- جبهة النحرير الارترية ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
- መርድእ: ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት: መግለጺ (መሪር ሐዘን)
- Relying on Eritrea’s Military for Democratic Transition Is a Risk We Can’t Afford – A reply to “Looking Beyond Isaias”
- Looking beyond Isaias: Complexities of the make-up of the Eritrean population, past and present – a help or hindrance?
- Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
- ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
- Eritrea is not a safe Country
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
- Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
- ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
- ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
- ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
- ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
- Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
- Ethiopian Gov’t Disowns the View That Eritrea Is Using TPLF Faction
- Eritrean Forces Operating with Impunity in Tigray, Abuses Ongoing- UN Confirms
- Looming Ethiopia-Eritrea Tension: Is new cycle of armed conflict imminent?
- ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
We have 151 guests and no members online
ዜና ትግርኛ
- Details
- Written by: ክብሮም ግረነት
ህዝብና ወሬ ኹናትን ድምጺ ቦምብታትን ፣ ሞትን ስንክልናን ስደትን ካብ ዘተኣናግድ 64 ዓ. ም. ሓሊፉ ኣሎ ። ኣብ መዋእል ሰውራ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ህዝብና ከይኣክል ፡ ህግደፍ ዓመት ወጸት ዓመት መጸት ፡ መንእሰያትና ኣብ ሓዊ ኹናት ክጠብስ ሓጎስ እምበር ሓዘን ይኹን ጓሂ ኣይስምዖን እዩ ። ምኽንያቱ ፍልስፍና ወይ ራኢ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኹናትን ድኽነትን ኣማዕቢሉ ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮኡ ክሓስብ ገይሩ ፡ነታ ለይትን መዓልትን ዝናፍቓ ኢትዮጵያ ክመርሕ ኢሉ እዚ ከሉ ወርደትን መኸራን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከወርድ ንዕዘብ ኣሎና ። ኣብ ግዜ ሰውራ እንተኾነ እውን ብናይ እስቲፎኖስ ኣብራሃም (ዘማች) ደርፊ ገይሮም መሓዙቶም ነዳያትን ዓዃያትን ዝነብሩላ ኤርትራ ክሃንጹ ምዃኖም ኣተምቢሆምልና ነይሮም ። ስለዚ ክገርመና የብሉን ። እቲ ነዳይ ብቅድሙ ድኻ እዩ ፡ እቲ ቁሩብ ትሕዝቶ ዝነበሮ ከኣ ብእተፈላልለየ ሸርሕታት ኣድኪዮምሞ ሃገር ዓዲ ነዳያት ገይሮማ ኣሎው።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
ኣብ ክውንነት ዝኣምኑ ኣርሒቖም ድማ ዝእምቱ ለባማት ሰባት፡ ሓቀኛ ምንጩ ዘይፍለጥ፡ ጭብጢ ንዘይብሉ፡ ተባሂሉ፣ይበሃል ኣሎ፣ ከም’ዚ ክግበር’ዩ፣ ክኸውን’ዩ …ወዘተ ብዝብል ንዝንዛሕ ወረ “ቤላ ቤሎ” ክብሉ ይገልጽዎ። ብካልእ ኣገላልጻ ቤላ ቤሎ መሰረትን ተሓታትን ዘይብሉ ወረ ማለት’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ዘይተሰምዐ ዓይነት ቤላ ቤሎ የለን፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝጸንሖ ፖለቲካዊ ለውጢ ክገብር’ዩ። ቅዋም ክትግብር’ዩ። መደባት ልምዓታዊ መጽናዕቱ ኣጻፊፉ ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ክኣቱ’ዩ።ኣብ ሓጺር ግዜ ማዕረ ኣናብር ልምዓት ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ ዝኾና ሃገራት ክንከውን ኢና። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፣ ኣብ መዓልቲ ነጻነት 24 ግንቦት፣ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት፣ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኩሎም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ’ዮም። ኤርትራ መወዳድርቲ ናይ’ተን ኣብ ዓለምና ኣለዋ ዝበሃላ ሓያላትን ምዕቡላትን ሃገራት’ያ። ዕንቅፋት ኮይኖሙና ዘለዎ ጎረቤትና’ዮም …ወዘተ ዝብል ዕሙት ጽልእን ፖለቲካዊ ድኽነትን ዝሰረቱ ዝተነዝሐ ቤላ ቤሎ እልቢ የብሉን።
- Details
- Written by: ደሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
ሓባራዊ ወጽዓን ረብሓን ዘለዎም ሕብረተ-ሰብኣዊ ኣካላት ብቐዳምነት፡ ጠንቂ ጸገሞም መን? መሰሎምን ረብሓኦምንከ ብከመይ የረጋግጹ፡ ዝብሉ ነጥብታት ዝኣክል ግዜ ሂቦም ኣብ ጭቡጥ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ክዛተዩን ኣብ ሓደ ዝጭበጥ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጥሑ ይግባእ። ዝጥርነፍሉ ማሕበር ድዩ ፖለቲካዊ ውድብ ብሕግን ብወግዕን ክምስርቱ ኣለዎም። እቲ ማሕበር ወይ ውድብ ዝምራሓሉ፡ዝተጻሕፈ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ስትራተጂ፡ ስልቲ፡ ሕድሕዶም ተናቢቦም ዝሰርሕሉ ዝቆጻጸርሉ ውሽጣዊ ስርዒታዊ ቅርጻን ሕገ-ህንጻን ከምኡ’ውን ተሓታትነት ዘለዎ ሕጋዊ መሪሕነትን ኣማሊኦም ክብገሱ ትጽቢት ይግበር። ከም’ዚ ዓይነት ሓባራዊ ኣገንዝቦን ኣሰራርሓን ኣብ ዝወነኑ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ኣብ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ወድባት /ሰልፍታት/ ዝፍጠር ምትእስሳር ወይ ዝምድና ከኣ ናይ ሓሳብ ሓድነት ከምዘሎ የመልክት።
- Details
- Written by: ደግሓኤ
ሓባራዊ ወጽዓን ረብሓን ዘለዎም ሕብረተ-ሰብኣዊ ኣካላት ብቐዳምነት፡ ጠንቂ ጸገሞም መን? መሰሎምን ረብሓኦምንከ ብከመይ የረጋግጹ፡ ዝብሉ ነጥብታት ዝኣክል ግዜ ሂቦም ኣብ ጭቡጥ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ክዛተዩን ኣብ ሓደ ዝጭበጥ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጥሑ ይግባእ። ዝጥርነፍሉ ማሕበር ድዩ ፖለቲካዊ ውድብ ብሕግን ብወግዕን ክምስርቱ ኣለዎም። እቲ ማሕበር ወይ ውድብ ዝምራሓሉ፡ዝተጻሕፈ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ስትራተጂ፡ ስልቲ፡ ሕድሕዶም ተናቢቦም ዝሰርሕሉ ዝቆጻጸርሉ ውሽጣዊ ስርዒታዊ ቅርጻን ሕገ-ህንጻን ከምኡ’ውን ተሓታትነት ዘለዎ ሕጋዊ መሪሕነትን ኣማሊኦም ክብገሱ ትጽቢት ይግበር። ከም’ዚ ዓይነት ሓባራዊ ኣገንዝቦን ኣሰራርሓን ኣብ ዝወነኑ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ኣብ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ወድባት /ሰልፍታት/ ዝፍጠር ምትእስሳር ወይ ዝምድና ከኣ ናይ ሓሳብ ሓድነት ከምዘሎ የመልክት።
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ ሆደ
11 የካቲት ህዝቢ ትግራይ ብውሑዳት ሙሁራት መንእሰያት ደቁ አቢሉ፡ አንጻር ገዛእቲ ደርብታት አምሓራ፡ ሽግ ሐርነቱ ዝአወጀላ ታሪኻዊት ዕለት`ያ። እዛ መዓልቲ እዚአ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ናይ ቃልሲ መሐዙቱ ህዝብታት ዓለም፡ ናይ ሓርነትን ጽንዓትን መዓልቲ ስለ ዝኾነት ብክብ ዝበለ ሞራል ክዝክርዋን ከኽብርዋን ክነብሩ’ዩም።
Read more: ዮሃና ንመበል 50 ዓመት ወርቓዊ ኢዮቤልዩ: ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መንግስታዊ ትካላት፣ ማሕበራት፣ ናይ ብሕቲ ትካላት ገምጋም ስራሕ ምግባር ብኣረኣእያ ቅቡል፡ ብተግባር ድማ ዝስረሓሉ ምሩጽ ሜላ’ዩ። ምኽንያቱ ሓያልን ድኹምን ጎኒኻ ዘርኢ፡ ዓቕሚ ሰብ ዘጎልብት፡ ባህሊ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘስርጽ፡ ሚዛን ሓድነትን ማዕርነት ዝሕሉ ደሞክራያዊ መድረኽ ብምዃኑ ኣድላይነቱ ዕዙዝ’ዩ። ኣብ ሓባራዊ ስራሓት ነጻን ደሞክራስያውን መድረኽ ከፊትካ፡ መበገሲኻን ሸቶኻን መሰረት ብምግባር፡ እንታይ ወጢንና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ እንታይ ዕንቅፋት ገጢሙና፡ ከመይ ከ ክንሰግሮ ወይ ክንፈትሖ ኣለና ኢልካ ምግምጋም ፍቱን ኣገባብ ንኣድማዒ ስራሕ እዩ። ከም ተመክሮ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ማሕበራት፡ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝርከቡ ኣባላት፡ ሰራሕተኛታት፡ ዘሳተፈ ነጻ ገምጋም ስራሕ ስለ ንገብር፡ ኣብ ስራሕና ምትእምማን፡ ግልጽነት፡ ተሓታትነት፡ ተወፋይነት ጠጢዑ፡ ስለዚ ከኣ ውጽኢታውያን ኮይና ኢሎም ክዛረቡ ይስምዑ።
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ፣ ዓዲ ሰግዶ መርድእ በጺሑኩምዶ
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- ግርም እባ ናብ ስልጣን ቅድድም
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?