mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • جبهة النحرير الارترية ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  • መርድእ: ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት: መግለጺ (መሪር ሐዘን)
  • Relying on Eritrea’s Military for Democratic Transition Is a Risk We Can’t Afford – A reply to “Looking Beyond Isaias”
  • Looking beyond Isaias: Complexities of the make-up of the Eritrean population, past and present – a help or hindrance?
  • Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
  • ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
  • Eritrea is not a safe Country
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
  • ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
  • ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
  • ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
  • ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
  • ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
  • Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
  • Ethiopian Gov’t Disowns the View That Eritrea Is Using TPLF Faction
  • Eritrean Forces Operating with Impunity in Tigray, Abuses Ongoing- UN Confirms
  • Looming Ethiopia-Eritrea Tension: Is new cycle of armed conflict imminent?
  • ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።

We have 53 guests and no members online

ዜና ትግርኛ

ተርእዮ ዘይንቡር  ሕልናዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ፡

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 13 November 2023

 መዛግብቲ ታሪኽን ምሁራት ስነ-ታሪኽን ከም ዘረጋግጽዎ መበገሲ ናይ’ዚ “ባርነት” ዝብል ኣምር ዋንነት ትሕዝቶ ነገራዊ ሃብቲ’ዩ።  ምንጪ ዕለታዊ መግቢ ናይ ቀደም ሰባት ካብ ሃደን እንስሳ ዘገዳምን ፍረታት’ዩ ዝርከብ ነይሩ። ነቲ ማእሪሮም ዝረኸብዎ እቶት ኣብ ምክፍፋል ድማ ይጋጨው ነይሮም። ኣብ’ቲ ግጭት ሰዓርን ተሰዓርን ይኾኑ። ዝሰዓረ ጎይታ ዝተሳዕረ ኣገልጋሊ ወይ ጊላ ይኸውን ስለ ዝነበረ፡ ባሪያ (ባርነት) ብኸምዚ ከም ዝጀመረ ይሕብሩ። እቶም መዛግብቲ ታሪኽን ምሁራት ስነ-ታሪኽን ነዚ ናይ ጉልበታዊ ዕዮ ግዱድ ባርነት ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ።

Read more: ተርእዮ ዘይንቡር  ሕልናዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ፡

ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ መድረኽ

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 06 November 2023

ፖለቲካ ኤርትራ ዕድመ ጸገብ’ዩ። ይኹን ግን ማዕረ ዕድሜኡ ይስጉም ይሰፍሕን ይምዕብልን የለን። ብተግባር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ናብ ኩሉ-መዳያዊ ምዕባለ፡ ድሕሪት ተመሊሱ ሽውላለ ክብል’ዩ ዝረአ ዘሎ። እዚ ተርእዮ’ዚ ነቲ ኣስታት ልዕሊ 80 ዓመት ዘቑጸረ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዕድመ ንእስነት፡ ኣካላዊ ጉድኣት፡ ናይ ህይወትን ነዋትን መስዋእቲ፡ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ተራ ሞት ኣውሪዱ ባዶ ዘትርፍ ክፉእ ውድቀት’ዩ። እዚ ብክለሰ-ሓሳባዊ ተንታን ዘይኮነ ብዓይኒ ዝረአ ዘሎ ቅጽበታዊ ምህማም ልዕለ ቅርጻን ትሕተ ቅርጻን ምስክር’ዩ። ንድሕነቱ ብናይ ሓሳብን ተግባርን ውሁድ ቅልጽም ቅልጡፍ ምርብራብ እንተዘይተገይሩ፡ ነቲ ዝነበረ ክብርታት ኩሉ ናብ ነበረ  ዝቕይር፡ ከም ህዝቢ ህልውናና ዘስእን ዘይተለመደ ደወል መርድእ ቅድሚ ሞት’ዩ ዘስመዐና ዘሎ።

Read more: ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ መድረኽ

መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 04 November 2023

መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ መውስቦን ፖለቲካ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህልው ዘለዎም መሰረታዊ ነገራት’ዮም። ክህልው ዝገብሮም ከኣ፡ መውስቦ ኣብ ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብ (ህዝቢ) ፖለቲካዊ ኣባልነት ድማ ኣብ መዳይ ምሕደራ ህዝቢ ብዘለዎም ወሳኒ ቦታ’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብወለዶታት እናተተኻኸአ ክቕጽል፡ ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣነስታይ ናይ ግድን መውስቦ ክህሉ ኣለዎ። ክዋሰቡ እንከለው ኸኣ ከም እንስሳ ብፍኑው ዘይኮነ፡ ስርዓት ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ዝኣምነሉ ዘኽብሮን ሕጋዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓተ መውስቦ ዝተኸተለ ክኸውን ይግባእ። ብፖለቲካዊ መዳይ ድማ፡ ንጹር ራእይን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይብሉ ህዝቢ ካብ ኣነባብራ እንስሳ ዝፈልዮ ስለ ዘይብሉ፡ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ። ፖለቲካ  ከም ቀላሲ ወሳኒ ኩለንተናዊ ዛዕባ ህዝብን ሃገርን መጠን፡ ፖለቲካዊ ኣባልነት ሰብ ረኣኹ ኣካላዊ ምትእኽኻብ ክኸውን የብሉን። ሓሳብ ወይ ኣረእእያ መሰረት ዝገበረ ኣባልነት ክኸውን ይግባእ።

Read more: መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡

Details
Written by: Super User
Published: 25 October 2023

“እዚኣ’ውን ኣይክትከውንን’ያ”

ካብ’ቲ ኣውያት ቐዳማይ ኽፋሉ

 

“ . . . . . እቲ ዝገርም ግን፣ ቀ/ሚ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ብስልሕም ኣቐዲሙ ወጢንዎ ምንባሩን ምዕዶታት መንግስቲ ኤርትራ ዕሽሽ ክብል መሪጹ ዝነበረ ሰብ'ዩ።

 

እምበኣርከስ ናይ'ዚ ዕሸል ጌጋታት ብንጹር ንምቕማጥ፥ 

#1 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ፣ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ምስ መራሕቲ ወያነ ዝነበሮ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ ካብ ምምዓድ ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፣ ፕ/ት ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ኩናት ክህሉ ከም ዘይብሉ ንቀ/ሚ ኢትዮጲያ ብግልጺ ነጊሩዎ'ዩ። ንመራሕቲ ወያነ'ዉን ኣብ ህድኣት ክዓስሉ ካብ ምምካር ቦኺሩ ኣይፈልጥን። ምስ ፕ/ት ትግራይ ነበር ዶ/ ደብረጼን ኣብ ዝተገብረ ርክብ'ዉን፣ ፕ/ት ኢሰያስ ኣፎርቂ፣ ኣብ ዞባና ግጭት ከም ዘየድሊ ብግልጺ ምዒዱ'ዩ። 

Read more: ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡

ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 23 October 2023

ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ ፖለቲካ ንኹሎም’ቶም ወዲ-ሰብ ኣብ ህይወቱ ክረኽቦምን ክግልገለሎምን ዘለዎ ክፍልታት (ትካላት)  ዘጣይስ ዝመርሕን ዝቆጻጸርን ኣውራ’ዩ። ንኣብነት ኩሎም ዓይነት ሚኒስትሪታት ማለት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ሃብቲ-ማይ፣ ዕደና፣ ገንዘብ፣ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ንግዲ፣ ምክልኻል፣ ስርዓተ ፍትሒ ....ወዘተ ዝቖምሉ ዝምርሕሉን ዝመርሑልን ሕግታትን ውጥንን ኣውጺኡ ዘመሓድር ክፍሊ’ዩ። ስለዚ ፖለቲካ ብቐጥታ ንከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ወሳኒ ክፍሊ ብምዃኑ፡ ክሕደት ዓመጽ ምቅትታልን ስለ ዘይፍለዮ ይትረፈኒ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልካ ክትገድፎን ካብኡ ወጻኢ ክትነብርን ኣይከኣልን። እታ ትረግጻ መሬት ብፖለቲካ’ያ ትመሓደር። እታ ትነብረላ ገዛ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካ’ያ። ዕለታዊ ካብን ናብን ትገብሮ ምንቅስቓስ፡ ትረኽቦ ፍርያት ብቐጥታ ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ብሓጺሩ ከም’ቲ ዓሳ ብዘይ ማይ ክነብር ዘይኽእል ወዲ-ሰብ’ውን ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ምዕሩይን ውሑስን ህይወት ክነብር ኣይኽእልን።

Read more: ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።

ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 23 October 2023

መጀመሪያ ልክዕና መታን ክንፈልጥ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ክፍተሽ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክፈልጦ ክግበር ኣለዎ። ብውሕዱ መባእታዊ መረዳእታ መታን ክተሓዝ፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ታሪኽና ክግንጸል ክትንተን ብብሩህ ድማ ክቕመጥ ይግባእ። ብከመይ ዝበለ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ መስርሕ ከም ዝመጻእና፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ዘብጸሐ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ከም ዘለዎ ከይተደዋወሰ ዝቐርበሉ መድረኽ ክፍጠር ምጽዓር። ዜጋታት ከይተሸቑረሩ ምሉእ ተሳትፎኦም ዘረጋግጽሉ፡ ብህዝባዊ ክትዕ ዝበሰለ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምምጻእ ብግዜ የለን ናይ ቃልሲ መንፈስ ብተግባር እንተተወፊርሉ ብዙሓት ብግርህናን ብስምዒትን ጣሕመሽመሽ ክብሉ ዝጸንሑ ሰባት ደው ኢሎም ገዛእ ርእሶም ክግምግሙ፡ ካብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ሓራ ክወጽኡ ክጅምሩ’ዮም። ኣብኡ እንተተበጺሑ ከኣ፡ ናይ’ቲ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ጸገምና መድሓኒት ንምርካብ ቀሪብና ኣለና ማለት’ዩ።

Read more: ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።

  1. እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን
  2. ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
  3. “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
  4. ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
  5. ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡  ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡  
  6. ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
  7. ቀስ ብቀስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኪገማማዕ ይጅምር ኣሎ። ቃልስና ቀጻሊ ይኹን
  8. መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ

Page 10 of 17

  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14

Designed by pickjoomla.com