ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወትሩ ድላዩ ምስ ገበረ’ዩ። ብዛዕባ ንሱ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዝወስዶ ስጉምቲ ዝዓጦ ሰብ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ በቲ ዝወስዶ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ኣብ ክንዲ ዝሕፍር፡ ተገልቢጡ ከስተናዕቕ ከባጩ ዝስማዕ።

እዚ ብናይ መንነት ቅልውላው ርጋኣት ዝሰኣነ ፈራሕ ጨካን ሰብ’ዚ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ’ሲ ነቲ ባዕሉ ዝወስዶ ገበናዊ ተግባራትን ስትራተጂካውያን ጌጋታትን ኣነ ኣይፈለጥኩን ኣይነበርኩን ብዝብል ድኹም ምኽንያት ንኻልኦት ከላግበሎም ይፍትን’ዩ። ጌጋታትካን ሳዕቤናት ጌጋታትካን’ሲ ባዕልኻ ደኣ ተሰከሞ፡ ተሓተተሉ ክበሃሎ እንከሎ ከኣ ከም ብዱል ናይ ሓሶት ሕርቃን የርኢ። እቲ ውሳኔ እቲ ትእዛዝ ናትካዩ በዓልኻ ድማ ትሕተተሉ ንዝብሉ ሰባት ብሓሳብ ዘይኮነ ብኣካል ብምጥፋእ እፎይ ናይ ምባል ስሩት ኣመል ኣለዎ።

እዚ ሰብ ነዚ ህዝብን ሃገርን ልክዕ ከም ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ’ዩ ኣስተርሕዩ ዝገዝእ ዘሎ። እታ ሃገር ርስቱ እቲ ህዝቢ ጥሪቱ ቆጺሩ ከም ቃሕታኡ ይገዝእ ኣሎ። ይመርሕ ኣይኮነን ዘሎ፡ ይገዝእ’ዩ ዘሎ። ስቕ ኢልካ ከይትግዛእ ሕልና ዘይቅበሎ ባርነት ኮይኑ፡ ዓው ኢልካ ዓገብ እንተበልካ ነቶም ባርነት ብሰናይ ፍቓዶም ዝተቐበሉ ኣመለኽቱ ልኢኹ ብዘይ ዝኾነ ሕቶን መረዳእታን ብበትሪ ይሰሃለካ። ኣካልካ የጉድለካ። ብኡ ንብኡ የጥፈኣካ። ንሓሳብ ንርእይቶ ብስነ-መጎት ሓይሊ ብምቕታል ክስዕር ዝሓልም ደንቆሮ ገዛኢ።

ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ’ዚ ፈራሕ ጨካን ውልቀ-ሰብ ሰናይ ፍቃድ ካብ ዝኣትው ነዊሕ ዓመታት’ዮም ገይሮም።እዚ ድሕሪ ምብራር ግዳማዊ ገዛኢ ዘሎ 28 ዓመታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዘይጭበጥ ፖለቲካዊ ምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነት ከም መፈላለዩ ተጠቒሙ፡ ስለምንታይ ዘይብሉ ብናቱ ኣገላልጻ ጨጓር ዳንጋ ወዲቡ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈልየሉ መጀመርያ ሰብዓታት ወሲኽካ ኣስታት 48 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ መሪር ፖለቲካዊ ጭቆና 48 ዓመታት ምንባር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዓሌታዊ ስርዓት ‘ምበር ካልእ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ክልተ ወለዶ ዝተሳቐይሉ ጸሊም ታሪኽ’ዩ።

ተማሂርና ዝብሉ፡ ሃብቲ ኣለና ዝብሉ፡ ናይ ግድምና ገድሊ ኣለና ዝብሉ፡ ሕልናኦም ዝሸጡ ንባርነታዊ ኣገዛዝኣ ዝረዓሙ ኣመለኽቲ ኣብ ዙርያኡ ኣሰሊፉ ብባህሪ ኮነ ብተግባር ንምምሳል ዝገብሮ ፈተነታት ከኣ ካብ መለለይታቱ ሓደ’ዩ። ንኣብነት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምስ ገለ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ገይረዮ ዝብሎ ዕርቀ ሰላም፡ ከቲመዮ ዝብሎ ስትራተጂካዊ ውዑላት ጻዕዳ ሓሶቱ ዝሕብር’ዩ። ብውጥን ብመደብ ጠለባት ህዝቢ ክምልስ መሰረታዊ ባህሪኡ ስለ ዘየፍቅደሉ፡ ሓሶትን ታህዲዱን ብማዕረ ወዲኑ ከም ቅኑዕ ፖለቲካዊ መትከላዊ መርሆ ሒዙ ቀጻልነት ጨፍላቒ ኣገዛዝኣኡ ንምርግጋጽ ይሰርሕ ኣሎ።

እዚ ጸረ-ህዝቢ ባእታ ከይተሰከፍ ህዝቢ ኤርትራ ዕምቆት ዘለዎ ፖለቲካዊ ፍልጠት የብሉን። ደሞክራሲ እንተሃብካዮ’ውን ክጠቀመሉ ዝኽእል ኣይኮነን። ኣነ ንስለኡ ክብል ዝበዝሕ ዕድመይ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍኩም ናይ ፖለቲካ ሰብ ከም ምዃነይ መጠን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልኦት ዝያዳ እፈልጦ’የ። ህዝቢ ኤርትራ በተሓሳስባኡ ድሑር’ዩ። ፈራሕ’ዩ። ተጠባሪ ድማ’ዩ። ስለዚ ኣብ ሓደ መድረኽ ጫውጫው እንተበለ ከመይ ከምዘደቅሶ ኣፈልጥ’የ እናበለ ዝጀሃር ሕሱር ባእታ’ዩ። ነቲ ዝምከሓሉ ናይ ጥልመትን ምድንጋር ሜላ ባዕሉ ታሕቲ ወሪዱ ዝሰብከሉ ዝደኽመሉ እንተዝኸውን’ውን ኣይምኸፍአን። ንሱ ብኾፉ፡ በቶም ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ መርገጽ ዘይብሎም ምእዙዛት ኣመልኸቱ ገይሩ’ዩ ዘመሓላልፎ። እንተኾነ ሎሚ ቁጽሪ ናይ’ቶም ብደረጃ ላዕለዎት ካድራትን መራሕቲ ህግደፍን መንግስትን ተባሂሎም ዝግለጹ መጋበርያታቱ፡ ገለ ብህድማ፣ ገለ ብምድስካ፣ ገለ ብማእሰርቲ፣ ገለ ብእርጋን፣ ገለ ብቀዋሚ ሕማም፣ ገለ ብሞት ስለዝተፈልይዎ ናይ ቀደም ፖለቲካዊ ምቖት የብሉን። ምስ እናተጠራጠረ ዝልእኮም ኣዝዮም ውሑዳት መጋበርያታቱ ብሓይሊ ፖለቲካዊ ቀዝሒ ዝህረመሉ ዘሎ ወቕቲ’ዩ።

ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺረ ካብ ዝበለሉ ክሳብ ሎሚ ገይርዎ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ለዕለዎት ዝበሃሉ ካድራቱን ልኡኻቱን ሓደ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ኣሰኪሙ ናብ ህዝቢ ኣዋፊርዎም ነይሩ። ገለ ግዜ ኣኼባ ገለ ግዜ ከኣ ሰሚናር ኢሉ ድማ ይገልጾ ነይሩ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ ወፍሪ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህዝቢ ምድንጋር’ዩ። ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምኻዶም ነቲ ሓሶት ብኸመይ ሓቂ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ከም ዘለዎ ቅድመ ስልጠና ወሲዶም’ዮም። ፈለጥቲ ውሽጢ ከም ዝብልዎ ኢሳያስ ሎሚ ናይ መወዳእታ ዕድልና ምዃኑ ፈሊጥኩም ንህዝቢ ከመይ ምሳና ደው ከም ዝብል ተወሳኺ ሜላታት ክትምህዙ ኣለኩም፡፡ ህዝቢ ኣይተቐበለናን ኣይሰምዐናን ዝበሃል ጸብጻብ ክሰምዕ ኣይደልን’የ ከም ዝበሎም ተፈሊጡ ኣሎ። ብተነጻጻሪ ህዝቢ ዝነቕሓሉ መድረኽ ብምዃኑ ግን ተልእኾኦም ኣይፈጸሙን። ኣየፍረዩን። ኣብ ባይታ ዝጸንሖም ሰሚዖም ርእሶም ኣድኒኖም’ምበር ኢሳያስ ዝበሎ ፈጺሞም ኣይተመልሱን።

እቶም ስማውያን ሚኒስተራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ዝኾኑ ካድራት ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ብውዴታ ዘይኮነ ብግዴታ’ዮም ኣኪበሞ። ገለ ካብ’ቲ መደናገሪ ምህዞታቶም ድማ፡ ኤርትራ ዝፈሸለት ሃገር እናተባህለት እንከላ ከምትስፍውቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዲቕ ዝበለ ድኽነት እናነበረ ከም ኣብ ብልጽግና ዝነበር፣፡ ኣብ ጭቆና እናነበረ ከም ኣብ ሓርነት፣ብጃምላ እናተሰደ ከም ኣብ ቤቱ ተረጋጊኡ ዝነብር ዘሎ፣ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራ ተነጺሉ እናሃለወ ከም ቅቡል፣ ጂኦግራፊያዊ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቑ እናሃለወ ዘሰክፍ ከምዘይብሉ እንታይ ደኣ ውሑስ ከም ምዃኑ …ወዘተ ክሰብኩ ፈቲኖም። ዝረኸቦ መልሲ ግን ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን ዝብል ነይሩ።

እቶም ህዝቢ ኣታሊሎም ንኢሳያስ ከሐጉሱ ዝወፈሩ በዓል ነይሮም ይመስለኩም፡ ዑስማን ሳልሕ ስማዊ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ የማነ ገብረኣብ እሙን ስለያ ኢሳያስ፣ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ስማዊ ጸሓፊ ህግደፍ፣ ስማዊ ጀነራል ኣብራሃ ካሳ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት፣ ወለደሚካኤል ኣብራሃ ስማዊ ሚኒስተር ዞባዊ ጉዳያት ዝርከብዎም’ዮም። ኩሎም ንርእሶም ሰይጥኖም ከከንዲ ዝኽለቶም ህዝቢ ከሰይጥኑ እንተዘየለ ከርዕዱ ተዋፊሮም።

ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝደጋገም ዝነበረ ሓሳባት ከኣ ነቲ ሲንጋፎር ክንከውን ኢና ናይ ተስፋ እንጀራ ዘዘኻኽር፡ እንቋዕ ደኣ ወያነ ተሳዕረ ሓመድ ተደብየ ‘ምበር ድሕሪ ደጊም ሓያል ምክትታል ዝግበረሉ ጽላታት ቁጠባን ልምዓትን’ዩ። ካብ ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያዊ ሴክቴራት ነጺልካ ማለት’ዩ። ሓሶት ምስ ታህዲድ እናተሓናፈጽካ። ሑጻ ቸሜንቶ ተንዲኖ ዚንጎ ሞራለ ..ወዘተ ከም ጠለብኩም ክመጽኣልኩም’ዩ። መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ናይ መቐለ ዝገፍሐን ዝበለጸን ክንሃንጸልኩም ኢና። ናይ ኣብ ደደቒቑ ዝዓልባን ዝበራን ነፈርቲ ዕልቕልቕ ክህሉ’ዩ። ወደባት ብዕጽፊ ክዓቢወይ ክሰፍሕ’ዩ። መሳለጥያታት ኣዝዩ ዘመናዊ ኮይኑ ኣብ’ዚ’ውን ዕልቕልቕ ናይ ሰብ፡ መካይንን መራኽብን ክህሉ’ዩ ሳላ ትዕግስትኹም። ውጽኢት ምጽማምኹምን ጽንዓት መንግስትናን’ዩ። ንኺድ ጥራሕ!

እንቋዕ ደኣ ወያነ ነበረ ነበረ ኮነ’ምበር ተወንዚፎም ዝጸንሑ ዕድላት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክኽፈትልኩም’ዮም። ኣብ ዝርገሐ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኮነ ዕደላ ማይ ዝውዕሉ ማሽኔሪታት ክተኣታተው ስለዝኾኑ ከተማታትና ድሕሪ ደጊም ኣይክጽልምታን’የን። ብጽምኢ ማይ ዝነቅጽ ጎሮሮ ኣይክህሉን’ዩ። መሕጸቢ ኣካላት ኮነ ክዳን ጸገም ኣይክህሉን’ዩ። ናውቲ ሕርሻ ካብ ብዕራይን ማሕራሻን ናብ ዘመናዊ መሳርሒታት መከናይዜሽን ክቕየርን’ዩ። ስሉጥ ስራሕ ፍርያም ምህርቲ ምሕፋስ ክንጅምር ኢና። ጥሜት ደሓን ኩኑ …ወዘተ።

ሓታቲ፡ ሓንሳብ ኣብ’ዚ ‘ሞ ብዛዕባ ትግባረ ቅዋም፡ መሰላት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዋላ ሓንቲ ኣይበልካን?

መላሲ፡ ኣርኪብካ ቅዋም’ዶ እንታይ’ዶ ትብል ኣለኻ? ወያነ’ኮ ኣጽዋር ይሽምት ታዕሊም የካይድ’ዩ ዘሎ።

ሓታቲ፡ ዋእ ወያነ ደኣ ተሳዕሩ ተደብዩ’ዶ ክትብለና ኣይጸናሕካን? ኣሎ’ድዩ?

መላሲ፡ ኣብ መቐለ’ዩ ተኣኻኺቡ ዘሎ መሊኡ ኣይተቐብረን።

ሓታቲ፡-ምስ ኢትዮጵያ ተሰማሚዕና ኢልኩም ንሳቶም ሃገራዊ ቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን ኣለዎም ንሕና ድማ ሃገራዊ ቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን የብልናን እቲ ስምምዕ ብኸመይ ተሳሊጡ፡ መን’ከ’ዩ ወሲንዎ?

መላሲ፡ ግደፎ’ዚ ቅዋም ወዲ ቅዋም ዝበሃል፡ ንሕና ኣብ ዝኾነ ሃገር ከይድካ ዘይርከብ ብ1994 ኣብ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ህግደፍ ዝተመሰረትሉ ምዃኑ’ዩ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር ኣለና። ሽዑ ዝተመርጸ መሪሕነት ድማ ኣለና። በዚ ኣይትሰከፍ።

ሓታቲ፡- ኣነ ዝሓተካ ዘለኹ ናይ ህዝቢ ናይ ሃገር ንስኻ ትምልሰለይ ዘለኻ ናይ ውድብ ናይ ህግደፍ፡ ዘሓተትኩኻ ኣይትመልስ ንዝሓተትኩኻ መልሲ ሃበኒ።

መላሲ፡ እንታይ ኣሚንካ ደኣኻ ክንድዚ ተዳፊርካ? ብልሕትን በትርን ህግደፍ ዘንጊዕካ’ዮም መስለኒ። ካብ ሕጂ ንደሃር ዝበሃልካ ትሰምዕ ዝተኣዘዝካዮ ከኣ ትፍጽም ኣኸለ።

ካልእ ሓታቲ፡ ነዚ ኩሉ ክተኣታቶ ዝበልካዮ ማሽነሪታትን ካልእን’ከ እኹል ባጀት ተታሒዝሉ ኣሎ ማለት’ድዩ? ንምዃኑ’ኸ ናይ’ዚ ዓመትት’ዚ ሃገራዊ ባጀት ኤርትራ ክንደይ’ዩ?

ባጀት። እንታይ ባጀት? መንግስትና’ኮ ብጸላእትን ተጻባእትን ተኸቢቡ ነዛ ሃገርን ህዝብን ክብል ስኑ ነኺሱ ብጽፍሩ’ዩ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ። ንኤርትራ ከምዘን ኣብ ኖርማል ዝነብራ ዘለዋ ሃገራት ቆጺርካስ ሃገራዊ ባጀት ክንደይ’ዩ ኢልካ ትሓትት? ሃገራዊ ባጀት ዝበሃል ስለዘይብልና ክንድዚ ክብለካ ትጽበ? ኣይትሕስቦ። ህግደፍ’ኮ ሓሶት ኣይፈቱን’ዩ!

                                     ዘይነብ መ/ብርሃን

                                         ሚያዝያ 2019

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 19-04-2019