- ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
- ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
- ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
- ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
- Ethiopian Gov’t Disowns the View That Eritrea Is Using TPLF Faction
- Eritrean Forces Operating with Impunity in Tigray, Abuses Ongoing- UN Confirms
- Looming Ethiopia-Eritrea Tension: Is new cycle of armed conflict imminent?
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- ዮሃና ንመበል 50 ዓመት ወርቓዊ ኢዮቤልዩ: ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ
- Bill to deport Eritrean migrants who back regime passes preliminary Knesset reading
- National Dialogue for building democracy in Eritrea
- The United States Should Openly Support Regime Change in Eritrea:
- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
We have 91 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ ፖለቲካ ንኹሎም’ቶም ወዲ-ሰብ ኣብ ህይወቱ ክረኽቦምን ክግልገለሎምን ዘለዎ ክፍልታት (ትካላት) ዘጣይስ ዝመርሕን ዝቆጻጸርን ኣውራ’ዩ። ንኣብነት ኩሎም ዓይነት ሚኒስትሪታት ማለት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ሃብቲ-ማይ፣ ዕደና፣ ገንዘብ፣ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ንግዲ፣ ምክልኻል፣ ስርዓተ ፍትሒ ....ወዘተ ዝቖምሉ ዝምርሕሉን ዝመርሑልን ሕግታትን ውጥንን ኣውጺኡ ዘመሓድር ክፍሊ’ዩ። ስለዚ ፖለቲካ ብቐጥታ ንከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ወሳኒ ክፍሊ ብምዃኑ፡ ክሕደት ዓመጽ ምቅትታልን ስለ ዘይፍለዮ ይትረፈኒ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልካ ክትገድፎን ካብኡ ወጻኢ ክትነብርን ኣይከኣልን። እታ ትረግጻ መሬት ብፖለቲካ’ያ ትመሓደር። እታ ትነብረላ ገዛ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካ’ያ። ዕለታዊ ካብን ናብን ትገብሮ ምንቅስቓስ፡ ትረኽቦ ፍርያት ብቐጥታ ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ብሓጺሩ ከም’ቲ ዓሳ ብዘይ ማይ ክነብር ዘይኽእል ወዲ-ሰብ’ውን ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ምዕሩይን ውሑስን ህይወት ክነብር ኣይኽእልን።
Read more: ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
መጀመሪያ ልክዕና መታን ክንፈልጥ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ክፍተሽ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክፈልጦ ክግበር ኣለዎ። ብውሕዱ መባእታዊ መረዳእታ መታን ክተሓዝ፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ታሪኽና ክግንጸል ክትንተን ብብሩህ ድማ ክቕመጥ ይግባእ። ብከመይ ዝበለ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ መስርሕ ከም ዝመጻእና፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ዘብጸሐ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ከም ዘለዎ ከይተደዋወሰ ዝቐርበሉ መድረኽ ክፍጠር ምጽዓር። ዜጋታት ከይተሸቑረሩ ምሉእ ተሳትፎኦም ዘረጋግጽሉ፡ ብህዝባዊ ክትዕ ዝበሰለ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምምጻእ ብግዜ የለን ናይ ቃልሲ መንፈስ ብተግባር እንተተወፊርሉ ብዙሓት ብግርህናን ብስምዒትን ጣሕመሽመሽ ክብሉ ዝጸንሑ ሰባት ደው ኢሎም ገዛእ ርእሶም ክግምግሙ፡ ካብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ሓራ ክወጽኡ ክጅምሩ’ዮም። ኣብኡ እንተተበጺሑ ከኣ፡ ናይ’ቲ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ጸገምና መድሓኒት ንምርካብ ቀሪብና ኣለና ማለት’ዩ።
Read more: ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ብመንጽር ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምራሓሉ ንቡር ልምድታትን ሕግታትን ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዘኽእል ጭቡጥ መረዳእታ የለን። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል መንግስቲ፡ መንግስታዊ መዕቀኒታት ዘየማልእ ስማዊ’ዩ። ናይ ገዛርእ ርእሶም ፖለቲካዊ ሕርያን ህይወትን ብዘይብሎም ስሉባት ሕልና ዝድገፍ፡ ብእንኮ-ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተሰርሐ ብኡ ዝምራሕን ዝግራሕን ኳና’ዩ። ናይ ሓደ ሕጋዊ፣ ቅቡል፣ ሓላፍነታዊ ህዝባዊ መንግስቲ መሰረታዊ መትከላት ክሰምዕን ክርእን ዘይደሊ፡ ዕድመ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ፡ ምስ ህላወን ዕድመን ሓደ ሰብ ኣተኣሳሲሩ ዝርኢ ዘይንቡር ኣገዛዝኣ’ዩ። ድኽነትን ጸበባን ህዝቢ ዋሕስ ዘተኣማምን ቀጸልነት ስልጣኑ ብምግባር፡ ንምዕናው ስሩት ማሕበራዊ ክብርታት ህዝቢ ብዝተወደበን ብተወፋይነትን ዝሰርሕ ናይ ግድን ብህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ’ዩ።
Read more: እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
ህዝቢ ኤርትራ ብኣንጻር ዝነበሮ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ባህግታትን ዝኸፈሎ ኩለ-መዳዊ መስዋእትን’ዩ ኣጓኒፍዎ ዘሎ። ኢደ ወነናዊ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ብመደብ ብዝኽተሎ ዘሎ ኣድኪኻ፡ ኣርዒድካን ከፋፊልካን ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ስቓይን መከራን እናተሰጋገረ፣ ብጉልባብ ምዕቃብ ነጻነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ብጨካን ፋሽሽታዊ በትሪ ብጭውያን ቅንጸላን ብዙሓት ወገናት እናኸፈለ 32 ዓመት ተጓዒዙን ገና ይቕጽል ኣሎን።
Read more: ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ኣብ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ተፈጥሮ ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኣብ ምልላይ ነዊሕ ግዜ’ዩ ወሲዱ። ሕጂ’ውን ውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ካብ’ቲ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ሓራ ኣይወጽኡን። እታ ሃገር ምስ ዝመጸትሉ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝነበረ ምረትን ብምትእስሳር፡ ኣደራዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንቋዕ ኣልገሰ’ምበር ዘቤታዊ መግዛእትስ ሓላል’ዩ ብዘስምዕ ዝተቐበሉ ኣለው’ዮም። ጠንቅን ሳዕቤንን መንገዲ ዓወትን ውድቀትን ዘርኢ ብቑዕ ቀላሲ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓዂኹ ስለ ዘይወጽአ፡ ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝንጸር ተደዋዊሱ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝበሃል፡ ኣብ ህዝባዊ ሰላም፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ልምዓትን ዕቤትን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልክዕ ዝኾነ ሚዛናዊ ርድኢት ምስ ዝተሓዝ’ዩ። እዞም ኣገደስቲ ረቛሒታት እዚኣቶም ብህዝቢ ክውነኑ’ሞ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ብዘተኣማምን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ዝኸውን ቀጻልነት ዘለዎ ኣስተምህሮ ምስ ዝወሃብ’ዩ። ወዲ-ሰብ ካብ ተፈጥሮ ድዩ ሰብ ዝሰርሖ ጸልማት ናብ ብርርሃን ክወጽእ፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፉ ዝሓሸን ውሑስን ማሕበራዊ ህይወት ክረክብ’ዩ ዝምነ። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ናብ ዝማዕበለ ስልጡን ኣተሓሳስባ፡ ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ናብ ዝጭበጥ ልምዓታዊ ዕቤት፡ ካብ ኣድልዎን ዓፈናን ናብ ዘተኣማምን ማሕበራዊ ፍትሒ ብኸመይ ክበጽሕ ይኽእልን ግን፡ ነቲ መንገዲ ኩሉ ብማዕረ ዝርደኦ ኣይኮነን። እቲ ተረዲእዎ ዝበሃል’ውን ብሓደ ግዜን ብምልኣትን ኣይውንኖን።
Read more: ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
- ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡ ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡
- ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
- ቀስ ብቀስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኪገማማዕ ይጅምር ኣሎ። ቃልስና ቀጻሊ ይኹን
- መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ
- ናብ ሓባር መግለጺ ብዛዕባ ስርሒታት ብ ብርጌድ ንሓመዱ ” ዝተ ፈጸሙ ቅያ ታት ህዝቢ
- ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን
- ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ
- ኣብ ሽወደን ዘሎ ሃዋሁ ተኣምር'ዩ! እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጀሚሩ'ሎ