mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • جبهة النحرير الارترية ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  • መርድእ: ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት: መግለጺ (መሪር ሐዘን)
  • Relying on Eritrea’s Military for Democratic Transition Is a Risk We Can’t Afford – A reply to “Looking Beyond Isaias”
  • Looking beyond Isaias: Complexities of the make-up of the Eritrean population, past and present – a help or hindrance?
  • Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
  • ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
  • Eritrea is not a safe Country
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
  • ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
  • ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
  • ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
  • ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
  • ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
  • Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
  • Ethiopian Gov’t Disowns the View That Eritrea Is Using TPLF Faction
  • Eritrean Forces Operating with Impunity in Tigray, Abuses Ongoing- UN Confirms
  • Looming Ethiopia-Eritrea Tension: Is new cycle of armed conflict imminent?
  • ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።

We have 63 guests and no members online

ዜና ትግርኛ

ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Published: 12 February 2024

ዝሰርሕ ሰብ ይጋገ’ዩ። ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ንምርግጋጽ ድዩ፡ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ንምውጻእ ዝቃለስ ሕብረተሰብ’ውን ኣብ ጉዕዞ ብኣረኣእያ ድዩ ብተግባር ጉድለታት የርኢ’ዩ። ከም ተርእዮ ኣብ ዝተወሰነ ኣጋጣሚታት ናይ ኣረኣእያ ዘይፍትሓውነት፡ ናይ ፖሊሲ ዘይንጹርነት፣ ናይ ተግባር ዓንቀፍቀፍ ምስ ዘጋጥም ብሓውሲ ቅቡል ዝውሰድ ደኣምበር ዘሰንብድ ኣይከውንን። እዚ ሓፈሻዊ ንኹሉ ሰብን ህዝብታትን ዝምልከት ገዛኢ ስነ-ፍልጠታዊ ሓሳብ’ዩ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለት፡ ካብ ናይ ካልኦት ዕውት መንገዲ ዘይመሃር፡ ብዓይኒ ህልኽን ጽልእን ነቲ ጌጋ ብጌጋ ክእርም ዝፍትን ውልቀ ሰብ ይኹን ህዝቢ ግን፡ ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ማዕበያ ዝብገስ፡ ሱር ዝሰደደ መሰረታዊ ባዕላዊ ጸገም ከም ዘለዎ የመልክት። ባዕላዊ ድኽመቱ ከይገምገመ፡ ከይፈትሐ ብሰንኪ እከለ እናበለ ብትምክሕቲ ድዩ ጽበት ዓዊሩ፡ ጸላእቲ ዘብዝሕ  ውልቀ ሰብን ህዝብን ብርግጽ፡  ዓሚቕ መጽናዕታዊ ምርምር ኣካይድካ ቅልጡፍ ስነ ልቦናዊ ፍወሳ ዘድልዮ ኣዝዩ ዘሰክፍ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ከም ዘለዎ ንምግማት ኣየጸግምን። 

Read more: ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡

ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Published: 23 January 2024

ህዝቢ ኤርትራ ዕረፍቲ ኣብ ዘይብሉ እህህታ ይነብር ኣሎ። ኣብ’ዚ መዛረቢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝኾነ ቃንዛን እህህታን ክወድቕ ዝገብሮ ከኣ፡ ካብ ግዳም ዝተበገሰ ወራሪ ሓይሊ ኣይኮነን። ባህሪያዊ ሓደጋ’ውን ኣይኮነን። ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ከፋፊሉ፡ ኣርዒዱ፣ ማሕበራዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ክብርታት ኣናጊዑ፡ ኢደ ወነናዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከቐጽል ዝደሊ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ብውሳኔ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ’ዩ። እዚ ህዝቢ ከም ጥሙር ህዝቢ፡ ሃገር ከም ልኡላዊት ሃገር ከይቕጽል ብዝተናወሐ ግዜ እቲ ህዝቢ ክጸንት፡ እታ ሃገር ክትፈርስ ዝዓለመ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ተግባርን’ዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ዘይኮነ ቀዳማይ ጸላኢ’ዩ።  ቀዳማይ ጸላኢ ድማ ናይ ግድን ብንቑሕ ህዝባዊ ቃልሲ ክምከት፡ ክሰዓር፡ ናብ ነበረ ክቕየር ደኣዩ ዘለዎ ‘ምበር ብጉልባብ “ድሕነት ሃገር” ክንክን ክግበረሉ  ኣይግባእን።

Read more: ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።

ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!

Details
Written by: ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት: ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
Published: 23 January 2024

21  ጥሪ 2024 ብጅግና ስዉእ ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወድ ዓሊ) ዝምራሕ ስርሒት ፎርቶ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ኮይኑ፡ ነቲ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ንምብዳህን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጎኒ እቲ. ሓርነትን ፍትሕን ዘጠቓለለ ፍትሓዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ 

Read more: ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!

ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም  ኣምልኾ

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Published: 14 January 2024

ኣምልኾ ምስ መለኮታዊ እምነት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ሚሊዮናት ዘይኮነ ቢሊዮናት ሰባት ዘምልኽዎ ከኣ ሓደ ፈጣሪ ጥራሕ’ዩ። ኣምልኾ ኣብ ሓደ ፈጣሪ ካብ ጥንቲ ዝነበረ፡ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ’ውን ዝህሉ፡ ተገዲድካ ዘይኮነ ብኣስተምህሮን ዕግበትን ትኽተሎ፡ መትከላውነቱ ካብ ውልቀ ረብሓ፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ኣድልዎ፡ ጭካኔ፡ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ነጻ ሕልና ክህልወካ፡ ርህሩህ  ሓቀኛ ተኻፊልካ ትበልዕ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ክትነብር ዝምህር’ዩ።  ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ ብዘይምስገዳድ ብዘይ ምፍርራሕ ፖሊስን ጸጥታን ሰባት ብሰናይ ድሌቶም ኣበየ እምነቶም ከይዶም ክጽልዩን ክሰግዱን ዝረኣዩ። 

Read more: ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም  ኣምልኾ

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

Details
Written by: Super User
Published: 01 January 2024

ዓመተ 2023 ተዛዚሙ ዓመተ 2024 ሓደ ኢሉ ይጅመር ኣሎ። ዓመት  ናይ ግዜን ስራሕን መልክዒ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንታይ ክንሰርሕ ውጥን ነይሩና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ መገምገሚ ውጽኢት ስራሕ ድማ’ዩ።  ኤርትራውያን ከም ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ን50 ዓመት ብእምቢታ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ጸኒዕና ተቓሊስና። ኣብ ወርሒ ጉንበት 1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብሕጊ ወነንቲ ሃገርና ብምዃን ሓደ ክፋል ካብ መሰረታዊ ሕቶና ስለ ዝመለስና ከም ነጥበ መቐይሮ ዝውሰድ’ዩ። ካብ ባዕዳዊ መግዘእቲ፡ ናብ ወነንቲ ሃገር  ስለ ዝተሰጋገርና፡ ኣብ መድረኹ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንቋዕ ኣብጸሓና ምብህሃል ግቡእ ነይሩ። ምኽንያቱ  ጭቡጥ ናይ ምስግጋር ለውጢ ስለ ዝገበርና።

Read more: ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Published: 29 December 2023

ብሕጋዊ ድዩ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስቲ፡ ባህሪኡ፣ ዕላማኡ ኮነ ተግባሩ፡ ደሞክራስያዊ ድዩ ጸረ-ደሞክራስያዊ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከም መንግስቲ ስልጣኑ ዓቂቡ ክቕጽልን ዘይክቕጽልን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ረቓሒታት ሓደን ቀንድን ቀዋሚ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ። ምኽንያቱ ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ እንተዘይብሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መንግስታዊ መሓውር ከጣይስ ኣይክእልን። ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስ፡ ምምሕዳራት፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት መስሪቱ ኣብኡ ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ ደሞዝ ከፊሉ ከስርሕ ኣይኽእልን። ከምዚኦም ዝበሉ ወሰንቲ ትካላት ዘይብሉ መንግስቲ ድማ መንግስቲ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ንቀጻልነትን ውድቀትን ሓደ መንግስቲ ዝውስን ቀንዲ ረቛሒ፡ ሓያልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ዘይኮነ፡ ነዚኦም ዘንቀሳቕስ ዘተኣማምን ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ።

Read more: ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!

  1. ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት ኤርትራ’ምበር፡ ናይ በሓቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነን፤
  2. ህዝባዊ ቃልስና ብስሉጥን ዘተኣማምንን ዝዕወት፡ ህዝብናን ሃገርናን ማእከል ብምግባር ክንቃለስ ምስ እንበቅዕ እዩ:
  3. ውጽኢት ተኣኪብካ ደጀንካ ምህራም፡ ተማህሊልካ በላዒኻ ምጽዋዕ፡ ፖለቲካዊ ድንቁርና እዚ’ዩ።
  4. ብጸጋታቱ ከይጥቀም ብፖለቲካዊ ውሳኔ ብድኽነት ማሲኑ ክጠፍእ ዝተፍረደ ህዝቢ
  5. ህዝባዊ ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ምሁር  ኣብ መድረኽ ወጺኡ ኣለኹ ይበል፡-
  6. ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ደምበ ፈትሒ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝውግን ናይ ፖለቲካ ዘላን ጥራሕ’ዩ።
  7. ተርእዮ ዘይንቡር  ሕልናዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ፡
  8. ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ መድረኽ

Page 8 of 17

  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12

Designed by pickjoomla.com