ህዝቢ ቢንዓምር ብኣርሕቡዩ ዝልለ

ብጉጅለ ኢሰያስ መን ዘይተበደለ

ብደቂ መታሕት ከም ዝተዓብለለ

ዮሴፍ ሱሳ ካብ ሚእቲ ዮም ዝበለ

እንታይ ዕላማ ክሃርም ስለ ዝደለ’’  

ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ

ኣብ ክልተ ጃንዳ ዘዝኣለምዎ ካብ ንካሰስ

ሐደን ንህወሐት ሐደን ንህግደፍ ይውድስ

ብሰለስተ ጎራሐት ንፋስ ኣይነእቱ ንፋስ’’

ኣታ ሃይለ ሚካኤል ክንደይ ከ ትሕሱ

ንጥባሕ ጥባሕ ዘለዎም ብቕትለት ክትከሱ

ትራግራይ ሜዲያ ጽልኢ ዘጓሃህር መመሊሱ’’

ሐሳዊ ኣዳራሽ ገዛ መዕነዊ’’መናውሒ ስልጣን ኢሰያስ ኣይት እጎዱ ሐዊ’’እቲ ነዓይ ዘስደመመ’’ብሐይሊ ምስ ወጹ ካብ ባድመ’’ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ ሐራ ገርካስ’’ኣብ ልዕሊ ምክልኽል ሐይልታት ኤርትራ ጸለመ’’ብህልቀት ህዝብታት’’ ማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ እዩ ተሐታቲ’’ ህዝቢ ኤርትራ ሩፍታ ኣይረኸበን ዋላ ንሐንቲ መዓልቲ’’ንኹንኖ ወ’’ብጥይት ይኹን ብተንዲኖ ዝቐተለ’’ኣይውክለናንዩ ንኢሰያስ ዝኸደመ።

ቤት ክርስትያንን መሳጊድን ኤርትራ ደም ኑጹሃት ነዚዑ

ኣጡባት ኣደታት ኤርትራ’’ብሰራዊት ኢትዮጵያዊ ተበሲዑ

ባርባራዊ ህልቀታት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዑና ዘንጊዑ

ምስያም ኣቑርደት ብሰዲራ ሒርጊጎ ወክድባ ሽዕብ ተረሲዑ

ዮሴፍ ገብሪሂወት ሃይለስላሴ ደርጊ ይሐይሽ ክብል ተሰሚዑ

ዘይሉኡኽ ኣስራተ ካሳ ዩ ንህዝቢ ትግራይ ደም ኣንቢዑ”

ተረካቢ ይዓድዮ

ናይ 75 ጃምላዊ ህልቀት መዓስ ረሲዕናዮ

ናይ ሃይለ ስላሴይ ደርጊ ይሐይሽ ዝበልካዮ

መሃንድስ ጥፍኣት ኢሰያስ ኢትዮጵያዊ ዋህዮ

ንህዝቢ ኤርትራ ን29 ዓመት ብልማማ ዘሳቐዮ

ካብ ሃይለ ስላሴይ ደርጊን እንታይ ይፈልዮ

ደም ህዝቢ ትግራይ ምፍሳስ መዓስ ደጊፍናዮ’’

ኤርትራዊ ኣስላማይ ክስታናይ

ብመራሒ ጭፍራ ዝኾኑ ግዳይ

ያኣክል ሐሶት ጠቐራ

ምክልኻል ሐይልታት ኤርትራ

ካብ ራስ ቄሳ ክሳብ ራስ ዲሜራ’’

ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣበይ ከቢሩ

ህግደፋዊያን ህዝቢ እንዳ ጸነተ ዝዝምሩ

ብዙሐትዮም ንመንነትና ዘራኽሱ ዘሕስሩ

ብተዳናገጽቲ ህወሐት ኤርትራዊ ሐሲሩ’’

ብኢትዮጵያዊ ናብ ጸላም ወዲቃ ዓዲ

ካብ መግዛእቲ ናብ ትሕቲ ቀይዲ

ብህግደፍ ህዝቢ ብዘይ ቅዋም ፍርዲ

ብማፍያዊ ጉጅለ ተረጊጹ ብግዲ’’

ዝተፋላለየ ቋንቋ ዝዛረብ ናይ ኤርትራ ህዝቢ

ኣነ እየ ቢንዓምር ትግረ ሕዳረብ ቢለን ተዛራቢ

ትግሪኛ ናራ ኩናማ ዓፋር ሳሆ ብሐደ ንበለ ምግቢ

ደቀባት ኣይነፍቅድን ክፈላልየና እምኒ ዝድርቢ’’

ዓቕሊ ጽበት እንታይ ዘየዛርብ

ህዝቢ ኤርትራ ብጭፍራ መከራ ይጸግብ

ተንቤናይ እዩ ንወያነ ነምሐራ ዝኣኻኽብ

ንደቀባት ኣዳኺሙ ንኢትዮጵያ ከረክብ’’

ኣብታ ጀጋኑ ዝፈረየት ሳንጆርጆ ዝተማህረ

ዮሴፍ ገብሪሂወት ዘይዕላሙኡዩ ዝመሃረ

ንመንእሰያት ኣንፈቶም ክስሕቱ ዝገበረ’’

ዮሴፍ ገብሪሂወት ብወለዶ ኤርትራዊ  

መደረታቱ መእሰሪ ዘይብሉ ተጋራጫዊ

ብስነ ሐሳቡ ከም ኢሰያስ ኢትዮጵያዊ

ኤርትራ መኻን ኣይኮነትን ኣሎ መርሃዊ’’

ብህግደፍ ምስ ጸመመ እዝኒ

ትግራይ መድያ ኣይትሐዙኒ

ኣንፈቶም ዝሰሐቱ ደገፍቲ ኣለዉኒ

ዘራይ ረኺበ ሞ በትረይ ሃቡኒ’’

ስዉር ዕላማ ሒዝካ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ

ትግራይ መድያ ሃዉስ ጸሎሎ ለኺካ ምብካይ

ህግደፍ ህወሐት ብልጽግናን ሐደ እዮም ነዓይ

ንህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺሞም ከእትዉሉ ውሳይ

ሐደ ዕላማ ኣለዎም ዘይናቶም ባሕሪ ምምናይ’’

(ኣነየ ኤርትራዊ ቢንዓምር ትግረ ተዛራቢ)

ህዝቢ ኤርትራ ተቐባሊ ጋሻ ኣይኮነን ዓማጺ

ኢሰያስን መሻርኽቱንዩ ደም ኑጹሃት ዝመጺ

እዚ ዩ ናይ ሐርበኛታትን ዋዕሮታትን ድምጺ’’

ካብ ሐስዮም ዘታዓርቑ ሐስዮም ዘባእሱ በዚሖም’’እዚ ኩሉ ደም’’ምፈሰስ ዶ ህወሐት’’ካብ ባድመ ምውጻእ እንተዘይ ሕሰም’’ ኢሰያስ ጃንዱኡን ምፈረሱ ቀደም’’ሐሲኻ ኣታዓርቕ እንበር’’ ሐሲኻ ኣይተባእስ’’ክበልዕ ዝደለየ ገደል ኣፉ’’ሰልጠነ ኣብ ፌስቡክ’’ ሐላፍነት ዝጎደሎ ወረ ኣማሐላሊፉ’’ትፈልጥ ዶ ሰልጠነ’’ሐላፍነት ዝጎደሎ ወረ’’’የሕትት ከም ዝኾነ’’ ተባህለ ኢልና ካብ ንዛረብ’’ኣዚርና ንሕሰብ’’እሞ ዓገብ ንበል’’ካብ ዓገብዩ ፍታሕ ዝርከብ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ካብ ሰናይ ግርብትና ዝምነ‘‘ኣባል ተ,ሐ,ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።