሬታ ዝተዋደደ ምዃኑ፡ ንብጻይ ወዲ ዘርአን ዝመርሓ ኣሃዱን ብሩህ ኮነሎም። ምኽንያቱ፡ ''ተጋዳላይ'' ጉርጃ ሓሚሙ ኢሎም ክገድፉዎ እንከለዉ፡ ካብ ወፍሮም ምሸት 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም. ክምለሱዎ ምዃኖም፤ ባሕቲ መስከረም ድማ፡ ብሓባር ከም ዘብዕሉዋ ሓቢሮሞ እዮም ወፊሮም ነይሮም።

ብጻይ ወዲ ዘርአ ዝመርሓ ጉጅለ/ኣሃዱ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክትጎድል ጀመረት። ብዘይካ ሓደ ተጋዳላይ፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ተጋደልቲ'ውን፡ ነቲ ዘጋጠሞም ውጻእ ውረድን፡ ጽንኩር ኩነታትን ክጻወሩዎ ኣይካኣሉን። ስለዝኾነ'ውን፡ ክፋነዉ ናብ ብጻይ ወዲ ዘርአ ሕቶታት ከቕርቡ ጀሚሮም ነበሩ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ብጻይ ወዲ ዘርአ፡ እቲ መጽናዕትን ጭቡጥ ገድላዊ ዕማምን፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ንምቕጻል፡ ተወሳኺ ሓይሊ ክለኣኸሉ መደብ ነበሮ።፡

ብጻይ ወዲ ዘርአ፡ ኣብ'ታ ምስ ኣሃዱኡ ንስክላ ዘምለጡላ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ደሴ ዝተዋደደ መደብ ምንባሩን ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝኣምኖ መሳርሕቱ፡ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝፈልጦ ኣይነበሮን። ከም"ዚ ሎሚ፡ ስሉጥ ናይ ስልኪ ርክብ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ፡ ምስ ብጻይ ዘካርስ ንጉሰ ተራኺቡ፡ ተወሳኺ ሓይሊ ክለኣኸሉ፡ መምርሒ ከውርድ ስለዝነበሮ፡ ናብ ከተማ ሽረ፡ ናይ ግድን ክድይብ ነይሩዎ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ዝሓዙዎ ዕጥቂ፡ ኣብ ባዓቲታት ከባቢ ሩባ ተከዘ ሓቢኦም፡ ምስ ጉጅልኡ ናብ ሽራሮ ደየበ። ነቶም ክልተ ክፋነዉ ዝሓተቱ ተጋደልቲ ድማ፡ ንዘበርከቱዎ ናይ ቃልሲ እጃም ኣመስጊኑ፡ ብሰላም ናብ ዘዝደለዩዎ ኣፋነዎም። እቲ ሓደ፡ ነቲ ዝተዋፈረሉ ቃልሲ ክቕጽል ዝወሰነ ብጻይ ግን፡ ኣብ ሸራሮ ክጸንሖ ሓቢሩ ናብ ከተማ ሽረ ደየበ። ናብ ስልኪ ቀሪቡ፡ ናብ ደሴ ደወለ። መልሲ ዝህቦ ብጻይ ግን ኣይነበረን። በቲ ዝተፈጠረ ሓድሽ ኩነታት፡ ኩሎም ኣብ ከባቢ ብጻይ ዘካርያስ ንጉሰ ዝነበሩ ብጾት'ውን፡ ንግዝይኡ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ነበሩ። ከም'ቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ናይ "ተጋዳላይ" ነጋሲ ደስታ ጉዳይ ግን ፍሉይ እዩ። ብምቕጻል ናብ ኣዲስ ኣበባ ደወለ። ኣብ'ቲ ከባቢ ዝነበሩ ብጾት ተቐበሉዎ። ናብ ደሴ ደዊሉ መልሲ ዝህቦ ከምዘይረኸበ ሓበረ። ብጾት ድማ፡ ብሓፈሻ "ሓድሽ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዚ ብኣካል ተራኺብና ንዘራረብ'' ብምባል፡ ማእከላይ ቦታ ወሲኖም፡ ተራኺቦም ኣዋግዑ። በቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓድሽ ኩነታት ምኽንያት፡ ኣብ ውድብና ክፍጠር ዝኽእል ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ንምትህድዳእ ተዋፈሩ።

ውድብና ደምሓኤ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቃልሲ ጉዕዙኡ ዝተፈላለዩ ብደሆታት ኣጋጢሞሞ እዮም።   ካብ ጽባሕ ሓርነት ጀሚሩ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢህወደግን መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ብዝተመስረተ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፡ መሓውራት ስለላን ጸጥታን ህግደፍ፡ ሃገረ ኢትዮጵያ መዐንደሪቶም ስለ ገበሩዋ፡ ኣብ ልዕሊ ሂወትን ንብረትን ውድብና ደምሓኤ፡ ጉድኣት ክወርደና ከምዝኽእል፡ ብንጹር ተሓበረና። ቀዳሞት ግዳይ ክኾኑ ዝኽእሉ ድማ፡ ላዕለዎት መራሕትናን ካድራትናን ከምዝኾኑ ብዓብይኡ ተገሚቱ፡ ክንዲ ዝኸኣልናዮ ጥንቃቐ ክንገብር ተኣሚቱልና ነበረ። እቲ ዝተገመተ ኣይተረፈን፤ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ንብረታትን ገንዘብን ደምሓኤ፡ ብስርዓት ኢሳያስ፡ ዝተፈላለዩ ሸርሕታት ተፈጺሞም እዮም። ከም፡ ምሸት 31 ነሓሰ 1996 ዝመርር ሓደጋ ግን ኣይገጠመናን። ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናላ መራር ዕለት እያ። ወትሩ ኣይትርሳዓንን። ብ04 ለካቲት 1997 ዓ.ም. ድሕሪ ፍርቂ ዓመት ድማ፡ ዝቐደመ ውድባዊ ቁስልና ንምሕዋይ፡ ላዕልን ታሕትን ኣብ ንብለሉ ዝነበርና እዋን፡ ካልእ መሪር ውቅዒት ኣጋጢሙና። ብዛዕባ'ዚ ብዝምልከት ኣብ ማዓልቱ ዝብለሉ ክኸውን እዩ። ንግዝይኡ ግን፡ ክሰግሮ ይሓይሽ።

ይኹን'ምበር፡ በቲ ዝወረደና ተደራራቢ መጥቃዕቲ፡ ተስፋ ኣይቆረጽናን፤ ርእስና ኣየድነናን፤ ዝሓደጉልና ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መስመር ተሓንጊጥና፡ ጽንኩር መድረኻት እናሰገርና፡ ንቃለስ ኣሎና። ናብ ናይ መወዳእታ ዓወት ንምብጻሕ ድማ፡ ካባና ዝጥለብ፡ ክሳብ መስዋእትነት ክንከፍልን፡ ኣሰር ጀጋኑ ስዉኣት መራሕትና ክንክተልን ወትሩ ድሉዋት ኢና። ዓወትና ድማ፡ ናይ ግድን እዩ።

ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ኣይነዕብርን!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ብርሃነ ሃንጀማ።

31 ነሓሰ 2020 ዓ.ም.