ካብ ጻባ, ዘይተረኸበስ ካብ ማይ ጸባ
ካብ ጻባ,
ዘይተረኸበስ ካብ ማይ ጸባ
ህዝቢ ኤርትራ ረኻቢ ጸበባ
ንሃገርና መድሐና መንዩ ህዝባ‘‘
ንጉዳይናስ ባዕልና ደኣ
ትግራይ መድያ ዶ ምንዮት ኤሊት ትግራይ‘‘
ኤርትራና ኣይፋላለይን እዩ ህዝባ
ተጋሩ ዓዘራ ዘለዎ ዘረባ ሕደጉ ባ
ደቂ ኤረይ ንድሐነት ህዝባ ሃየ እባ
ሽሕ ይምቱ ክንዲ ሽሕ ኣይሙት
ጅግንነት ደቂ ኤረይ ኣለዎ ሐለፋ
ክነዘንቱ ዶ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ
ንዓና ንተዛረብቲ ጥራይ ገዲፋ
ጅግንነትኩም ንዓኹም ደጊፋ
ምሳኹም ተነጽፋ ድያ ተሪፋ‘‘
ንኢሰያስን ጭፍርኡን ክነልግስ ብዘይ ወዓል ሕደር ንበል ብግስ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክነግስ
ንኢሰያስን ጭፍርኡን ክነልግስ
ብዘይ ወዓል ሕደር ንበል ብግስ‘‘
ኣንጊሆም ህግደፋዊያን እንበር
መን ከዲዑ ንህዝቢ ንሃገር
ዓገብ ዘይብሉ እንዳለ ንደመር‘‘
ኣብዛ ሕማቅ ግዜ ከድካ ዶ ግርማይ ኢዱ ዘርጊሑ ይቀበልካ ኣብ ሰማይ
ኣዝማሪኖ ግርማይ ሰመረ ወዲ ዓላዊ
ግርማይ ሰመረ ሕቡን ኤርትራዊ
ሕድሩ ዘይጠለመ ተቃላሳይ ሃገራዊ
ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ኣብራሃም ተኽለ
ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ኣብራሃም ተኽለ
ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ወዲ ዓሊ ሕጃይ
ምውሳን ተሳኢኑ ንጃንዳ ህግደፍ ንምእላይ
ኣቲ ኤረይ መለይ ንኤርትራዊ መንእሰይ በልዮ ንስኻ ዋሕሰይ
ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ኣብራሃም ተኽለ
ሰኣን ሐሙሽተ ጀጋኑ ከም ወዲ ዓሊ ሕጃይ
ምውሳን ተሳኢኑ ንጃንዳ ህግደፍ ንምእላይ
ግዜና ኣሕሊፍናዮ ን29 ዓመት ብዘረባ ጥራይ
ኤርትራዊያን ክሳብ መዓስ ክንጸንት ብውሳይ
ብትብዓት ንመክት ከም ኢንጂንየር ተስፋይ‘‘
ደቂ ኤረይ ተቐርቂርና እንበር
(ደቂ ኤረይ ተቐርቂርና እንበር)
ብኢሰያስ ዝመራሒኦ ጭፍራ
ገለ ብደም ዝጠልቀዩ ደቀባት ኤትራ
ገለ ዕባይ ኤርትራ ተጋሩ ኣምሐራ