- Eritrea is not a safe Country
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
- ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
- ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
- ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
- ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
- Ethiopian Gov’t Disowns the View That Eritrea Is Using TPLF Faction
- Eritrean Forces Operating with Impunity in Tigray, Abuses Ongoing- UN Confirms
- Looming Ethiopia-Eritrea Tension: Is new cycle of armed conflict imminent?
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- ዮሃና ንመበል 50 ዓመት ወርቓዊ ኢዮቤልዩ: ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ
- Bill to deport Eritrean migrants who back regime passes preliminary Knesset reading
- National Dialogue for building democracy in Eritrea
- The United States Should Openly Support Regime Change in Eritrea:
- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
We have 83 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ንሕና ኤርትራውያን ብውሽጣዊ ምዕባለና ሃገርነት ኣይፈጠርናን። ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ብምሉእ ዘይኮነ ብከፊል ቱርካውያን፣ ግብጻውያን፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ነዊሕ ዓመታት ሰፊሮም የመሓድሩ ከም ዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረጋግጹ። መግዛእቲ ጥልያን ብ1890 ብዘይ ፍቃድ፡ ተሳትፎን ውሳኔን ኤርትራውያን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ገይሩ ነዛ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ ሃገርነት ቀሪጹ። ብናቱ ሕግታት ድማ ልዕሊ 50 ዓመት ገዚኡ። ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ካብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ንሓጺር ግዜ ኣብ ትሕቲ ዘይርጉእ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ውዑል ፈደረሽን ብምፍራስ ናብ መስፋናዊ ንጉሳዊ መግዛእቲ ሃ/ስላሴ፡ ካብ ሃ/ስላሴ ናብ ፋሽሽታዊ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ደርግ እናተሰጋገርና መጺእና።
ድሕሪ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት፡ ብሳላ ምሉእ ተሳትፎ ዘይሕለል ህዝብን ክቡር ኩለ መዳያዊ መስዋእቲ ደቂ ህዝብን ብ1993 ወነንቲ ልኡላዊት ሃገር ኮይና። ወነንቲ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ወነንቲ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምዃን ግን ኣይከኣልናን። ታሪኽና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዝኸፍአ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኮይኑ። ኣብ’ዚ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ብዘይካ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ዝነበረ ብሕጊ እንዳባ (ያታዊ ስርዓት) ዝፍለጥ ሃገር ለኸ ዘይኮነ ኣገባብ ምሕደራ፡ ከም ህዝቢ ብደረጃ ሃገር ናትና ኢልና ብንኣምነሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ተመሓዲርና ኣይንፈልጥን። ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ገዛኢ እናሃለና’ውን ቅዋም የብልናን። ካብ ድሕረትን ድኽነትን ወጺእና እፎይ ዝበልናሉ መድረኽ’ውን የለን።
እቶም ቅድሚ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገርነት ኮነ ድሕሪኡ ዝነበሩ ግዳማውያን ሓይልታት ይውሓድ ይብዛሕ ነናቶም ኣሰር ማለት፡ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ክሳብ’ውን ዘርኢ ገዲፎም’ዮም ሓሊፎም። ስለዚ ከኣ ከም’ቲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን በሃማት ኣምለኽቱን ብቋንቋና ባህልና ዘርእና ጀግንነትና ብልሕና ካብ ጎረባብትና ካብ ኣፍሪቃን ዓለምን፡ ዝተፈለና፡ ብሉጻትን ምሩጻትን ኢና እናበሉ ዝነዝሕዎ ኣዝዩ ሕሱር ፕሮፖጋዳዊ ነፍሒ ከም ዘይኮና ምግንዛብ የድሊ። ንሕና ከም ህዝቢ ናትና ኣወንታዊ ክብርታትን ድኽመታትን ዘለና ኣካል ኣምሳል ማሕበረሰብ ዓለም ኢና። ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ሓይልታት ምግዛእና ዘሕብን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዓለም ኣባና ጥራሕ ከም ዘጋጠመ ርእስና ነድንነሉ ክኸውን የብሉን። ኣሉታውን ኣወንታውን ሚዛኑ ዝሓለወ ርድኢት ክህልወና ኣለዎ። ምኽንያቱ ነዛ ናይ ሎሚ ርእሰ ሓያል ሃገረ ኣመሪካ ሓዊስካ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ከም’ዚ ከማና ብመግዛእቲ ዝተሰርሓ’የን። ካብ ሰንሰለታዊ ምቕብባል ግዳማውያን ገዛእቲ ሓይልታት ኣድልዎ ዓፈና ግፍዕን ‘ምበር፡ ምሉእ ነጻነት ምዕቡል ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ዘይረኽብና ኢልና ንኸሰሉ ንቑዝመሉ ምኽንያት የለን። ንሳቶም ክረግጹና ከጋፍዑና ከድክዩና ‘ምበር መሰልና ከኽብሩ ካብ ድኽነትን ድንቁርናን ከውጽኡና ኢሎም ስለ ዘይመጽኡ።
ካብ’ቲ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝተጀመረሉ 40ታት ብሓፈሻ፡ ድሕሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ 1961 ብዝተፈጥራ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ ፖለቲካዊ ኣካይዳና ከመይ ነይሩ? ምግምጋም፡ ንዝምጎስ ምምጓስ ንዝንቀፍ ምንቃፍ ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ትምህርቲ ምውሳድ ግን ጽቡቕ’ዩ። ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበሩ ህዝብታት፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥራሕ ዘይኮነ እንኮላይ ካብ ዘቤታዊ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መለኽቲ ሓራ ኮይኖም፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ተኺሎም፡ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልምዓት ኣብነት ኮይኖም’ዮም። ንሕና ኸ ታሪኽ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ካብ ዝቕበር ልዕሊ 30 ዓመት ኮይኑ ክንሱ ኣበይ ደረጃ ኣለና? ነብስና ክንፍትሽ’ሞ ልክዕንካ ክንፈልጥ ይግባእ። ከም ህዝቢ ብብስለት ዝጠቕመናን ዘይጠቕመናን ጠንቅን ሳዕቤንን ፈታውን ጸላእን ፈላሊና ንመዝነሉ ንቕሓት፡ ንዘይንድግፎ ብርእሰ ተኣማንነት ንቃወመሉ ትብዓት፡ ካብ ድሑር ትምክሕታውን ጸቢብን ኣረኣእያታት ሓራ ዝኾነ ኣብ ሓይሊ ሓሳብ ዝተሰረተ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ‘ዶ ንረክብ ነይርና? ድሕሪት ተመሊስካ ምግምጋም ንናይ ሎሚ ጸገማት ኣብ ምልላይን ምፍታሕን ዝሕግዝ ፖለቲካዊ ልቦና’ዩ።
Read more: ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ንኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ከኣ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ናብ’ዚ ታሪኻዊ ዓለም ለኻዊ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ጸሓክንን ኣብ ጸሓናን ይብል። ቀጺሉ፡ ናይ ሎሚ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት፡ ብደረጃ ሃገርና፣ ዞባና፣ ኣህጉርናን ዓለምን ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ፡ ዝተሓላለኸን ዝኸፍአን ዓይነተ ብዙሕ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮን ጸገማት፡ ብዙሓትን ግፉዓትን ህዝብታት ብህይወት ናይ ምንባር ውሕስነት ስኢኖም ንሓደጋ ኣብ ዝተሳጥሕሉ፣ ዝተራቐቑ ኣዕነውቲ ኣጽዋራት ኲናት ንምውናን ዞባውን ዓለማውን ሓያልነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውድድር፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብቕሉዕ ኣብ ዝተጣሕሰሉ፣ ህላወን ቀጻልነትን ዘርኢ ወዲ ሰብ ብዘገምታ ክቕህም ዝገብር፡ ኣንጻር ሕጊ ተፈጥሮ ዝኾነ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ብጉልባብ መሰል’ዩ፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣተሓሳስባ፡ ሕጋውን ወግዓውን ኣፍልጦ ረኺቡ፡ በተሓሳስባን ብተግባርን ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ወቕቲ፣ ማሕበራዊ ሃይማኖታውን ባህላውን ስሩት ኣወንታዊ ክብርታት፡ ብግዝያዊ ረብሓ ዓገብ ዝብል ስኢኑ ናብ ነበረ ኣብ ዘንቆቁለሉ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽ፣ ሚዛን ፍትሒ ክሕልው ዝተመሰረቱ ዞባዊ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድባት፡ ብተግባር ብውሑዳት ሓያላን ኣብ ዝተዓብለለሉ፣ ውጽኢት ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብሓደ መዳይ ብዋጋ፡ ብኣጠቓቅማ፡ ብግዜ ጾር ደቂ-ሰባት ኣብ ዘቃልለሉ፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ፡ያዕ ዝብል ስኢኑ ብፍንጡሕ ኣገባብ ንማሕበራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ኣወንታዊ ክብርታት ብኣሉታ ኣብ ዝጸልወሉ ኩነታት ይኽበር ብምህላው ቅድም ክብ ካብ ዝነበረ ፍሉይነት ከም ዘለዎ ይግንዘብ።
Read more: ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡-
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ፖለቲካ ኤርትራ ሎሚ ንለባማት ኣብ ዘየደቅስ ቅልጡፍ ፍታሕ ኣብ ዝጠልብ ከም ጥሙር ህዝቢ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻል ኣብ ዝውስን ኣሰካፊ መድረኽ ከም ዝርከብ ኣየከራኸርን። ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ዓጺፍካ ናብ ንቡርን ውሑስን ፖለቲካዊ ስርዓት ንምምላስ እንኮ መፍትሒ፡ ንቑሕን ዝተወደበን ቃልሲ ምክያድ ምዃኑ’ውን ኣየካትዕን። ካብ ሕሰምና ዘናውሕ ትምክሕታዊ፡ ጸቢብ፡ ስምዒታዊ ሃላልነት፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ዝናን ግዝያዊ ነገራዊ ጠቅምን ዝደሓነ፡ ብሓባራዊ ረብሓን መሰል ህዝብን ዝተቓነየ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ድማ ካብ’ቶም ምሩጻት ሜላታት ቅድሚት ዝስራዕ’ዩ። ስለዚ ከኣ ብሓቂ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ወኒና፡ ሕድሕድ ኣፍልጦ ተወሃሂብናን ተኸባቢርናን እንተተቓሊስና እዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ ንስዕሮ’ምበር ኣይስዕረናን። ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ብምርጫና ድዩ ተለኪምና ብኸምዚ ንኸዶ ዘለና “ቆልዓ ውለድ ብዕድሉ ይዓቢ” ዓይነት ብጣሕመሽመሽ እንተቐጺልና ግን፡ ናይ ውድቀትና ተሓተቲ ባዕልና ደኣምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዘይናትና ምዃኑ ብኣረኣእያኡ፡ ፖሊሲኡ ተግባሩ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ንሱ ኣቐዲሙ ኣብዘሓ ህዝቢ ከይቀበጾ፡ ባዕሉ ኣይናትኩምን ቅበጹኒ ዝብል መልእኽቲ ብተግባሩ ኣሕሊፍሉና እዩ።
Read more: ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ዝሰርሕ ሰብ ይጋገ’ዩ። ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ንምርግጋጽ ድዩ፡ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ንምውጻእ ዝቃለስ ሕብረተሰብ’ውን ኣብ ጉዕዞ ብኣረኣእያ ድዩ ብተግባር ጉድለታት የርኢ’ዩ። ከም ተርእዮ ኣብ ዝተወሰነ ኣጋጣሚታት ናይ ኣረኣእያ ዘይፍትሓውነት፡ ናይ ፖሊሲ ዘይንጹርነት፣ ናይ ተግባር ዓንቀፍቀፍ ምስ ዘጋጥም ብሓውሲ ቅቡል ዝውሰድ ደኣምበር ዘሰንብድ ኣይከውንን። እዚ ሓፈሻዊ ንኹሉ ሰብን ህዝብታትን ዝምልከት ገዛኢ ስነ-ፍልጠታዊ ሓሳብ’ዩ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለት፡ ካብ ናይ ካልኦት ዕውት መንገዲ ዘይመሃር፡ ብዓይኒ ህልኽን ጽልእን ነቲ ጌጋ ብጌጋ ክእርም ዝፍትን ውልቀ ሰብ ይኹን ህዝቢ ግን፡ ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ማዕበያ ዝብገስ፡ ሱር ዝሰደደ መሰረታዊ ባዕላዊ ጸገም ከም ዘለዎ የመልክት። ባዕላዊ ድኽመቱ ከይገምገመ፡ ከይፈትሐ ብሰንኪ እከለ እናበለ ብትምክሕቲ ድዩ ጽበት ዓዊሩ፡ ጸላእቲ ዘብዝሕ ውልቀ ሰብን ህዝብን ብርግጽ፡ ዓሚቕ መጽናዕታዊ ምርምር ኣካይድካ ቅልጡፍ ስነ ልቦናዊ ፍወሳ ዘድልዮ ኣዝዩ ዘሰክፍ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ከም ዘለዎ ንምግማት ኣየጸግምን።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ህዝቢ ኤርትራ ዕረፍቲ ኣብ ዘይብሉ እህህታ ይነብር ኣሎ። ኣብ’ዚ መዛረቢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝኾነ ቃንዛን እህህታን ክወድቕ ዝገብሮ ከኣ፡ ካብ ግዳም ዝተበገሰ ወራሪ ሓይሊ ኣይኮነን። ባህሪያዊ ሓደጋ’ውን ኣይኮነን። ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ከፋፊሉ፡ ኣርዒዱ፣ ማሕበራዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ክብርታት ኣናጊዑ፡ ኢደ ወነናዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከቐጽል ዝደሊ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ብውሳኔ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ’ዩ። እዚ ህዝቢ ከም ጥሙር ህዝቢ፡ ሃገር ከም ልኡላዊት ሃገር ከይቕጽል ብዝተናወሐ ግዜ እቲ ህዝቢ ክጸንት፡ እታ ሃገር ክትፈርስ ዝዓለመ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ተግባርን’ዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ዘይኮነ ቀዳማይ ጸላኢ’ዩ። ቀዳማይ ጸላኢ ድማ ናይ ግድን ብንቑሕ ህዝባዊ ቃልሲ ክምከት፡ ክሰዓር፡ ናብ ነበረ ክቕየር ደኣዩ ዘለዎ ‘ምበር ብጉልባብ “ድሕነት ሃገር” ክንክን ክግበረሉ ኣይግባእን።
Read more: ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
- Details
- Written by: ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት: ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
21 ጥሪ 2024 ብጅግና ስዉእ ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወድ ዓሊ) ዝምራሕ ስርሒት ፎርቶ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ኮይኑ፡ ነቲ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ንምብዳህን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጎኒ እቲ. ሓርነትን ፍትሕን ዘጠቓለለ ፍትሓዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ
Read more: ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
- ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም ኣምልኾ
- ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!
- ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት ኤርትራ’ምበር፡ ናይ በሓቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነን፤
- ህዝባዊ ቃልስና ብስሉጥን ዘተኣማምንን ዝዕወት፡ ህዝብናን ሃገርናን ማእከል ብምግባር ክንቃለስ ምስ እንበቅዕ እዩ:
- ውጽኢት ተኣኪብካ ደጀንካ ምህራም፡ ተማህሊልካ በላዒኻ ምጽዋዕ፡ ፖለቲካዊ ድንቁርና እዚ’ዩ።
- ብጸጋታቱ ከይጥቀም ብፖለቲካዊ ውሳኔ ብድኽነት ማሲኑ ክጠፍእ ዝተፍረደ ህዝቢ
- ህዝባዊ ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ምሁር ኣብ መድረኽ ወጺኡ ኣለኹ ይበል፡-