- Can Eritrea Be a Force for Stability After Its Dictator’s Fall?
- ዘይናትካ ናተይ ምባል ‘ምበር፡ ምኽንያታዊ ሕቶ ምቕራብሲ ኣየባእስን።
- Brigade N’Hamedu: Formal Launch of The Eritrean Blue Revolution Front (EBRF)
- Eritrea: Adopt a strong resolution extending the Special Rapporteur’s mandate
- جبهة النحرير الارترية ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
- መርድእ: ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት: መግለጺ (መሪር ሐዘን)
- Relying on Eritrea’s Military for Democratic Transition Is a Risk We Can’t Afford – A reply to “Looking Beyond Isaias”
- Looking beyond Isaias: Complexities of the make-up of the Eritrean population, past and present – a help or hindrance?
- Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
- ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
- Eritrea is not a safe Country
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
- ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
- ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
- ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
- ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
We have 54 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: Super User
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ወጽዓ ስለ ዘለና ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ሓሳብ ዝድገፍ ‘ምበር ዝኾነን የብሉን። እቲ ሓሳብ ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ’ዩ ዝብል ግን ክንጸር ይግባእ። ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጡ እንታ’ዩ ሓቚፉ ዘሎ። ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ? ብሓቂ ደሞክራስያዊ ድዩ? ብሓቂ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝኣምን ድዩ? ብሓቂ ግሉጽነት ዘለዎ ድዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ክለዓሉን መልሲ ክረኽቡን ኣለዎም። ተላፊንካ ንምስራሕ ህላወ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝጠልብ ኣየተሓትትን። ነዚ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኸውን ዝውስኖ ከኣ፡ ኣብ መንጎቶም ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ ስነ-ሓሳብ፡ ስትራተጂን ፖሊስን ፍልልያት ዘሎ ሕድሕድ ኣፍልጦ፡ ማዕርነታዊ ኣጠማምታን ከመይነት ደሞክራስያዊ ምሕደራን እዩ።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ 1993 ብተነጻጻሪ ደሓን ዝበሃል ውሽጣዊ ስኒት ነይሩና። ብፍላይ ካብ ድሕሪ 1993 ንነጀው ግን ዘይንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ብቕዓት ዘይብሉ ምሕደራናን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ድሕሪ ነጻነት ኣብ ዘሎ 33 ዓመታት፡ ውሽጣዊ ሓድነትና ኣንቆልቊሉ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ኣትዩ ይርከብ። ብፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ስለ ዝወደቕና ብቑጠባ’ውን ደኺና። ስሩት ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ ክብርታትና ሒዝዎ ዝነበረ እምነት ተበሪዙ ናብ ነበረ ይሰጋገር ኣሎ።
ቅድሚ ዝኾነ ነገር ድማ ስለምንታይ ኣብ’ዚ ወዲቕና መን ጠንቂ ክንሓትት መልሲ ድማ ክንረክብ ኣለና። ነፍስ ወከፍ በዚ ከም ህዝቢ ኣጋጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ዝቑንዞ ሓላፍነት ዝስመዖ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ዘቤታዊ ጸላእን ኣምለኽቱን ብዝነዝሕዎ ዘለው ፕሮጋንዳ ከይተደናገረ፡ ኣነ መን’የ? እንታይ ዓይነት ባህሪ’ዩ ዘለኒ? ናይ መን ወገን’የ? ወገን ዝተገፍዐ ህዝቢ? ወገን ጸላኢ? ወይስ ኣብ ማእከል ዝንሳፈፍ መርገጽ ኣልቦ? እወ ኣነ እንታዩ ዕላማ፡ ፕሮግራመይ? ብተግባር ከ እንታይ ይሰርሕ ኣለኹ? ምስ መን’የ ዝኸይድ ዘለኹ? ብስምዒት ዘይኮነ ብርድኢት ገዛእ ርእሱ ክፍትሽ’ሞ፡ ኣረኣእያኡን ኣካይዳኡን ከመዓራሪ ይግባእ። ስለምንታይ’ሲ ብውሽጥኻ ከይነጻህካ ከይዓረኻ፡ ንኻልኦት ክትኣሊ ክትገርሕ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ምፍታሕ ህልዊ ህዝባዊ ጸገምና ኣወንታዊ ተራ ክትጻወት ስለዘይትኽእል።
Read more: ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
- Details
- Written by: Super User
ብእምቤታ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኣብ ኣለሻ ግዝኣታዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ብጽንዓትን ሓቦን ኣላሽ ከይበለ ተጓዒዙ፡ ነቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝፈለመ ፖለቲካዊ ካርታ ሃገርነት፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ውድባትን መጀመርያ ብሓይሊ ቀጺሉ ብሕጊ ብህዝበ ውሳኔ፡ ሕቶ መሬታዊ ልኡላውነቱ ዘሐደሰን ዝመለሰን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተሰጋግሩ፡ ኣብ ዳግማይ ፈታኒ ናይ ህልውና ቃልሲ ይርከብ ኣሎ። ካብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ መጀመርያ 40ታት ክሳብ 1991 ከይረብረበ ብክቡር ኩለ-መዳያዊ መስዋእቱ ልኡላዊ መሬቱ ኣውሒሱ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ካብ ዝኣቱ እነሆ 33 ዓመት ኣቑጺሩ።
Read more: ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ኣብ ህልውናን መስርሕ ቃልሲ ናይ ሕብረተ-ሰባት፡ ሓድነት ምሕዝነት ወዘተ ዝብሉ ቃላዊ አምራት ተዘውቲሮም ዝላዓሉ ቃላት እዮም ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ንክውዕሉ‘ውን ዘየቋርጽ ቃልሲ ዝካየደሎም እዮም፡፡
ሓድነትን ምሕዝነትን ናይ ገዛእ ርእሶም መትከላትን ዕማማትን ስለ ዘለዎም ነዚኦም ኣብ ግምት ብምእታው ብአኦም ተመሪሕካ ክትጥቀመሎም ግድን ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብጥንቃቐ ክንሰርሓሎምን ክንምራሓሎምን ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡ ካብዚ ኣገባብ‘ዚ ወጻኢ ብድሌት፡ ባህግን ስምዒትን ክንጥቀመሎም እንተተፈቲኑ ግን ካብ ኣሳላጣይነቶምን ዓወቶምን፡ ክሳረኦም ዝበዝሕን ዝዓብን እዩ ዝኸውን፡፡
Read more: ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ እምነታትን ውደባታትን ካብ ቅድሚ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትና ዝነበረ መድረኽ ቃልሲ ጀሚሮም ዋላ እኳ«ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን እዩ» ዝብል ዘይወድዓውን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ናይ ዕብለላ ፖለቲካዊ እምነት እንተነበረን፡ ነዚ ዘይቅኑዕን ኣብራስን እምነት‘ዚ ንምርግጋጽ ክበሃል ኣብ ልዕሊ ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዘለዎም ተቓለስቲ ውድባት ክሳብ ወታሃደራዊ ጎነጽ ምጥቃም ዝበጽሕ ተርእዮ/ውግእ ሕድሕድ/ እንተነበረ ነቲ ወድዓዊ ህልውና ናይ ውድባትን ዝተፈልየ እምነታትን ክልውጦ/ከጥፈኦ ኣይከኣለን፡፡
Read more: ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
- ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ
- ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ ዕላማታት፡ ሰጢምካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ፤
- ንመለይ ኣብ ባይቶ ዓደቦ ክነንበልብላ ኢና’’ኣምለኽቲ ንሐደ ሰብን ጉጅለን ኣይኮናን ንሕና።
- ሓድነት ክረጋገጽ፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ክህሉ የድሊ፤
- ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ
- ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።
- ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
- ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤