- Eritrea is not a safe Country
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
- ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
- ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
- ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
- ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
- Ethiopian Gov’t Disowns the View That Eritrea Is Using TPLF Faction
- Eritrean Forces Operating with Impunity in Tigray, Abuses Ongoing- UN Confirms
- Looming Ethiopia-Eritrea Tension: Is new cycle of armed conflict imminent?
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- ዮሃና ንመበል 50 ዓመት ወርቓዊ ኢዮቤልዩ: ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ
- Bill to deport Eritrean migrants who back regime passes preliminary Knesset reading
- National Dialogue for building democracy in Eritrea
- The United States Should Openly Support Regime Change in Eritrea:
- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
We have 53 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኮነ እኩባት ሰባት፡ ጸረ-ግፍዕን ገፋዕትን ደው ምባል፡ ወገን ግፉዓት ምዃን ኣወንታዊ እዩ። መግለጺ ሓርበኝነትን ዘይተንበርካኽነትን’ዩ። ክብርን ደገፍን ድማ ዝግበኦ እዩ። ኣብ ብዙሓት ነጻነታዊ ድዩ ሓርነታዊ ሕቶ ንምምላስ፡ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዝተኻየደለን ሃገራት ከም ዝተራእየ ግን፡ ጸረ-ገፋዕቲ ዝካየድ ቃልሲ፡ ግብራዊ ተወፋይነትን ድልውነት ንመስዋእትን ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ኣጻፊፍካ ምብጋስ ይሓትት። ግቡእ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ምግባር ፖለቲካዊ ተፈጥሮ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ዓቕሚ ጸላኢኻ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ቁጠባዊ ዓቕምን መስዋእቲ ከፊልካ ሓራ ከተውጸኦ ዝተሰለፍካሉ ህዝቢ፣ ከባብያውን ዓለማውን ኩነታት ኣብ’ቲ ተካየዶ ዘለኻ ቃልሲ ዝህልዎ ኣወንታውን ኣሉታውን ተጽዕኖ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩለንተናዊ ዓቕምን ክትፈልጥ ይሕግዘካ። መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ከይገበርካ ብቑጠዐ ጸረ ግፍዕን ገፋዕትን ምብጋስ ግን፡ ነገራት ዝደዋውስ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል፡ ግጉይ ኣገባብ’ዩ። ክሳብ’ውን ሸቶኻ ከይሃረምካ ናይ ሓጺር ግዜ ክስተት ኮይንካ ታሪኽ ትኾነሉ ኣጋጣሚ ዘስዕብ ሓደጋ ዘለዎ እዩ።
Read more: ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ፡ ህዝቢ ብብልሓትን ብዘገምታን ተበታቲኑ ክጠፍእ ዓቕሙ ጸንቂቁ ዝሰርሕ ዘቤታዊ ጸላኢ ብሓደ መዳይ፡ ነቲ ጠንቂ ኣሊኻ ናብ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ንምምላስ ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከኣ በቲ ካልእ መዳይ ይርከብ ኣሎ። ኣብ’ዚ ወሳኒ መድረኽ’ዚ ሓደ ንነብሱ ከም ኣካል ደምበ ተቓውሞ ዝፈልጥ ፖለቲካዊ ውድብ እንታይ ኣማሊኡ’ዩ ክዋሳእ ዘለዎ? “ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ” ከም ዝበሃል፡ ኣብ ፖለቲካ ካብ ተኣትወ፡ ናተይ ዝብሎ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ክህልዎ ይግባእ። ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ዘለዎ መሪሕነት ፈጢሩ ብደረጃ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን ከዐውቶም ዘለዎ መደባት ሓንጺጹ ክነጥፍ ኣለዎ። ብኣረኣእያ፡ ብሕግን ብተግባርን ነዚ ዘየማለአ ክንሱ፡ ንነብሱ ከም ምሉእ ፖለቲካዊ ውድብ ዝርኢ እንተኾይኑ ጌጋ እዩ። ተራ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ‘ምበር ንጹር ዕላማ ናይ ዘለዎ ፖለቲካ ውድብ ምዃኑ ኣየመልክትን።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
ኣበይ ሃገር ኣሎ ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኲናት፣ ዓፈና፣ ድኽነት፣ ኣድልዎ፣ ኣነ ይፈልጠልካ ዝተበሃልካዮ ግበር ዝብል ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ መግዛእቲ ይጸልእ። ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዝተጓደለሉ ወይ ጠቕሊሉ ኣብ ዝጠፍኣሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ይጉዳእ። ብንቡር ዘይኮነ ብዘይንቡር ምሕደራ ክነባበር ይግደድ። ስለዚ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣብ ጉዳዩን ጉዳይ ሃገሩን ወሳኒ ኣወንታዊ ተጽዕኖ ዘሕድረሉ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክህልዎ ይደሊ። ካብ’ዚ ዘይንቡር ግዱድ ምሕደራ ሓራ ወጺኡ ናብ ንቡር ክምለስ ይምነ።
Read more: ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/
ጭቁናትን ግፉዓትን ሕብረተ-ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ መልክዓት ናይ ጭቆናን ሓሳረ-መከራ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝገብርዎ መስርሕ ቃልሲ፡ ብቐዳምነት ካብ ዝህቡዎ ጉዳይ፡ ዕላመኦም ኣነጺሮም ምቕማጥ፡ ፈተውቶምን ጸላቶምን ፈላልዮም ምርዳእን ምቕማጥን እዩ፡፡ ስዒቡ ዝመጽእ ድማ ፍልጠቶምን ሓይሎምን ኣወሃሂዶም ውድብ /መሳርሒ ናይ ቃልሲ/ብምፍጣር ተወዲቦም ምቅላስ እዩ፡፡ ንጹር ዕላማን ዝጭበጥ እስትራተጅን ፖሊሲን ናይ ቃልሲ ከይጨበጡን ከይሰኣሉን ካብ ጭቆና ዝፈጠሮ ምረትን ስምዒትን.. ወዘተ ተበጊሶም ጸላእቶምን ፈተውቶምን ብግቡእ ብምልላይ ቃልሲ ምክያድ እንተመሪጾም ግን ጸላእቶም ብቓልሲ ስዒሮም ናብ ዛዛሚ ዓወት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ብኣንጻሩ ዘበገስዎ ቃልሲ እናወደቐን እናተንሰአን ብዙሕ ክሳራታትን ዕንቅፋታትን እናኣጋጠሞ ኣብ መስርሕ ናይ ምፍሻልን ምብትታንን ዕድሉ ዓቢ እዩ ዝኸውን፡፡
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ ደ.ግ.ሓ.ኤ/
መሪሕነት ህግሓኤ /ህግደፍ/ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዘሎ ሓያሎይ ዓመታት፡ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ተራ ዝተጻወቶ እንተነበረ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ልዑላውነትናን ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ተፈላጥነት ክረክብ ኣብ ምግባር ዝተጻወቶ ኣወንታዊ ተራ ጥራሕ እዩ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ከባቢ 31 ዓመታት ግን ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መሓውራት /ትካላት/ ብምጥያስ ናብ ገዛኢ ጨቛኒ ደርቢ ነብሱ ብምስግጋር ኩሉ ድሌቱ እምነቱን ስጉምቲታቱን ኣንጻር ድሌት፡ መሰልን ጠቕምን ናይ ህዝብታትና ብምቕናዕ፡ ነቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ጭቆናን ምዝመዛን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣጠናኺሩ ብምቕጻል፡ ህዝብታትና ሓሳረ መከረኦም ክርእዩ እናገበረ እዩ መጺኡን ዝቕጽል ዘሎን፡፡
Read more: ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡/ደ.ግ.ሓ.ኤ/
ህዝብታት ኤርትራ ንሓምሳ ዓመታት ዝኣክል ሰላማውን ዓመጻውን ቃልሲ ብምክያድ፡ መጠነ-ከቢድ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእትን ክሳራን ከፊሎም፡ ዝተፈላለየ ሓሳረ-መከራን ርእዮም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዕላውነቶምን ከም ዘረጋገጹ ሓቂ እዩ፡፡ ይኹን ዳኣምበር እዛ ብከቢድን ክቡርን ዋጋ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነትን ልዑላውነትን‘ዚ ህዝብታትና ናብ ክብ ዝበለን ዝዓሞቐን ኩነታት ብምጥንኻር ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣከኣሉን፡፡ ሃገራዊ ናጽነትና ስማዊት ተርእዮ ጥራሕ ብምዃን፡ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ቦታን ስልጣንን ጠቕምን ምቅይያር ጥራሕ ኮይኑ እዩ ተሪፉ፡፡ እዚ ማላት ካኣ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተወጊዱ፡ ብምልካዊ ጨካን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተቐይሩን ቀጺሉን፡፡
Read more: ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡
- ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።
- ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡-
- ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
- ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡
- ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
- ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
- ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም ኣምልኾ
- ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ